ባህላዊ መድሃኒት ፕረዚደንት ማዳጋስካር፡ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ደው ከብል ኣይከኣለን

ፕረዚደንት ማዳጋስካር ኣንድሬ ራጆሊና ከፋልጦ ዝጸንሐ መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ንለበዳ እቲ ቫይረስ ደው ከብሎ ከምዘይከኣለን ሆስፒታላት በቲ ቫይረስ ብዝተለኸፉ ሰባት ኣዕለቅሊቐን ከምዘለዋን ተገሊጹ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ፈዋስነቶም ዘይተረጋገጹ መድሓኒታት ኣብ ረብሓ ከይውዕሉ እኳ እንተኣጠንቀቐ፡ ፕረዚደንት ማዳጋስካር ግን ንኮሮናቫይረስ ይፍውስ እዩ ዝበሎ ባህላዊ ፈሳሲ ከፋልጥ ጸኒሑ እዩ።

ኣብታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝወሰኸላ ኣብ ውቅያኖስ ህንዲ እትርከብ ደሴት፡ ቁጽሪ መልከፍቲ 13 ሽሕ ዝበጸሐ ኮይኑ፡ 162 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ፡፡

እቲ ቫይረስ፡ ካብ 22 ግዝኣታት እታ ሃገር ኣብተን 21 ዝተረኸበ ኮይኑ ፕረዚደንት ኣንድሬ ራጆሊና ግን ሐዚ እውን እቲ መድሓኒት ፈዋሲ ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጽ፡፡

እቲ ካብ ኣርተሚስያ ዝተብሃለ መድሓኒት ዓሶ ንምሕስራሕ ዝሕግዝ ተኽልን ካልኦት ቆጽላ መጽልን ዝተሰርሐ ፈሳሲ፡ መከላኸልን መድሓኒትን ኮሮናቫይረስ ተባሂሉ ኣብ ዕዳጋ ውዒሉ እዩ፡፡

ብተወሳኺ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንቖልዑት እናተውሃበ ጸኒሑ እዩ፡፡

ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ፡ ኣብ ዋና ከተማ እታ ሃር ኣንታናናሪቦ እቲ መድሓኒት ሓዊሱ፡ ሓገዝ ሩዝ፣ ዘይትን ሽኮርን ንድኻታትበ ሓገዝ ክገብር ዝተርኣየ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ እዋን ዕጽዋ ሰባት ኣኪቡ ዝብል ነቐፌታ ይቐርበሉ ነይሩ።

ንሱ ግን እቲ ለበዳ ዘብቅዕ ዓይነት ከም ዘይኮነ ብምግላጽ፡ እቲ መድሓኒት ብነጻ ይወሃቦም ኣብ ዘሎ ከባቢታት እታ ዋና ከተማ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ውሑድ ከም ዝኾነ ሓቢሩ፡፡

እቲ ዛጊድ ክሊኒካዊ ፈተነታት ዘይተገበረሉ መድሓኒት፡ ናብ ብዙሓት ሃገራ ኣፍሪቃ ብነጻ ተላኢኹ እዩ፤ ብብዙሓት ኣፍሪቃውያን ድማ ከም ምንጪ ኩርዓት ተገይሩ ይውሰድ ኣሎ።

ኣብ ባህላዊ መድሓኒታት መሰረት ዝገበሩ ምህዞታት ከምዘበረታትዕ ዝገልጽ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን፡ ኣብ ጥቕሚ ቅድሚ ምውዓሎም ፈዋስነቶም ብሳይንሳዊ መገዲ ክረገገጽ እዩ ዝደሊ፡፡

ወሃቢ ቃል እቲ ፕረዚደንት ዝኾነ ሪናህ ራኮቶማንጋ "ዝኾነ ጽኑዕ ሕማም ዘይብሎም ነቲ መድሓኒት ዝወሰዱ መብዛሕተኦም ሰባት ሓውዮም እዮም። እዚ መድሓኒት ስለ ዘለና ድማ ኣዚና ንኾርዕ፤ ከምዚኦም ዝበሉ መድሓኒታት ምጥቃም ባህልና እዩ። ክሳብ ዝሰረሐልና ድማ ክሊኒካዊ ፈተነታት ኣድልየናን" ብምባል ነቶም ዝቐርቡ ነቐፌታታት ይነጽጎም።

ኮይኑ ግና ካብ ባህርያት እቲ ሕማም ዝብገስ፡ ሕዱር ሕማም ዘለዎም እንተዘይኮይኑ መብዛሕተኦም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ድሕሪ ናይ ቁሩብ እዋን ዕረፍት እዮም ዝሓውዩ፡፡

ዋላ'ኳ እቲ ፕረዚደንት እወንታዊ ዝኾነ ተስፋታት እንተሓዘ፡ ኣብታ ሃር ግን መዓልታዊ እዩ ሞት ዝምዝገብ ዘሎ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሆስፒታል ብብዝሒ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ተጨናኒቐን ዝርኣየ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ኣሕማድ ኣሕማድ፡ ዓለም ለኻዊ ሓገዝ መሳርሒታት ጥዕና ሓቲቱ እዩ።

እዚ ድማ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ኣገሲጹዎ።

እቲ ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ ተጨናኒቑ ዘሎ ማእከል ሕክምና ኣንዶሃታፔናካ ዩኒቨርሲቲ ኣንታናናሪቮ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ጥራይ እዩ ዝቕበል ዘሎ።

መብዛሕትኦም ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምክልኻል ዝተዋፈሩ ሰብ ሞያ ጥዕና ድማ ነቲ ቫይረስ ዝተቓልዑ ከም ዝኾኑ ይገልጹ።

ኣብ ሆስፒታል ጆሴፍ ራቮዋሃንግሪ ተለማማዲ ዝኾነ ወዲ 27 ዓመት ሲትራካ "ነቲ ቫይረስ ተቓሊዕና ኢና ጸኒሕና" ይብል፡፡

ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብዙሓት ሰብሞያ ጥዕና በቲ ቫይረስ ተለኺፎም እዮም፡፡

ሕጽረት መከላኸሊ መሳርሒታ ከም ዝነበሮም ዝገልጽ ሲትራካ፡ ሓደ ናይ ውልቀ ትካል ብዝገበሮ ሓገዝ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ጓንትን ከም ዝተፈተሐ ገሊጹ፡፡

ብተወሳኺ ከም ጀሪሶ ራሊቤራ ዝበሉ ሓለፍቲ ማሕበራት ጥዕና ብወገኖም፡ ብዙሓት ሰብሞይ ጥዕና በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ብምግላጽ መንግስቲ ዝገብሮም ዘለዉ ሓገዛት ውሑዳትን ዝዘንግዑን እዮም ይብሉ፡፡

ኣብ ከባቢ ዋና ከተማ እታ ሃገር ተነቢሩ ዝጸንሐ ናይ ሓሙሽተ ሰሙናት ዕጽዋ ድማ ብምኽንያት ቁጠባዊ ጉዳያት ክለዓል ከምዝተገበረ ፕረዚደንት ማዳጋስካር ገሊጹ ኣሎ፡፡