እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጭካነን ቅትለትን ትላበሶ ድዩ ትወርሶ?
መጠንቀቕታ – እዚ ጽሑፍ ንስምዒት ዝርብሽ ዝርዝራት ዝሓቖፈ እዩ።
እዋኑ 20 ነሓሰ 1989 ዓ.ም ምሸት እዩ ነይሩ።
ኣብታ ምሸት ኤሪክ መነንደስን ላይል መነንደዝን ዝተባህሉ አሕዋት ወለዶም ዝነብሩሉ ኣብ በቨርሊ ሂልስ ዝርከብ ገዛ ከይዶም ነቶም 'The Spy Who Loved Me' እትብል ፊልም ዝርእዩ ዝነበሩ ወለዶም ተኲሶም ቀቲሎሞም።
ብዝፈጸምዎ ገበን ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዶም። ብድሕሪኡ ታሪዀም ቀስ ብቐስ ክሃስስ ጀሚሩ።
ኣብ ወርሒ መስከረም እዚ ዓመት ግን፡ ኔትፊሊክስ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኵነታት ዝትርኽ ተኸታታሊ ድራማን ሰነዳዊ ፊልምን ዘርጊሑ።
ብሰንኩ ከኣ እዞም ክልተ ኣሕዋት ርእሰ ዜና ዓለም ኰይኖም ኣለው። ሕጂ፡ እቲ ቅድሚ ዓመታት ክፍረዱ ንከለው ዘይተራእየ ሓድሽ መርትዖ ስለ ዝተረኽበ ክሶም ዳግማይ ኣብ ቤት ፍርዲ ይጻረ ኣሎ።
ንመወዳእታ ግዜ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረብሉ እዋን ቅድሚ 28 ዓመት'ዩ ነይሩ።
ዝሓለፈ ሰኑይ ከኣ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ክኢሎም።
እቶም ኣሕዋት ካብ ቤት ማእሰርቲ ብቴሌኮንፈረንስ'ዮም ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ተሳቲፎም። ሓትንኦም ከኣ ንኽፍትሑ ተማሕጺና።
"ናብ ገዝኦም ዝኸዱሉ ግዜ ዝኣኸለ ይመስለኒ" ኢላ።
ኣኰኦም ግን፡ እቶም ኣሕዋት ኢዶም ብደም ስለዝጠልቀየ ዕድመኦም ኣብ ማሕዩር ከሕልፉ ኣለዎም ክብል ተማጒቱ።
ናይ መርመራ ገበን ሳይካያትሪስትን መምህርን፡ ሬትዝን ዶ/ር ግዌን ኣድሺድ፡ ኣባላት ስድርኦምን ዝተፈላለዩ ሰባትን ብዛዕባ እዞም ኣሕዋት ዘቕርቡዎ ምስሊ ዘይቃዶ ብምዃኑ ከም እተገረመት ትዛረብ።
ኣሕዋት መነንደዝ፡ ግን ብሓቂ "ግናያት" ድዮም ዋላስ ከምቲ ሓትንኦም እትብሎ ተቐይሮም ክዀኑ ይኽእሉ?
