ኣእምሮኹም ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ክፍወስ ምፈቐድኩም'ዶ?

ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት፡ ሓኪመይ፡ ሓንቲ ከልቢ ንምስልጣን እትሕግዝ መጽሓፍ "ንሰብ እውን ይኸውን እዩ" ብምባል ንከንብባ መኺራትኒ።

ኣመስጊነያ፡ ግን ንሰብኣየይ ከም ከልቢ ከሰልጥኖ ንዕቐት ኰይኑ ከምዝስምዓኒ ገሊጸላ።

"ኣይፋልን" ኢላ ስሒቓ። "እታ መጽሓፍ እኮ ንነብስኺ ከተሰልጥኒ እያ ትሕግዝ" ኢላትኒ።

ክኢላታት ፍወሳ ስነ-ኣእምሮ (ቴራፒስት) ንተሓከምቶም ብሓፈሻዊ ኵነት ዝርእዩ እንተዀይኖም ወይ ኣብዚ ናተይ ጉዳይ ድማ ምስ ኣኽላባት ዘመሳስልዎም እንተዀይኖም፡ ሓደ ሰብ-ሰርሖ ቻትቦት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምኽሪ ብምሃብ ክኢላ ፍወሳ ከገልግል ይኽእል'ዶ?

እቲ ሓጺር መልሲ እወ'ዩ፤ እንታይ ሓደጋ ከምዘለዎ ግን ኣይንፈልጥን።

ክኢላ ፍወሳ ስነ-ኣእምሮ ምርካብ ከቢድ እዩ። ኣብ ዓለም ዘጋጥሙ ዘለዉ ጸገማት ስዒቡ ጭንቀትን ቅዛነትን ኣዝዩ ስለዝወሰኸ፡ ብዓለም ደረጃ ሕጽረት ሰብ ሞያ ጥዕና ኣእምሮ ይርአ ኣሎ።

ንፍወሳ ዝኽፈል ገንዘብ እውን ነቶም ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ከይተረፈ ቀሊል ኣይኰነን። ብተወሳኺ ምስ ክኢላታት ቈጸራ ምሓዝ፡ ብቘጸራ ምምልላስ፡ ካልኦት ውሳነታትን መደባትን ከይተረፈ የድልዮ እዩ።

ኣብዚ እዩ ቻትቦት ፍወሳ ስነ-ኣእምሮ ኣገዳሲ ዝኸውን። ዳርጋ ንዅሉ እቲ ተስፋ ዘቝርጽ ጻዕርታት ዘወግድ ኣማራጺ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን 'ዎይቦት'ን ከምኡ'ውን ከም ዋይሳ'ን 'ዩፐር'ን ዝኣመሰሉ ናይ ፍወሳ ቻትቦታት ተፈታውነቶም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። እዞም ሰሙን ምሉእ ን24 ሰዓታት ዘገልግሉ ቻትቦታት ከም ተገንዝቦኣዊ ፍወሳ ባህሪ ወይ 'ኮግኒቲቭ ቢሄቪዮራል ቴራፒ ዝኣመሰሉ ሜላታት ይጥቀሙ። እዚ መስርሕ እዚ፡ ፍሉይ ኣቃውማን ድልዱል መሰረት ዘለዎ ስርዓት ዝጥቀሙ ልምምዳትን ኣለዎ።

እቲ መሰረተ-ሓሳብ ትርጕም ዝህብ እዩ። ኣብ ምትእስሳር ሰብን ኮምፒተርን ዝተኻየዱ መጽናዕቲ ከምዘመልክትዎ፡ ሰባት ምስ ቻትቦት ርክብ፡ ውልቃዊ ዝምድናን ምትእምማንን ከማዕብሉ ይኽእሉ እዮም። ብፍላይ እቶም ሰብ እንታይ ይብለና ዝብል ስክፍታ ዘለዎም፡ ካብ ሰባት ንላዕሊ ንቻትቦት ክኣምኑ ተኽእሎ ኣሎ።

እቶም ሕጂ ዘለዉ ቻትቦታት መሰረት ዘለዎ ፍወሳ ክጥቀሙ እንከለዉ፡ ኣድማዕነቶም ግን እቶም ተጠቀምቲ ምስኦም ብኸመይ ኣገባብ ይነጥፉ ኣብ ዝብል ክምርኮስ ይኽእል እዩ። እዚ ንጥፈት ድማ ሓደ ሰብኣዊ ክኢላ ክመርሖም ዝቐለለ እዩ።

