'ድሮ ክልተ ደቀይ ቀቲሎም፡ ንሳልሳይከ ይቐትልዎ'ዶ ይዀኑ?'

ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ካብ ሆስፒታል ናብ ሆስፒታል ንምግዓዝ ኣብ ዝነበረ ምትላል ዝተሓወሶ ውሳነ ሓካይም ብውሕዱ ሞት ዓሰርተ ናጽላታት ኣስዒቡ።

ብስንኪ'ዚ ኣብታ ሃገር ስንባደን ቍጥዐን ፈጢሩ’ሎ። እቶም ኣብዚ ዝተሳተፉ ሰብ ሞያ ካብ ስራሕ ክእለዩን ተወሳኺ መርመራ ክካየድን ድማ ጻውዒት ቀሪቡ።

ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዕንደራታት ጥዕና እታ ሃገር፡ ሓካይም፡ ነርስታትን መራሕቲ ኣምቡላንስን፡ ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት ናብ ናይ 19 ናይ ብሕቲ ሆስፒታላት ንምስግጋር ናይ ሓሶት መርመራታት ብምክያድ ንነዊሕ እዋን ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ክጸንሑ ብምግባር ይኽሰሱ።

ኣብ ሕዳር 2016 በዓልቲ ቤት ቶልጋ ኦይማክ ኑክሄት ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሳልሳይ ዕሸላት ወሊዳ።

እቶም ዕሸላት ካብ ግዜኦም ኣቐዲሞም ዝተወልዱ ኰይኖም፡ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ናይቲ ሆስፒታል ኣብቲ እዋን’ቲ ንምትእንጋድ ዝሕግዙ ሰለስተ መሕረሲታት ኣይነበሮን።

ስለዝዀነ እቶም ስድራቤት ካልእ ሆስፒታል ረኺቦም እቶም ዕሸላት ብቕልጡፍ ክሰጋገሩ ነይርዎም።

ቶልጋ ንቢቢሲ ኒውስ ቱርኪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ሓደ ካብቶም ዕሸላትና ሞይቱ” ኢሉ።

እቲ ሞት ብሰንኪ ጸገም ስርዓተ ምስትንፋስን ኣብ ትሕቲ 90 መዓልታት ዝዕድመኦም ዕሸላት ዝኽሰት ረኽሲ ‘ኒዮናታል ሴፕሲስን’ ምዃኑ ድማ ተነጊርዎ።

“ክልተ ዕሸላት ተሪፎምና ነይሮም። እቶም ሓካይም ክልቲኦም ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ከምዘለዉ ብቐጻሊ ይነግሩና ነይሮም” ይብል።

ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ግን ሓደ ሓኪም ደዊሉ ሓደ ካብቶም ዕሸላት እውን ብሰንኪ ተመሳሳሊ ኵነታት ስርዓተ ምስትንፋስ ጽቡቕ ከምዘየለ ብምሕባር ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል ክመጽእ ከምዝሓተቶ ተዛሪቡ።

“ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ክንኣቱ ኣይከኣልናን፡ እንተዀነ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ውላድና ብመስኮት ከምዝሞተ ተዓዚብና። ‘ክልተ ዕሸላተይ ቀቲልኩም፡ ነቲ ሳልሳይ’ከ ክትቀትልዎ ዲኹም?’ ምስበልኩዎም ህድእ ክብል ነጊሮምኒ” ኢሉ።

ምትላል ማሕበራዊ ድሕነት

ብመሰረት እቲ ኣስታት 1400 ገጻት ዝሓዘ ክሲ፡ እቶም ናብ ሓንቲ ካብተን 19 ሆስፒታላት ዝውሰዱ ዕሸላት፡ ሓደ ሓደ ግዜ ዘየድሊ ሕክምና ይረኽቡ ነይሮም። ምኽንያቱ ስርዓተ ማሕበራዊ ድሕነት እታ ሃገር ንምትላል ከምዝዀነ’ዩ ዝገልጽ።

እቲ ብማዕከናት ዜና ቱርኪ ‘ሸፋቱ ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት’ ተባሂሎም ዝጽውዑ መርበብ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጽኑዕ ክንክን ዝጸንሕ ህጻን ኣብ መዓልቲ 231 ዶላር ይረኽቡ።

ብውሕዱ 10 ዕሸላት ብሰንኪ ሸለልትነት ወይ ጕድለት ኣሰራርሓ ኣብ ኢድ እቲ መርበብ ጥዕና ከምዝሞቱ ይግለጽ።

ምስቲ ጉዳይ ብዝተዛመደ ኣብዚ ሰሙን ጉዳይ ኣርብዓን ሸውዓተን ሰባት ኣብ ቤት ፍርዲ ይርአ ኣሎ፤ ካብኣቶም እቶም 22 ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።

