ሕቶ ተበጻሕነት ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ዝማዕበላን ድኻን ሃገራት የቀያይም'ዶ ይኸውን?

ዶክተር ካቲ ብሮድሪክ፡ ሓንቲ ካብ ሞንጎ እቶም ክታበት ኮሮከናቫይረስ ንምርካብ ታሕትን ላዕልን ዝብሉ ዘለዉ ሊቃውንቲ ዓለም እያ። ዛጊድ ኣብቲ ዓውዲ፡ 44 ዝኾኑ መደባት ይፍተኑ ኣለዉ።

ንሳ፡ ኣብ ሕቡራት ኣመሪካ ዝርከብ ኢኖቭዮ እናተብሃለ ኣብ ዝጽዋዕ ካምፓኒ እያ ትሰርሕ። እቲ ካምፓኒ፡ ኣብ መጻኢ ባሕቲ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓደ ሚልዮን ኣፋውስ ከፍሪ ይቀላጠፍ ኣሎ።

እንተኾነ፡ እቲ መድሓኒት ንመን እዩ ክዕደል? መን ረኺቡ መን ይተርፍ? ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ሓንጎል እዛ ስኮትላንዳዊት ሊቅ ቀጻሊ ዝመላለስ እዩ።

ኣብ እንግሊዝ ሃገራዊ ግልጋሎት ጥዕና ትሰርሕ ውፍይቲ ሓፍቲ ኣላታ።

"እታ ሓፍተይ፡ ሰባት ካብዚ ሕማም ክትፍውስ ድቃስ ስኢና ትሓድር ኣላ። ኣብ ብኣግኡ፡ ብዛዕባ ምክፍፋል እቲ መድሓኒት ዝምልከት እንትሓስብ፡ የጨንቐኒ እዩ" ትብል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት።

"እንተኸነ፡ እዚ መድሓኒት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ረብሓ ክውዕል ክንርኢ ኢና ንምነ" ክትብል ተስፍኣ ትገልጽ።

ምጭዋይ ክታበት- ክንድዚ ዘስግእ ድዩ?

እቲ ዘተሓሳሰብ ግን፡ ምዕቡላት ሃገራት ከምዚ ዓይነት መድሓኒት ኣብ ምብጻሕ እንተሰስዓኸ?- እንተሓብኦኸ? ዝብል እዩ።

ዋና ሓላፊ ፡ ቫክሲን ኣሊያንስ (GaVi) ሴት በርክለይ፡ ካብ መንጎ እዞም እቲ ነገር ብኣግኡ ዘተሓሳስቦም ሰብ ሞያ እዩ።

እቲ ንሱ ብላዕላዋይነት ዝመርሖ ትካል፡ ኣብ 73 ድኻ ሃገራት'ዩ ዝንቀሳቐስ።

ሓደ ቀንዲ ኣባሉ ድማ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም እዩ።

"ዋላ ሕዚ እቲ ክትባት ኣብ ኢድና ኣይእቶ 'ምበር፡ካብ ብሕዚኡ ዝርርብ ክጅመር ኣለዎ" ኢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ።

እቲ ዓብዪ ፈተኒ ነገር፡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራትን ድኻ ዓድታትን ዝርከቡ እዚ ክትባት ዘድልዮም ሰባት ብፍትሓውነት'ዶ ይረኽቡ ይኾኑ? ዝብል ሕቶ እዩ።

"ምስ ከምዚ ብበዝሒ ዘይፈሪ ዝኾነ ዓይነት ሸቐጥ ሓቢሩ ዝመጽእ ሕማቕ ባህሪ ሰባት ኣሎ። እቲ ቅኑዕ ኢና ክንገብር ዘለና" ክብል ይቕጽል በርክለይ።

እቲ ስክፋት እዚ በዓል ሞያ፡ ካብ ባዶ ዝነቐለ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፉ እዋናት፡ ተመሳሳሊ ክታበታት ኣብ ዝጅመረሉ እዋን ብጭቡጥ ከምኡ ኣጓኒፉ ነይሩ።

ኣብ ቀረባ እንተኾነ'ውን፡ ኪዩርቫክ (CureVac )ዝተብሃለ ሓደ ናይ ጀርመን ባዮቴክኖጂ ኩባንያ ዘፍረዮ ክታበት፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኣመሪካውያን ጥራሕ ከውዕሎ ከምዝፈተነ፡ ይዝረብ።