ዶ/ር ግዌን፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ሆስፒታላትን ኣብያተ ማእሰርቲን ን30 ዓመታት ክኢላ መርመራ ገበን ስነ-ኣእምሮን ክኢላ ፍወሳ ስነ-ኣእምሮን ኰይና ሰሪሓ።
ኣብዞም ዓመታት፡ ብርክት ዝበሉ ውልቀ ሰባት ንዝፍጸሙዎ ጥፍኣት ሓላፍነት ንኽወስዱ ንምሕጋዝ ምስ ኣማኢት ዘስካሕክሕ ገበናት ዝፈጸሙ ገበነኛታት ተራኺባ እያ።
ገለ ሰባት እዚ ዘይክኣል ዕማም እዩ ኢሎም ይግምቱ።
"ግን ብርግጽ ክሕገዙ ኣይክእሉን'ዮም? ክውለዱ እንከለው ከምኡ ኰይኖም እንዶ ኣይኰነን ዝውለዱ? ዝብል ርኢይቶታት ይቐርበላ ከም ዝነበረ ትዛረብ።
እዚ ማለት፡ ሓደ እከይ ፍጡር ጥራይ'ዩ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ዘስካሕክሕ ጕድኣት ከውርድ ዝኽእል - ወይ ድማ ቀተልቲ (ካብ ቴድ ቡንዲን ሮዝ ዌስትን ክሳብ ሃሮልድ ሺፕማንን ኣሕዋት መነንደዝን) ብገለ መልክዑ ሰባት ኣይኰኑን ካብ ዝብል ርድኢት ዝምንጩ እዩ።
ብርግጽ፡ ኣብዚ ዓውዲ ስራሕ ክጅምር እንከለኹ፡ ዓመጽን ቅትለትን ዝፈጸሙ ሰባት ካብቶም ካልኦት ኣዝዮም ዝተፈልዩ እዮም ዝብል ግምት ነይሩኒ ትብል።
ሕጂ ግን ከምኡ ኢላ ኣይትሓስብን።
ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት፡ ጠንቂ ዓመጽ ዝፍጽሙ ኣእምሮታት በቲ ኣብ ድራማታት ሓቀኛ ገበን ወይ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ጸብጻባት ክግለጹ ከም ዘይኽእሉ ተረዲኣ።
እቲ ክውንነት ንዝዀነ ሰብ 'እኩይ' ኢልካ ካብ ምጽዋዕ ንላዕሊ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ።
እቲ ‘ተቓላዓይ’ ቀታሊ
ዶ/ር ግዌን፡ ኣብ 1996 ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ሆስፒታል ኣእምሮ ብሮድ ሞር ስልጠና ፍወሳ ስነ-ኣእምሮ ትወስድ ነይራ።
ነዊሕ እንከይጸንሐ፡ ቶኒ ምስ ዝብሃል ሕሙም ተራኺባ።
ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ፤ ንሓደ ካብኣቶም ርእሱ ቈሪጹዎ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ካብ ዝተዋህቦ ፍርዲ ማእሰርቲ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ማሕዩር ጸኒሑ።
ሽዑ፡ ንኻልኦት ሰለስተ እሱራት ብበሊሕ ስባር ብራሽ ስኒ ወጊኡዎም። ድሕሪኡ ነብሱ ክቐትል ፈቲኑ።
መጀመርታ ምስታ ክኢላ ምስ ተራኸቡ፡ ኣብ መንጐኦም ዕላል ዝበሃል ኣይነበረን።
ኣእዳው ኣጣሚሩ፡ ኣዒንቱ ንኣዒንታ ክጥምትኦ ኣይክኣላን ነይረን።
ናብ ላዕሊ ክጥምት እንከሎ፡ ኣዒንቱ ኣዝየን ጸለምቲ ከም ዝዀና ኣስተብሂላ።
ብጭንቀትን ሕልሚ ቀትሪን ይሳቐ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ "እዚ ሰላማዊ'ዩ ኢለ'የ ዝሓስብ ነይረ" ብምባል ነቲ ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ስቕታ ሰበሮ።
"ኣብ'ቲ ኣብ ጐነይ ዘሎ ክፍሊ ለይቲ ለይቲ ዝህውኽ ሰብኣይ ኣሎ" ይብላ።
ብዛዕባ እቲ ዘባህርሮ ሕልሚ ንክዛረብ ኣዋርሕ ወሲዱሉ።
ኣብቲ ዝርእዮ ሕልሚ ድማ፡ ንሓደ ንኣቡኡ መሲሉ ንዝርኣዮ መንእሰይ ክንሓቈ ይርኢ።
ጸኒሑ፡ ብዛዕባ ገበናቱን ስድርኡን፣ ብንእስነቱ ብኣቡኡ ብኸመይ ዓመጽ ከም ዝበጽሖን ካልእ ከውግዕ ጀሚሩ።