ክሳዕ ሕጂ፡ ቻትቦታት ፍወሳ ይሰርሑ ድዮም ኣይሰርሑን፡ ንሰባት ዝረብሑ ድዮም ዝጎድኡ፡ ከምኡ'ውን ንመን ከገልግሉ ይኽእሉ ኣብ ዝብል ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣዝዩ ውሑድ'ዩ።

ዎይቦት ኣብ 2018 ብዘይፍላጥ ኣብ ጾታዊ ምዝመዛ ህጻናት ከምዝደገ ስለዝተረጋገጸ ቍጥዐ ኣበጊሱ ነይሩ። እቲ ጉዳይ'ቲ መፍትሒ ተገይርሉ እዩ። እንተዀነ ንመወዳእታ ግዜ ዘጋጠመ ጸገም ግን ኣይክኸውንን'ዩ።

ሓደስቲ ሜላታት ኣፍረይቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒታት፡ ሓደ ቻትቦት ዝህቦ መልሲ ዝተዓቘረ ናይ ምዃን ዕድሉ ትሑት ክኸውን ዝገብሩ እዮም። እንተዀነ ሕጂ'ውን እቲ ቻትቦት እንታይ ክምስል ከምዝኽእል ብልክዕ ክግምት ዝኽእል ሰብ የለን።

እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ፍወሳ ስነ-ኣእምሮ ሓደገኛ'ዩ። ኣብ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተመርኮሱ ስርዓታት ጽሑፍ ብጾታዊ ፍልልይ፡ ዓሌትነትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ዝተዓብለሉ እዮም።

ዋላ'ውን ኣቐዲሞም ብዝተዳለዉ ጽሑፋትን ኣብ ሕጊ ዝተመርኮሰ መልስታት እንተሃለዉ፡ ኣብቶም ምኽሪ ጥዕና ኣእምሮ ዝደልዩን ብዙሓት ካብኣቶም ተቓላዕቲ ዝዀኑን ተሓከምቲ ብቐሊሉ ጉድኣት ከብጽሕ ይኽእል'ዩ።

እቶም ቻትቦታት ንኣብነት ንነብሰ ቅትለት ዝምልከት ቋንቋ ንምልላይን ንሓገዝ ደቂ ሰባት ንምውካስን ዝተዳለዉ ክዀኑ እንከለዉ፡ መልሲ ናይ ሓደ ቻትቦት ብጌጋ ክምርሑ ወይ ብጌጋ ክሕሰቡ ዘኽእሉ ካልኦት ብዙሓት ኵነታት ኣለዉ።

ንጡፋት ክኢላታት ፍወሳ ስነ-ኣእምሮ፡ ሓደ ሰብ መዓስን ብኸመይን ናብቲ ዝድለ ኣንፈት ክመርሕዎ ከምዝኽእሉን ክሳብ ክንደይ ድማ ምትብባዕ ከምዘድልዮም ይፈልጡ እዮም። ብድሕሪ ዘረባታት ዘሎ ትርጕም ይርድኦም፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይዕዘቡ፡ ለውጢ ቃና የስተብህሉ፡ እዚ ኵሉ መልሲ ንምሃብ ይሕግዞም።

ኣብ መንጐ'ቲ እቶም ተሓከምቲ ዝርከቡሉ ኵነታትን ከምኡ'ውን ንቕድሚት ክስጉሙ ኣብ ምግባርን ዘሎ ኣጸጋሚ ሚዛን የመሓድሩ። እዚ ዋላ ብዙሓት ሰብኣውያን ክኢላታት ዘይውንንዎ ኣዝዩ ከቢድ ክእለት'ዩ።

ብቕዓት ዘይብሎም ሰብኣውያን ሓካይም ጉድኣት ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ኣየጠራጥርን። ኣብ ኣገልግሎት ፍወሳ ስነ-ኣእምሮ፡ ካብ ውሑስ ዘይኰነ ምኽሪ ምሃብ ጀሚሩ ክሳብ ገለ ምትላላት ምፍጻም ኣጋጢሞም እዮም።

ይዅን'ምበር እቲ ሞያ፡ ጉድኣት ንምክልኻል እውን ዝዓለመ ኰይኑ፡ ስርዓታት ስነ-ምግባርን ካልኦት መከላኸሊታትን ዘለዎን ፍቓድ ዘድልዮን እዩ።