ተኸሰስቲ ዝዀነ በደል ከምዘይተፈጸመ ብምኽሓድ ነቲ ዘኽሰሶም ውሳነታት ንጽቡቕ ሓሲቦም ከምዝዀነ እዮም ዝካትዑ።

ቀንዲ ተኸሳሲ ዶክተር ፍራት ሳሪ፡ ገበን ንምፍጻም፡ ንህዝባዊ ትካላት ብምትላል፡ ብሸለልትነት ሰባት ንምቕታል ዝዓለመ ትካል ብምቛም ተኸሲሱ ክሳብ 583 ዓመት ማእሰርቲ ይጽበዮ ኣሎ።

ዶክተር ሳሪ ግን እቶም ዕሸላት ግፍዒ ተፈጺምዎም ዝብል ክሲ ነጺግዎ። ንሱ ንኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኵሉ ነገር ብመሰረት ሕጊ እዩ ተፈጺሙ" ኢሉ።

ፍቓድ ንግዲ ተሰሪዙ

ሓደ ካብቶም ዝተኣስሩ ነርስታት ዝዀነት ዶጉካን ታሽቺ፡ ካብ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ድሕነት ገንዘብ ንምምንዛዕ፡ ካብ መሸጣ መድሃኒት ጀሚሩ ክሳዕ ገለ ዘይስሩዕ ተግባራት ከምዝተፈጸመ ኣሚና።

ንሳ ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበትሉ ግዜ “ክፍልታት ጽኑዕ ሕክምና ኣብ ዝመልኣሉ ዝያዳ ገንዘብ ንረክብ ነይርና" ኢላ።

እቲ ጉዳይ፡ ፖሊስ ኣብ መጋቢት 2023 ስሙ ዘይተገልጸ ሓበሬታ ስዒቡ መርመራ ድሕሪ ምጅማሩ'ዩ ተኸፊቱ።

ካብተን 19 ሆስፒታላት፡ ብሚኒስተር ጥዕና ቱርኪ ነበር እትውነን ሆስፒታል እትርከበን ዓሰርተ ሆስፒታላት እታ ሃገር ብሰንኪ እቲ መርመራ ፍቓደን ተሰሪዙ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 350 ስድራቤታት ብዛዕባ ሞት ዝፈትውዎም ሰባት መርመራ ክካየድ ከምዝጠለቡ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሓቢረን።

ሚኒስተር ጥዕና ካብ ስልጣኑ ክለቅቕን ኵለን ኣብቲ ምትላል ተሳቲፈን ዝበሃላ ሆስፒታላት ብሕቲ ድማ መንግስቲ ክወርሰን ጻውዒታት ቀሪቡ’ሎ።

ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ተሓተትቲ ናይቲ ሞት ዝዀኑ ሰባት ከቢድ መቕጻዕቲ ከምዝወሃቦም እኳ እንተገለጸ፡ ኵሉ ወቐሳ ናብ ልዕሊ ስርዓተ ክንክን ጥዕና እታ ሃገር ምድርባይ ግን ልክዕ ከምዘይኮነ ኣጠንቂቑ።

‘ኣብ ሲኦል ምንባር’

እቲ ብዛዕባ ሞት ዕሸላት ዝፍጸም ዕንደራ ካብ ዝቕልቀል ንደሓር፡ ግዳይ እቲ ዝተባህለ ምትላል ዝዀኑ ስድራቤታት ካልእ ኣእምሮኣዊ ቃንዛ ይሓልፉ ኣለዉ።

ቶልጋ፡ "ንመጀመርታ ግዜ ዜና ብዛዕባ እቲ ምትላል ከንብብ ከለኹ፡ ንበዓልቲ ቤተይ ክዛረባ ኣይከኣልኩን" ኢሉ።

"ስም እቲ ሆስፒታል [ደቅና ህይወቶም ዝሰኣኑሉ] ኣብ ኣርእስታት ዜና ክርኢ እንከለኹ ደመይ’ዩ ዝፈልሕ" ክብል ንቢቢሲ ቱርኪ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ “ሽዑ ዝነበረና ፍርሒ ምኽኑይ ድዩ ነይሩ ክፈልጥ እደሊ። ደቅና ተቐቲሎም ድዮም ኣይተቐተሉን ክፈልጥ እደሊ” ኢሉ።

እቲ እንኮ ዝተረፈ ውላድ ቶልጋ ሕጂ ወዲ ሸሞንተ ዓመት’ዩ። ንሱን በዓልቲ ቤቱን ካልእ ቈልዓ ክወልዱ ሓሲቦሞ ኣይፈልጡን።

“ኣመና ተጐዲእና ኢና፤ በዓልቲ ቤተይ ሞት ክልተ ደቅና ፈጺማ ስለዘይትቕበሎ ኣብ ሲኦል ከይንነብር ንፈርሕ ኣለና” ኢሉ።