እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
በቲ ሓድሽ መድሓኒት ዝሓወየት ተሓካሚት ኮቪድ-19
ቢቢሲ ዘዘራራባ ተሓካሚት ኮቪድ-19 ኣብዚ እዋን ካብቲ ሕማም ሓውያ'ላ።
ንሳ ኣብ መስርሕ ፈተነ ሓድሽ መድሓኒት ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተሳተፉ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ሓንቲ'ያ።
ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘላ ብምግላጽ ነቲ መድሓኒት እንተዘይትወስዶ 'ምሞትኩ ነይረ' ትብል።
እቲ መድሓኒት ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኸበ ዴክሳሜታዞን ዝበሃል ኮይኑ፡ ህይወት ዘድሕን ፈላሚ መድሓኒት ከምዝኾነ ተገሊጹ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነዚ ህይወት ብጽኑዕ ዝሓመሙ ሰባት ከትርፍ ከምዝኽእል ብፈተነ ዝተረጋገጸሉ መድሓኒት ብዝምልከት ኣብ ክሊኒካዊ መምርሕታቱ ምትዕርራይ ከምዝገብር ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ውድብ ነዚ ክብል ከሎ፡ ንዶኳትርን ካልኦት ሰብሞያ ጥዕናን ብዛዕባ እቲ ዝተረኸበ መድሓኒት እኹል መረዳእታ ክህልዎም ምግባር ማለት'ዩ።
እቲ መድሓኒት ብብዝሕን ብዝሓሰረ ዋጋን ክርከብ ከምዝኽእል'ዩ ዝግለጽ።
ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ድማ ፈላሚ ዝኾነ ዕውት ውጽኢት ከምዝኾነ ተመራመርቲ ብሪጣንያ ሓቢሮም።
"እዚ መድሓኒት ብፍላይ ነቶም ኦክስጂንን ሓገዝ ቬንትሌተርን ዘድልዮም ሕሙማት ኮቪድ-19 ዘጋጥሞም ሞት ከምዝንክይ ውጽኢት ዝተርኣየሉ መድሓኒት'ዩ" ኢሉ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም።
እቲ ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ ዝተረኸቡ ውጽኢታት ገና ኣብ መጀመርያ ደረጃ ዝርከቡ'ኳ እንተኾኑ፡ ዴክሳሜታዞን ግን ነቶም ቬንትሌተር ዝርከቡ ሕሙማት ብሰለስተ ዕጽፊ፤ ኦክስጅን ንዝጥቀሙ ድማ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ካብ ሞት ከምዘድሕኖም ተረጋጊጹ'ሎ።
ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እዚ መድሓኒት ኣብ ብሪጣንያ ምሃብ ተጀሚሩ እንተዝኸውን ነይሩ ድማ ብውሕድ ክሳብ 5,000 ህይወት ከድሕን ይኽእል ምንባሩ ተገሊጹ።