እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያዊት ክኢላ 'ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ' ተምኒት ገብሩ ካብ ጉግል ተሰጒጓ
ብኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ እትፍለጥ ትውልዲ ኢትዮጵያዊት ተምኒት ገብሩ ካብ ጉግል ከም ዝተሰጎገት ብትዊተር ገሊጻ።
መራሒት ጉጅለ ስነ ምግባር ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ጉግል ዝነበረት ተምኒት፡ ብሮቡዕ ካብቲ ትካል ከም ዝተሰጎጎት ዝገለጸት ኮይና፡ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ኣድልዎ ትኹረት ንክረክብን ውክልና ዘይረኸቡ ሰባት ዕድል ስራሕ ንክረኽቡን ዝሕብር መልእኽቲ ናብ ሰራሕተኛታት ምስልኣኸት ከም ዝተሰናበተት ሓቢራ።
እዚ ዜና ከም ዋሽንግተን ፖስት፣ ብሉምበርግን ኒውዮርክ ታይምስን ዝበሉ ዓበይቲ ሚዲያታት ጸብጺቦምዎ ኣለው።
ብዙሓት ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጅን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን ዝሰርሑ ሰባት ድማ ተቓውምኦም ይገልጹ ኣለው።
ተምኒት፡ ኣብቲ ዓውዲ ቑጽሪ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ትሑት ከም ዝኾነ ብምግላጽ ነዚ ንምፍታሕ ከም እትቃለስ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።
ኣብ ውሽጢ 'ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ' ካብ ሞንጎ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ዝኾነት ተምኒት ካብ ስርሓ ምስጓጓ ድማ፡ ኣብ መሪሕነት ጉግል ኣድልዎ ዝቃወሙ ሰባት ዝተፈጥረ ወጥሪ ዘመላኽት'ዩ ተባሂሉ።
መሰል ሰራሕተኛታት ኣመሪካ ንምሕላው ዝተጣየሰ 'ናሽናል ሌበርስ ሪሌሽንስ ቦርድ'፡ ጉግል ማሕበር ሰራሕተኛ ክምስርቱ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ስርሖም ኣሰናቢቱዎም ኣሎ ክብል ይኸስስ።
ጉግል፡ እቶም ሰራሕተኛታት መትከል ድሕነት መረዳእታ ምጥሓስ'ዮም ካብ ስርሖም ተሰጒጎም'ኳ እንተበለ፡ እቲ ቦርድ ግን እቶም ሕግታት ነቶም ኣብ ምንቅስቓስ እቲ ማሕበር ዝነጥፉ ዝነበሩ ጥራሕ ዝጠመተ እዩ ኢሉ።
ይኹን'ምበር እቲ ኩባኒያ ዘይሕጋዊ ነገር ኣይገበርኩን ብምባል ንዝቐርበሉ ክሲ ይነጽጎ።
ጉግል እቶም ሰራሕተኛታት፡ ብዛዕባ እቲ ማሕበር መረዳእታ ከውጽኡ ከም ዘገደደን እዚ ድማ ንመትከል መሰል ሰራሕተኛታት ዝጻባእ ብምዃኑ ዘይሕጋዊ እዩ ይብል።
እቲ ትካል፡ "ምስ ስራሕ ዝራኸብ ቅርታ ብስሩዕ መገዲ ጥራሕ'ዩ ክግለጽ ዘለዎ" ብምባል ነቶም ሰራሕተኛታት ከምዘፈራርሖም ጸብጻባት ይገልጹ።
ተምኒት ኣብ ትዊተር ከም ዝበለቶ፡ ጉግል ናይ ስራሕ ኢሜይል ኣድራሽኣ ኣጊድዎ'ሎ።
"ትማሊ ምሸት ካብ ኣመራርሓ ወጻኢ ንዝኾኑ ሰራሕተኛታት ዝልኣክኽዮ ኢሜይል ምምሕዳር ጉግል ካብ ዝፈቕዶ ወጻኢ'ዩ" ዝብል ኢሜይል ከም ዝበጽሓ ትዛረብ።
ተምኒት ገብሩ መን'ያ?
ብትውልዲ ኢትዮጵያዊት ዝኾነት ክኢላ ቴክኖሎጂ ተምኒት ገብሩ፡ ብ1983 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ።
ክሳብ 9ይ ክፍሊ ኣብ ቤት ምህርቲ ናዝሬት ክትመሃር እንከላ፡ ተመሃሪት 10ይ ክፍሊ ምስ ኮነት ንሓደ ዓመት ናብ ኣየርላንድ ከይዳ።
ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታን የኒቨርሲቲን ድማ ኣብ ኣመሪካ ወዲኣ።
ተመሃሪት ሳልሳይ ዲግሪ ምስ ኮነት ናብ ዓውዲ 'ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ' ዝኣተወት ተምኒት፡ ኣብ መጀመርታ 'ብሜዲካል ኢሜጂንግ' ክተጽንዕ ድልየት ነይሩዋ።
እዚ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠር ኣገልግሎት ሆስፒታል ዘይረኽቡ ሰባት ብስልኮም ከመይ ሕክምና ክረኽቡ ይኽእሉ ዝብል ተጽንዕ ነይራ።
'ኦፕቲክስ' ዝብል ዓውዲ ፊዚክስ ኣብ እተጽንዐሉ እዋን ድማ ናብ 'ኢሜጅ ፕሮሰሲንግ' ክተዘንብል ጀሚራ። 'ሲማ ፕሮሰሲንግ' ዝብል ዓውዲ ክተጽንዕ ከላ ድማ ናብ ኣትረፊሻል ኢንተለጀንስ ኣትያ።