እታ ክኢላ፡ ኣብቲ ኣብ ጐኒ ክፍሉ ኰይኑ ዝርብሽ ዝበሎ ሰብኣይ ቶኒ ባዕሉ ከም ዝዀነ ጸኒሑ ክርድኣ ክኢሉ።
ምናልባት ብቃላት ክገልጾ ዘይክእል ነገራት ዝምልከት እዩ ብዓውታ ክገልጾም ዝፍትን ነይሩ።
ገጹ ብኣእዳው ከዲኑ፡ "ኣይፋል... ኣይደልን'የ፤ ድዅም ክኸውን ኣይክእልን" በለ።
ምስ ቶኒ ን18 ኣዋርሕ ሰሪሓ።
ንሱ፡ ዋላ'ውን ዘስዓቦ ዘስካሕክሕ ዕንወት እንተሃለወ፡ ብቕንዕናኡን ርህራሄኡን ንዕኡ ክብሪ ክስምዓ ጀሚሩ።
ሓገዝ ስነ-ኣእምሮ ክረክብ ባዕሉ'ዩ ሓቲቱ። እዚ ድማ ገለ ሸነኹ ክልወጥ ከም ዝደሊ ዘርኢ ኰይኑ ክስምዓ ገይሩ።
እቲ ናይ መጀመርታ ተመኩሮ፡ ታሪዀም ብዘየገድስ– እንተላይ ንብዙሓት ሰባት ዝቐተሉ – ሰባት ብዛዕባ ኣእምሮኦም ክግደሱ ይኽእሉ'ዮም።
እኵያት ሰባትን እኵይ ኣእምሮን
ብርክት ዝበሉ ሰባት ብዙሓት ሰባት ዝቐተሉ ሰባት ክርእዩ እንከለው ብሓፈሻ 'ሳይኮፓት' እዮም - ወይ ዝዀነ ጣዕሳን ተደናጋጽነትን ኣይስምዖምን'ዩ ኢሎም ይድምድሙ።
እታ ክኢላ ግን ብዛዕባ ቶኒ ከምኡ ኣይተሰምዓንን ትብል።
ከምዚ ዓይነት ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎም ሰባት፡ ዝዀነ ከሕስረኒ'ዩ ኢሎም ዝሓስቡዎ ነገር ክገብሩ ስለ ዘይደልዩ ሓገዝ ክሓቱ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ'ዩ።
ቶኒ፡ ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ክረክብ ስለ ዝሓተተ፡ በዚ መዐቀኒታት ክንግምቶ ኣይንኽእልን።
ንሳ፡ ብስራሕ ምኽንያት ብዛዕባ ዘጋጠሙዋ 'ሳይኮፓት' ዝዀኑ ሰባት ብዝተፈለየ ብሩሃት ወይ ማሕበራዊ ዓቕሚ ዘለዎም ከም ዘይኰኑ ትዛረብ።
መብዛሕትኡ ግዜ ርህራሄ ስለ ዝጐድሎም፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ከሕድሩዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ ጽልዋ ክርኣዮም ኣይኽእልን።
ከምኡ'ውን ብኣንጻር'ቲ ልሙድ እምነት፡ ብሓቂ ኣዝዮም ውሑዳት ቀተልቲ እዮም 'ሳይኮፓት' ዝዀኑ-ብፍላይ ድማ ከም ኣሕዋት መነንደዝ ዝኣመሰሉ ዘቤታዊ ቅትለት ዝፍጽሙ ሰባት።
ዛንታ ቶኒ፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነት ዝፍጠር ጸገማት ዓመጻዊ ገበናት ኣብ ምፍጻም ርኡይ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል'ዩ ዘርኢ።
ኣሕዋት መነንደዝ ብኢድ ኣቦኦም ግዳይ ኣካላውን ጾታውን መጥቃዕቲ ከም ዝዀኑ ይምጉቱ።
እዚ መካትዒ ሓሳብ ቅድሚ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ዝፍረዶም ኣብ ቤት ፍርዲ መካትዒ ነጥቢ ኰይኑ ከም ዝቐረበ ይግለጽ።
ብዙሕ ሰብ፡ ኣብ እዋን ቍልዕነቱ ከቢድ ስንባደ [ትራውማ] ከምዘጋጠሞ እዩ ዝግመት። ብመሰረት ገለ መጽናዕትታት ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣዝዮም ውሑዳት'ዮም ገበናዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ።
እዚ ድማ፡ ስለ ምንታይ'ዮም ገለ ሰባት ኣብ እዋን ቍልዕነቶም ንዘጋጠመ ስንባደ ብዓመጽ ዝዋጽኡዎ፡ ካልኦት ድማ ከምኡ ዘይገብሩ? ዝብሉ ሕቶ የልዕል።
ብተወሳኺ፡ እዚኦም "እኵያት" ድዮም? ወይስ ከምቲ ገለ ተሓከምቲ ዶ/ር ግዌን ዝብሉዎ፡ "እከይ ተግበራት ፈጺመ'የ፤ ግን እዚ እኵይ ኣይገብረንን" ዝብሉዎ እኵያት ኣይኰኑን?