ብዛዕብኡ፡ ሓደ ዓብዪ ጋዜጣ እታ ሃገር ንላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ጀርመን ጠቒሱ ጽሒፉ ኣሎ።

ሕማም ሄፐታተስ - ''

ሓደ ጽቡቕ ኣብነት፡ ምስ ሕማም ሄፓታተስ ተኣሳሲሩ ዝለዓል እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝበሎ፡ እዚ ናይ ከብዲ መንሽሮ፡ ካብ ኤች ኣይቪ ኤድስ 50 ግዜ ተዓጻጺፉ ዝላባዕ ሕማም እዩ።

ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 257 ሚልዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ነይሮም።

ነቲ ሕማም ክትጻወር ዘኽእል ክታበት ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ኣብ 1982 እዩ ተማሂዙ።

እንተኾነ፡ ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ ነቲ ክታበት ዝረኸባ ድኻ ሃገራት 10 ሚኢታዊ ጥራሕ እየን ነይረን።

ብርግጽ ድሒሩ፡ ቢል ጌትስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ዝውንኑዎ ትካል ዘጣየሽዎ፡ መደብ ጋቪ፡ ምስ መንግስታትን ናይ ኣፋውስ ትካላን ዝተገብረ ስምምዕ ስዒቡ፡ እቲ ክፍተት ምጽባብ ተኻኢሉ።

ካሊእ ተመሳሳሊ ዕላማ ሒዙ ኣብ 2017 ዝተልዓለ ሴፒ ዝበሃል ተቐማጥነቱ ኣብ ኖርዎይ ዝኾነ ትካል ድማ ተወሳኺ ገንዘብ ኣብ ምርካብ ሓጊዙ እዩ።

ሴፒ ኣብ ዓለም ፍትሓዊ ምቕቅል ክታበትን ኣፋውስን ክረጋገጽ ዝሰርሕ ትካል እዩ።

ኣብዚ እዋን፡ ኮሮናቫይረስ ከምዘረጋገጸልና፡ ተላበድቲ ሕማማት ዶባት ፖለቲካ ዝዓግቶም ኣይኮኑን-ይብል።

ስለዝኾነ ድማ፡ ፍትሓዊ ዝርገሐ ክታበትን ኣፋውስን ኣብ ዓለም ከየረጋገጽካ፡ ነዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ዓለማዊ ሓደጋታት ምቁጽጻር ከምዘይከኣል እዩ ዝኣመምን።

ክልተ ብርክታት ተበጻሕነት

ብጭቡጥ፡ ኣብዚ ዓውዲ ክልተ ብርክታት ተበጻሕነት እዩ ዘሎ።

ሁማን ፓፒሎን ቫይረስ [HPV] ዝበሃል፡ ሕማም ኣፍደገ ማህጸን ንምፍዋስ ኣብ 2007 ዝተምሃዘ ጋርዳሲል ዝተብሃለ ክታበት፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ብ2014 እዩ ተወሲኑ።

እንተኾነ፡ እቲ ክታበት ኣብ 13 ድኻ ሃገራት ኣብ 2019 ጥራሕ እዩ ክበጽሕ ክኢሉ።

እዚ ኩሉ ዝኸውን ዘሎ ግን፡ እቲ ሕማም 85 ሚኢታዊ ቀታሊ ምዃኑ እናተፈለጠ እዩ። እዚ ሕጽረት ንምርዳእ ሰንሰለት እቲ ኣሰራርሐ ምፍታሽ የድሊ።

ክታበት ምርካብ፡ ከም ባኒ ቀቢእኻ ምብላዕ ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ኢንዱስትሪ ፈርማሲ ዓለም፡ ሕልኽልኽ ዝበለ እዩ።

ኣብ 2018 እንተወሲድና፡ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ብሰንኩ ብሓፈሻ 1.2 ትሪልዮን ዶላር ገንዘብ ዝተንቀሳቐሰ እንትኸውን፡ ኣብ ረብሓ ዝወዓለ ፈውሲ ግን ናይ 40 ቢልዮን ዶላር ዋጋ ጥራሕ ከምዝኾነ ይግለጽ።