ኵነታት ጥዕና ኣእምሮ ዝምልከት መረዳእታታት ንሓደ ሰብ ምንጋር፡ ካብ ንሓደ ኩባንያ ሓላፍነት ምሃብ ዝተፈልየ እዩ። ሰብኣዊ ሓካይም ክጋገዩ ይኽእሉ'ዮም፡ ብመጠን ግን ሓደገኛታት ኣይኰኑን። እዞም ቻትቦታት ፍወሳ ዝህብዎ ተስፋ'ውን ልክዕ ከምኡ ኣብ መጠን ዝምርኰስ እዩ።

እቲ ዓቢ እወታዊ ጐኒ፡ ኣብ ፍወሳ ዘሎ ተበጻሕነት ምውሳኹ እዩ፤ ዘእምን ድማ እዩ። ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ዘሎ ዕንቅፋት ምቕናስ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጠራጥር'ኳ እንተዘይኰነ፡ እቶም ቻትቦታት ዝህብዎ ረብሓታት ግን ካብቲ ከስዕብዎ ዝኽእሉ ሓደጋታት ዝበለጸ እንተዀይኑ ገና ኣይነጸረን። ክሳብ ሽዑ ግን ሰብኣዊ ክኢላታት ከየድለየ ሰባት ደገፍ ክረኽቡ ዝኽእልሉ መንገድታት ኣለዉ።

እቲ ዘገርም፡ እቲ ዝሓሸ ፍታሕ ዝቐለለ ቴክኖሎጂ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ 1970ታት ጆሴፍ ዋይዘንባም ዝተበሃለ ክኢላ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንተጠቀምቲ ብቐለልቲ ሕቶታት መልሲ ዝህብ ኤሊዛ ብዝብል ዝጽዋዕ ቻትቦት ፈጢሩ።

ብብዙሓት ክኢላታት ፍወሳ ዝምከር 'ባህላዊ ጆርናሊን' ዝበሃል ሜላ ኰይኑ፡ ከም ኤሊዛ ብዝኣመሰሉ መስተጋብራዊ ቅርጽታት ኣቢሉ ንሰባት ዝያዳ ተበጻሒ ክኸውን ክኢሉ እዩ። ብተወሳኺ ኣስተንትኖትን ስምዒታትን ብምክትታል ኣብ ጥዕና ኣእምሮኦም ዝሕግዙ መተግበሪታት ኣለዉ።

ገለ ካብቶም ቻትቦት ፍወሳ ዝፈጠሩ ከይተረፉ ተወሳኺ ኣገልግሎት ይህቡ እዮም ብምባል እቲ ክትክኡ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ትረኻ ኣይቅበሉን።

እቶም መሳርሒታቶም ግን፡ ኣብ ፍወሳ ንተሓከምቲ ብዝበለጸ ንኸገልግሉ፡ ወይ'ውን ጐድኒ ጐድኒ ፍወሳ ንክተኣታተዉ ዝተዳለዉ ኣይኰኑን። ብቐንዱ ነቶም ሓኪም ክረኽቡ ዘይክእሉ ሰባት ከም ኣማራጺ ክውዕሉ እዩ እቲ ዕላማ።

ምናልባት እዚ ክሰርሕ ይኽእል'ዩ፡ እንተዀነ እቶም ዲዛይነራት መተግበሪታት ግን ብዛዕባ'ቲ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ነገር ብቕንዕና ክገልጹ ይግባእ።

ቻትቦት ፍወሳ ንሰባት ዘይነዓቕ ሓገዝ ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም። ይዅን'ምበር ዝዀነ ከምዚ ዓይነት ፍርያት ብዘይ እኹል መጽናዕቲ ብጉያ ናብ ዕዳጋ እንተዘይቀርብ ዝሓሸ ይኸውን። ብፍላይ ድማ ኵሉ ዝፍለጥን ዘይፍለጥን ጉድኣት ከጠቓልል ዝኽእል ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝሰርሕ መተግበሪ ጥንቃቐ የድልዮ'ዩ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ንሓኪመይ ብዛዕባ'ቶም ቻትቦትታት እንታይ ከምእትሓስብ ምስ ሓተትክዋ፡ እቲ ቀንዲ ስክፍታኣ ሓደ'ዩ ነይሩ - 'ንገንዘብ ኢሉ ዝሰርሕ ሰብ ኣይትእመኒ' ኢላትኒ።