ሰባት "ክፉኣት" ኰይኖም ይውለዱ'ዮም ዝብል ሳይንሳዊ መርትዖ የለን።
ዶ/ር ግዌን'ውን ተሞክሮኣ እኵይ ሰብ ዝበሃል ከም ዘየለ- ኣብ ክንድኡ ግን እኵይ ኩነታት ኣእምሮ ከም ዘሎ ኣርእዩዋ'ዩ።
ስለዚ፡ ከም ልሙድ፡ ዝዀነ ሰብ ናብዚ ብተራ ስምዒታት ጽልኢ፡ ቅንኢ፡ ስስዐን ቁጥዐን ዝዕብለል ኵነታት ኣእምሮ ክኣቱ ከም ዝኽእል ተረድእ።
ኣብ ውሽጥና መብዛሕትና ናይ ጭካነ ዓቕሚ ኣለና።
ግን ገለ ሰባት ከቢድ ዓመጽ ክፍጽሙ ዝገብሩዎም ሓደጋታት ፍሉያት እዮም።
እቶም ዝበዝሑ ረቛሒታት ሓደጋ መንእሰይን ወዲ ተባዕታይን ምዃን (ዝለዓለ መጠን ጐነጽን ድፍኢትን ዘለዎም)፤ ብሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ዝሰኸረ ስምዒት ምዃን፡ ታሪኽ ግርጭታትን ምብትታንን ስድራ ቤት ዘለዎም፡ ከምኡ'ውን ታሪኽ ምጥሓስ ገበናዊ ሕጊ ዘለዎም እንተዀይኖም እዮም።
ብሰንኪ ሕማም ኣእምሮ ዝመጽእ ግልፍተኛ ኵነታት ኣእምሮ [paranoid] ምህላው እውን ሓደጋ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ግን ዝያዳ ሳሕቲ ዝኽሰር እዩ።
እቲ ኣገዳሲ ረቛሒ ቅትለት ግን፡ ምስቲ ግዳይ ዝህልወካ ርክብ'ዩ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ዘለካ ዝምድና ዘጋጥም ጐንጺ እንተነይሩ ነቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ሳዕቤን እጃም ክህልዎ ይኽእል።
ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ብደቂ ተባዕትዮ መጻምድተን ወይ ኣባላት ስድራቤተን ከም ዝቕተላ ይፍለጥ።
መብዛሕትኦም ህጻናት ድማ ብወለዶም ወይ ብሰብኣይ ኣዲኦም ይቕተሉ።
ኣብ ልዕሊ ጓኖት ዘጋጥም ቅትለት ሳሕቲ ዝረአ ኰይኑ፡ እዚኦም ድማ ገበነኛታት ብኸቢድ ናይ ኣእምሮ ሕማም ዝተጠቕዑ ምስ ዝዀኑ ዝኽሰቱ'ዮም።
ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ጋንታ ኢንግሊዝ ክትስዓር እንከላ ዘቤታዊ ግህሰት ብ38% ከም ዝዓቢ ዩኒቨርሲቲ ላንካስተር ዘካየዶ መጽናዕቲ የመልክት።
እቲ ጽቡቕ ዜና ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ካልእ ቦታታትን መጠን ቅትለት የንቈልቍል ከም ዘሎን እዚ ድማ ብዓቢኡ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ገለ ካብዞም ረቛሒታት ዝመጽእ ለውጥን እዩ።
"ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝረአ ዘሎ ምንቁልቋል መጠን ቅትለት - እዚ ኣብ ኣሜሪካ፡ ስጳኛ፡ ኢጣልያን ጀርመንን'ውን ተራእዩ'ዩ። እዚ ብኸፊል ብሰንኪ ለውጢ ኣነባብራ (ከም ምንካይ መስተን ምውሳድ ካናቢስን) ዘምጽኦ እዩ" ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ስነ-ገበን ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፕሮፌሰር ማኑኤል ኣይስነር።
"[ብተወሳኺ] ብኸፊል ጽልዋ ናይ ከም ሞባይልን ሲሲቲቪ ካሜራን ዝኣመሰሉ ቴክኖሎጂታት፡ ኣብ ሓደጋ ኩነታት ምክትታልን ሓገዝ ንምርካብ ዕድላት ወሲዀም'ዮም"።
ብተወሳኺ፡ እቲ ምንቁልቋል፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዋልድን ህጻናትን ዝፍጸም ዓመጽ ይንኪ ምህላው ሰፊሕ ለውጢ ከም ዝመጽእ ገይሩ'ዩ።