ታንዛንያ፡ 'ባህላዊ ፈውሲ' ኮሮናቫይረስ ክትዕድግ ምዃና ኣፍሊጣ

ፕረዝደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ ማዳጋስካር ረኺበዮ ንዝበለቶ "ባህላዊ መድሓኒት ኮሮናቫይረስ" ዓዲጉ ናብ ሃገሩ ከምዘእቱ ገሊፁ።

ዋላ 'ኳ ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ መድሓኒት ከምዝፍውስ መረጋገፂ የለን እንተበለ፡ ማጉፉሊ ግና ነዚ ዕሽሽ ብምባል፡ ነቲ መድሓኒት ንምግዓዝ ነፋሪት ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምስ መንግስቲ ማዳጋስካር ተዘራሪቡ ከምዝወደአ ድማ ሓቢሩ።

እንተኾነ እዚ ካብ ቆጽሊ ዝተረኸበ ባህላዊ መድሃኒት ክዕድግ ዝወሰነ ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን።

ፕረዝደንት ኮንጎ ብራዛቪል እውን፡ ነቲ ማዳጋስካር ብፈሳሲ መልክዕ ዝሰርሐቶ ባህላዊ መድሃኒት ናብ ሃገሩ ከእቱ ከምዝደልይ ገሊፁ ኣሎ።

ኢኳቶርያል ጊኒ ድማ፤ እቲ መድሃኒት ከምዝወሰደት ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እዚ ባህላዊ ፈውሲ፡ መድሃኒት ዓሶ ንምስራሕ ካብ ዝጠቅም 'ኣርትሚዝያ' ዝበሃል ተኽሊ ዝተሰርሐ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግና፡ ነዚ ሓዊሱ ካልኦት ባህላዊ ኣፋውሳት እውን ረብሕኦምን ሳዕቤኖምን ስለዘይፍለጥ፡ ሰባት ንከይጥቀሙ ኣጠንቂቑ እዩ።

ብፍላይ እቲ ውድብ ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ዛጊድ ንኮቪድ -19 ዝፍውስ ዝኾነ ዓይነት መድሓኒት ከምዘይተረኽበ እዩ ዘብርህ።

ቅድም ክብል'ውን ዳይሬክቶር ጀነራል እቲ ውድብ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እዚ ሕማም ብዝምልከት: ምክልኻል ቀንዲ መንገዲ ከምዝኾነ ዝተዛረቦ ዘረጋግጽ እዩ።

ፕረዚደንት ማጉፉሊ እንታይ ኢሉ ነይሩ?

ዝተፈላለዩ ሃገራትን መንግስታትን ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እንትወስዱ፡ ፕረዚደንት ታንዛንያ ማጉፋሊ ግን ካብዚ ውጽእ ዝበለ ዘረባ ብምስምዑ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።

ንሱ፡ ሰባት ክተኣኻኸቡን ብፍላይ ድማ ኣብ ኣብያተ ኣምልኮ ሓቢሮም ጸሎት ክገብሩ እዩ ምዒዱ ነይሩ።

እዚ ድማ፡ ምስቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኮነ ሰብ ሞያ ጥዕና ዓለም ዝብልዎ ዝጻረር እዩ።

ዛጊድ ኣብታ ሃገር፡ 480 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ኾይኖም፡ እቲ ፕረዚደንት ግን እቲ ኣሃዝ ዝተጋነነ ከይኸውን ይጠራጠር እየ ኢሉ።