እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩኒቨርሲቲ ኦክስፈርድ ዝሰርሖ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ኬንያ ክፍተን እዩ
ትካል ምርምር ኬንያ፡ ኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝመሃዞ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ከተማ ኪሊፍ ከም ዝዝፍትን ኣፈሊጡ።
ከምሪ ዌልካም ትረስት ዝተብሃለ እዚ ትካል፡ እቲ ፈተነ ክታበት ንምክያድ 400 ወለንተኛ ሰብ ሞያ ጥዕና ይደሊ።
ናይቲ ምርምር ዓለማ፡ 'ሓደ ክታበት ንኹሉ' ዝብል እዩ።
ኣብ መላእ ዓለም፡ ተመራመርቲ፡ ክታበት ኮቪድ 19 ንምርካብ ምርምር እናካየዱ እዮም ዝርከቡ።
ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ፡ "ChAdOx1 nCoV-19" ዝተብሃለ ክታበት ሰሪሑ ኣብ ዩናይትድ ኪንግዶም ኣብ ልዕሊ 1 ሽሕ ወለንተኛታት ፈቲኑ እዩ።
ሕዚ ድማ ትካል ምርምር ኬንያ፡ ናይዚ ክታበት ሓቃዊነቱ ንምርግጋጽ ምስኡ ሓቢሩ ክሰርሕ ተስማሚዑ ኣሎ።
እቶም 400 ፈቓደኛ ሰባት፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 18 ኮይኑ ኣብ ከተማ ኪሊፍ ሰብ ሞያ ሕክምን ኾይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ክኾኑ ኣለዎም ተባሂሉ።
ኮሮናቫይረስ ዛጊድ መድሓኒት እንተዘይተረኸቦ'ኳ፡ ክታበት እንተተረኺብዎ ናይቲ ሕማመ ዝርገሐ ደው ንምባል ወሳኒ ከምዝኽውን ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ ኣሎ።
ሰባት በቲ ሕማም ከይጥቅዑ ሕማም ናይ ምክልኻል ተፈጥሮኣዊ ዓቕሞም ሓፍ ምባል ድማ ካሊእ ኣማራጺ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ኣፍሪቃ ዛጊድ ምርምር ክታበት እቲ ቫይረስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጥራሕ እዩ ክካየድ ጸኒሑ።
እንተኾነ፡ ሕዚ'ውን ናይዚ ክታበት ፈተነ ዛዕባ ዘካትዕ እዩ።
ኣብዚ ናይ ፈተነ ነገር፡ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተንጸባሪቑ ብዝብል ከዘራርብ ቀንዩ እዩ።