እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስ ጉግል ናብ ምስሕሓብ ዝኣተወት ትምኒት ገብሩ መን’ያ?
ትምኒት ገብሩ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ። ኣብ ሰብ ሰርሖ ፍህመት/ኣስተውዕሎ [ ‘ኣርቲፊሻል ‘ኢንተለጀንስ’] ኣለዋ ካብ ሞንጎ ዝበሃላ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ እያ።
ኣብ ጉግል ሓላፊት ክፍሊ ስነምግባር ‘ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ’ (ኤ ኣይ) ኮይና ትሰርሕ ነይራ። እቲ ቴክኖሎጂ ንኹሉ ዝሓቁፍን ፍትሓዊ ንክኸውን ካብ ሞንጎ ዝጽዕሩ ድማ ብቐዳምነት ትጥቀስ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ምስ መሪሕነት ጉግል ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ካብ ስርሓ ተሰጒጓ እያ። እዚ ድማ ንሰብሞያ እቲ ዓውዲ ኣቖጢዑ’ሎ።
‘ናዝሬት ስኩል’ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ቤት ትምህርቲ ተማሂራ። ዓሽራይ ክፍሊ ምስበጽሐት ድማ ናብ ኣየርላንድ ከይዳ። ናይ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲትን ትምህርታ ኣብ ኣሜሪካ’ያ ዛዚማ።
ንስድርኣ ናይ መወዳእታ ማለት እታ ዝነኣሰር ውሉዶም እያ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት “ቆልዓ ኮይነ ትምህርቲ ብጣዕሚ እፈቱ ነይረ። ሓሚመ’ውን ካብ ቤት ትምህርቲ ክተርፍ ኣይደልይን” ብምባል ብፍላይ ንቁጽሪ (ሒሳብ) ፊዚክስን ፍሉይ ፍቕሪ ከምዝነበራ ገሊጻ ነይራ።
ኣቡኣ ኤለክትሪካል መሃንዲስ ብምንባሩ ከኣ ናብ ሳይንስ ንኽተዛዙ ከምዝገበራ ትዛረብ። ክልተ ዓበይቲ ኣሓታ’ውን ኣብዚ ዓውዲ ዝወፈራ እየን።
ትምኒት ኣብ ኣሜሪካ. . .
ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምስወደአት ናብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዝተጸምበረት ትምኒት ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪኣ ብኤለክትሪክ ምህንድስና ረኺባ።
ኣብ ዓለም ዝለዓለ ተፈላጥነት ኣብ ዘለዎም ዓበይቲ ኩባንያታት ኣፕልን ጉግልን ድማ ሰሪሓ። ኣብ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ማይክሮሶፍት ድማ ኣብ ፍትሓውነት፣ ግልጽነትን ስነምግባርን ምስ ዘድህብ ጉጅለ ሰሪሓ።
ጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ሰብ ሰርሖ ፍህመት/ኣስተውዕሎ [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ] ዘለወን ተሳትፎ ንምዕባይ ድማ ‘ብላክ ኢን ኤ ኣይ’ ዝበሃል ጉጅለ ካብ ዝመስረቱ ሰባት ሓንቲ’ያ።
ጸልምቲ ኣብ ሰብ ሰርሖ ፍህመት (‘ብላክ ኢን ኤ ኣይ) ዝተበሃለ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ ናብቲ ዓውዲ ንኽኣትዋ፣ ኣብቲ ሞያ ዝርከባ ድማ ንኽተሓጋገዛን ተሰማዕነት ንኽህልወንን ብዝብል ዕላማ ዝቖመ እዩ።
እቲ ምትእኽኻብ ንጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ዘተባብዕን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሓ ዘኽእለነን ትምኒት ተረድእ።
ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት “ስራሕ ዝረኸባን ናይ ማስተርስን ዶክትሬትን ዕድል ትምህርቲ ዝጀመራን ኣለዋ። ሓበራዊ ጥምረት ፈጢረን ክሰርሓ ዝጀመራ እውን ኣለዋ” ክትብል እቲ ጉጅለ ንዝፈጠሮ ዕድል ኣረዲኣ።
ኢትዮጵያዊት ረድኤት ኣበበ፡ ብዘይካ ትምኒት ኣብ ምስረታ ‘ብላክ ኤ ኣይ’ ዝለዓለ ኣበርክቶ ካብ ሞንጎ ዝነበረን ደቂኣንስትዮ ከምዝኾነት ይፍለጥ።
ምህርቲ ኮምፒዩተር ሳይንስ ረድኤት ኣብ ’ኣልጎሪዝምን ኤ ኣይን’ ሰሪሓ። ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ኮርኔል ድማ ብኮምፒዩተር ሳይንስ ‘ፒ ኤች ዲ’ (ዶክትሬት) ዝረኸበት ፈላሚት ጸላም ጓልኣንስተይቲ’ያ።
ኣብቲ ዓውዲ ውሑዳት ደቂኣንስትዮ ጥራይ ከምዝርከባ እትገልጽ ትምኒት፡ ካብ እተካይዶም መጽናዕትታት እቶም ዝበዝሑ ኣብ ጾታውን ዓሌታውን ኣሳታፋይነት ከምዘድህቡ ትዛረብ።
ካብ ዘካየደቶም መጽናዕትታት
ትምኒት ካብ ዘካየደቶም መጽናዕትታት እቲ ሓደ ‘ፌሻል ሪኮግኒሽን ሲስተም’ ማለት ንሰባት ገጾም ጥራሕ ብምርኣይ መንነት ምፍላይ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ብዝምልከት ምጥቃስ የከኣል።
እቲ ቴክኖሎጂ (መተግበሪ) ንጸለምቲ ሰባት ብፍላይ ድማ ንጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ገጸን ብምርኣይ መነንተን ክፈልይ ተገይሩ ክስራሕ ዘይምኽኣሉ’ያ ኣብ መጽናዕታ ትሕብር። ነቲ መጽናዕቲ ድማ ምስ ካልእ መሓዝኣ ብምዃን ከምዝጀመረቶ ተረድእ።
“መሓዘይ ጸላም እያ። ንሓደ መጽናዕቲ ብዝብል ነቲ ‘ፌስ ሪኮግኒሽን’ ክትጥቀም ምስፈተነት እቲ ቴክኖሎጂ ንገጻ ከንብብ [‘ዲቴክት’ ክገብር] ኣይከኣለን። ከምዘየላ እዩ ዝቖጽራ። ንገጻ ብጻዕዳ መሸፈኒ ምስሸፈነቶ ግን የንብባ” ክትብል ንመበገሲ መጽናዕታ ትዝክር።
ከምዚኦም ዝበሉ ኣድሎኣዊን ዓሌታውን ኣሰራርሓታት ኣብ ብዙሓት ውጽኢታት ቴክኖሎጂ ከምዝረኣዩ ሰብሞያ እቲ ዓውዲ ይሕብሩ።
‘ዳታ ኣክቲቪዝም’ [ናይ መረዳእታ ተጣባቕነት]
ትምኒት ምስ ኢንተርኔት ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ምንቅስቓስ ካብ ዝገብሩ ተጣበቕቲ መሰል ሓንቲ ኮይና፡ ‘ውጽኢታት ቴክኖሎጂ ክሳብ ክንደይ ንኹሉ ይሓቑፉ ወይ የሳትፉ?’ ዝብል ሕቶ ብምብጋስ ይሰርሑ። ክፍተት ኣብ ዝረኽቡሉ እዋን ከኣ ምስ ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ክሳብ ምፍጣጥ ይበጽሑ።
“ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ዘየገልግል ቴክኖሎጂ እንተተሰሪሑ ንሰባት ዘይኸውን ነገር ተሰሪሑ’ሎ ማለት እዩ” እትብል ትምኒት፡ ኣፍሪቃውያን ደቂኣንስትዮ ነዐአን እውን ዘገልግል ነገር ንኽስራሕ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ክወፍራ ከምዘለወን ትሕብር።
ትምኒት፡ ቴክኖሎጂታት ንኹሉ ዘማእኽሉን ፍትሓውን ክሳብ ዝኾኑን ንሰናይ ዕላማ ክሳብ ዝወዓሉን መጻኢ ኩነታት ዓለም ብሩህ ከምዝኸውን ካብ ሞንጎ ዝኣምኑ ሰብሞያ እቲ ዓውዲ እያ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዘሎ ፍልጠት እናዓበየ ምምጽኡ እትኣምን ትምኒት “ዝተወደበ ኣካይዳ ክህሉ ግን ኣለዎ። ንኹሉ ዘሳትፍ ትልሚ’ውን ክህሉ ይግባእ። ሰባት ናብቲ ቴክኖሎጂ ንኽኣትዉ ዕድል ክንህብ ኣለና” ትብል።
ናይ ብሕቲ (ውልቀ) ትካላት ቴክኖሎጂ እውን ናብ ኢትዮጵያ ንኽኣትዉ ምቹእ ኩነታት ክፍጠር ከምዘለዎ ትሕብር።
ምስ ጉግል ዝተፈጠረ ምስሕሓብ?
ብኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ እትፍለጥ ትውልዲ ኢትዮጵያዊት ትምኒት ገብሩ ካብ ጉግል ከም ዝተሰጎገት ብትዊተር ገሊጻ’ያ።
መራሒት ጉጅለ ስነ ምግባር ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ጉግል ዝነበረት ተምኒት፡ ብሮቡዕ ካብቲ ትካል ከም ዝተሰጎጎት ዝገለጸት ኮይና፡ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ኣድልዎ ትኹረት ንክረክብን ውክልና ዘይረኸቡ ሰባት ዕድል ስራሕ ንክረኽቡን ዝሕብር መልእኽቲ ናብ ሰራሕተኛታት ምስልኣኸት ከም ዝተሰናበተት ሓቢራ።
እዚ ዜና ከም ዋሽንግተን ፖስት፣ ብሉምበርግን ኒውዮርክ ታይምስን ዝበሉ ዓበይቲ ሚዲያታት ጸብጺቦምዎ ኣለው።
ብዙሓት ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጅን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን ዝሰርሑ ሰባት ድማ ተቓውምኦም ይገልጹ ኣለው።
ትምኒት፡ ኣብቲ ዓውዲ ቑጽሪ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ትሑት ከም ዝኾነ ብምግላጽ ነዚ ንምፍታሕ ከም እትቃለስ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።
ኣብ ውሽጢ 'ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ' ካብ ሞንጎ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ዝኾነት ተምኒት ካብ ስርሓ ምስጓጓ ድማ፡ ኣብ መሪሕነት ጉግል ኣድልዎ ዝቃወሙ ሰባት ዝተፈጥረ ወጥሪ ዘመላኽት'ዩ ተባሂሉ።
መሰል ሰራሕተኛታት ኣመሪካ ንምሕላው ዝተጣየሰ 'ናሽናል ሌበርስ ሪሌሽንስ ቦርድ'፡ ጉግል ማሕበር ሰራሕተኛ ክምስርቱ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ስርሖም ኣሰናቢቱዎም ኣሎ ክብል ይኸስስ።
ጉግል፡ እቶም ሰራሕተኛታት መትከል ድሕነት መረዳእታ ምጥሓስ'ዮም ካብ ስርሖም ተሰጒጎም'ኳ እንተበለ፡ እቲ ቦርድ ግን እቶም ሕግታት ነቶም ኣብ ምንቅስቓስ እቲ ማሕበር ዝነጥፉ ዝነበሩ ጥራሕ ዝጠመተ እዩ ኢሉ።
ይኹን'ምበር እቲ ኩባኒያ ዘይሕጋዊ ነገር ኣይገበርኩን ብምባል ንዝቐርበሉ ክሲ ይነጽጎ።
ትምኒት ካብ ስራሕ ወጻኢ. . .
ትምኒት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ከምዝገለጸቶ ዝበዝሕ ናይ ዕረፍቲ ጊዜኣ ፒያኖ ምጽዋት ትፈቱ። ብርግጽ ተምሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን’ውን ፒያኖ ተማሂራ እያ።
“ሽሮን ካብን ዝፈትዎም መግብታት እዮም። ካብ ሽኮር ጣዕምታት ድማ ቸኮሌት እፈቱ። ቡን ምስ ጸባ ምርጫይ እዩ። ኩልጊዜ ንጉሆ ካብ ድቃስ ምስተሳእኹ ቡን ብጸባ እሰትይ” ትብል።
‘ብሮድ ሲቲ’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ፊልምን ‘ደይሊ ሾው ዊዝ ትሬቨር ኖህ’ ብዝብል ዝፍለጥ ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራምን ከምእትከታተል ድማ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ብዘይካ ፌስቡክን ትዊተርን ድማ 'ስታክ ኦቨር ፍሎ'፣ 'ሬድዮ ላቭ ፖድካስት' ን 'አፍሪካ ኢዝ ኤ ካንትሪ' ን ዝተበሃሉ ድረገጻት (መርበባት ሓበሬታ) ትከታተል።
ነታ ክልተ ጊዜ ተሸላሚት ኖቤል ዝኾነት ሳይንቲስት ሜሪኩሪ ፍሉይ ናእዳ ኣለዋ።
“ሰባት ኩልጊዜ ‘ከምዚ ምገበርኩ’ ካብ ምባል ነቲ ዝሓስብዎ ክገብሩ ኣለዎም። ሰባት ዓቕሞን ኣይፈልጥዎን። ናይ ይከኣል መንፈስ እንተሃልይዎም ግን ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም” ትብል ትምኒት።