እዚ እቲ ኢንዱስትሪ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ክታበት ምምዕባል እንታይ ዝኣክል ቀሊል ዘይምዃኑ እዩ ዘርኢ።

ብሓጺሩ፡ ክታበት ክተማዕብል ወጻኢኡ ብዙሕ ኾይኑ፡ ክንድ'ቲ ዝድለ ድማ ዘኽስብ ኣይኮነን።

ንኣብነት ኣብ ኣመሪካ እንተወሲድና፡ ኣብ 1967 ዓ.ም.ፈ ክታበት ዘማዕብሉ ትካላት 26 ዝነበሩ እንትኸውን፡ ኣብ 2004 እዚ ቁጽሪ ናብ ሓሙሽተ ጎዲሉ።

መብዛሕተአን ኩባንያታት፡ ክታበት ካብ ምፍራይ ናብ ሕክምና ምሃብ እናተቐየራ እየን መጺአን።

እንተኾነ ኩነታት እናተቐየሩ እዮም። ዕድመ ንእኒ ቢልጌትስ፡ ብዙሕ ቢልዮን ዶላራት እዮም ሓገዝ ኣወፍዮም።

ሕዚ ድማ፡ እቲ ዝነበረ ሰፊሕ ክፍተት ክጸብብ ክኢሉ ኣሎ።

ነጻ ዕዳጋ ክታበት ኮቪድ-19

ሕብረት ኢንዱስትሪ ፈርማሲታት እንግሊዝ፡ ሓደ ሓድሽ ክታበት ምምዕባል ክሳብ 1.8 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝሓትት ይግምት።

"ነጻ ዕዳጋ 'ባዕሉ ዝገበረ ይግበሮ' እንተኢልና፡ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ዝረኽቡ ሰባት ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዘለዉ ጥራሕ እዮም ክኾኑ" ይብል ኣብ ማእኸል ትምህርቲ ሕክምና ለንደን ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ማርኪ ጂት፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት።

እቲ ፕሮፌሰር ወሲኹ ድማ፡ " እቲ ሽግር፤ ኣብ ሕሉፍ ሪእናዮ ኢና። ሎሚ ኩነታት እንተተደጊሙ ግን፡ ብዙሕ ዘሕዝን ኩነታት ኢና ክንርኢ" ኢሉ።

እቲ ዓውዲ፡ 80 ሚኢታዊ ዕዳጋ ዓለም ካብ ክልተ ዘይበዝሑ ኩባንያታት ከምዝበሓትዎ ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ።

ከምኡ ስለዝኾነ፡ ተንታኒት ኣፋውስ ኣብ ዘ ኢኮኖሚስት፡ ኣና ኒኮላስ፡ "እዞም ዓበይቲ ኩባንያታት ፋርማሲ ዋላ ኣመንጨውቲ እቲ ሓሳብ ኣይኾኑ፡ ኣብ መወዳእታ ዕዳጋ ክታበት ጸረ-ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢዶም እዩ" ትብል፡

ኣብ መወዳእታ

ንኣብነት ኢኖቪዮ [Inovio] ዝጀመሮ ጸረ ኮሮናቫይረስ ክታበት እንተተሳኺዕሉ፡ ምስ ዓበይቲ ኩባንያታት ዓለም ክመሓዘ እዩ ዘለዎ።

ኣብ እንግሊዝ ዝርከብ እቲ ዝዓበየ ኩባንያ ኣፋውስ GlaxoSmithKline (GSK) ድማ፡ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ንምምዕባል እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።

ዛጊድ ዓበይቲ ትካላት እቲ ዓውዲ፡ ዓለማዊ ፍትሓዊ ተበጻሕነት ንምፍጣር ሓገዝ ክገብሩ መጽበዓ ኣትዮም እዮም።

ሰብ-ሞያ፡ ናይዚ ሕማም ብባህሪ ተነጻጺልካ እትቃለሶ ኣይኮነን እዮም ዝብሉ፤ ሓቢርካ እንተሰሪሕኻ ጥራሕ እዩ ክጠፍእ ዝኽእል።

ሴት ባርክሌይ፡ ገንዘብ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ፡ ወዲ ሰብ ብሓፈሻ ካብዚ ሕማም ነጻ ምውጻእ እንተዘይተኻኢሉ፡ እቲ ሕማም ኣብ ሓደ ቦታ ጠጠው ኣይብልን -በሃላይ እዩ።