እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
4 መሓውሩ ለሚሱ ዝነበረ ፈረንሳዊ ብሓገዝ ቴክኖሎጂ ክንቀሳቅስ ክኢሉ
ሓደ ኣርባዕተ መሓውሩ ሙሉእ ንሙሉእ ለሚሱ ዝነበረ ውልቀሰብ፡ ብሓገዝ ንሓንጎል ዘንብብ መሳርሕን ክዳንን መሓውሩ ክንቀሳቐስ ከም ዝኸኣለ ተመራመርቲ ፈረንሳ ሓቢሮም።
ወዲ 30 ዓመት ዝኾነ ቲሃቦልት፡ "ብሓገዝ እቲ ዝተኸደንክዎ ክዳንን እቲ መሳርሕን ክስጉም ምስ ጀመርኩ ከምዚ ኣብ ወርሒ ንፈለማ እዋኑ ዝዓለበ ሰብ'ዩ ተሰሚዑኒ" ኢሉ።
እዚ ናይ ምስጓም መስርሕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሮቦታት ዝተፈተነ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ፈተነ ጥራይ እዩ ተግባራዊ ኮይኑ ነይሩ፤ ኣብ ሰብ ግን እዚ ናይ ቲሃቦልት ናይ መጀመርታ ምኻኑ፡ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ ይሕብር።
ተመራመርቲ ድማ፡ እዚ ነቶም ብልምሰት ኣካላት ቑሩናት ዓራት ኮይኖም ዘለዉ ሰባት ዓብዪ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ገሊጾም።
ከመይ ገይሩ እዩ ዝሰርሕ?
እንታይ ተሰሚዕዎ?
ቲሃቦልት ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ 15 ሜትሮ ንውሓት ካብ ዘለዎ ደርቢ ለይታዊ ትልሂት ብምውዳቑ'ዩ ክልተ ዓመት ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ምክትታል ሕክምና ክጸንሕ ተገዲዱ።
እቲ ኣብ ዓንዲ ሕቕኡ ዘጋጠሞ ማህሰይቲ ኸኣ ንመልመስቲ ኣቃሊዕዎ።
ኣብ 2017 ግን እዚ ሓዲሽ ተክኖሎጂ ኣብ ኣካሉ ክፍተን ምስ ዩንቨርስታት ክሊንታክን ግሬኖበልን ተሰማሚዑ።
ድሕሪ ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕትን ነዊሕ ልምምድን ከኣ መሓውሩ ከንቀሳቕሶ ክኢሉ።
"ልዕሊ እግረይ አእዳወይ ንምቁጽጻር ዝወሰደለይ ግዜ ይነውሕ። ክልተ ዓመት ደቂሰ ስለ ዘሕለፍክዎ፡ ካብቶም ኣብ ከባብየይ ደቂሶም ዝነበሩ ኣነ ዝነዋሕኩ ምዃነይ እውን ኣስተብሂሉ ኣይፈልጥን'የ" ኢሉ እናሰሓቐ።