ሆስፒታላት ማዳጋስካር፡ ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ ‘ኣዕለቕሊቐን’

ሆስፒታላት ማዳጋስካር ድሕሪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተረኣየ ሃንደበታዊ ምውሳኽ መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ብሕሙማት ኣዕለቕሊቐን ምህላወን ኣጠንቂቐን።

ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ነቲ ሕማም ዝፍውስ ባህላዊ መድሃኒት ከም ዘሎን፡ ህዝቢ ነቲ መድሃኒት ክወስድን እዩ ከጎሳጉስ ጸኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ 614 ሰባት እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኽቦም ክግለጽ ከሎ፡ ብድምር 8162 ሰባት ተለኺፎም፡ 69 ድማ ሞይቶም ኣለዉ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኮቪድ-ኦርጋኒክስ ዝተብሃለ ባህላዊ ፈውሲ ምጥላበን ይዝከር።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግና፡ እቲ ፈውሲ ኣንጻር ኮቪድ-19 ውጽኢታዊ ምዃኑ ዘርኢ ጭብጢ ከም ዘየለ እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ ዝርከቡ ሆስፒታላት፡ ናይ መደቀሲ ዓራት ሕጽረት የጋጥም ከም ዘሎ ኣጠንቂቐን።

ብሰኑይ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ናይ መመርመሪ ንዋት፡ መተንፈሲን ንሰራሕተኛታት ጥዕና ዝኸውን መከላኸሊ ንዋትን ሓገዝ ክገብራ ናብ ትካላት ረድኤት ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፉ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኣንድሪ ራጆኤሊና፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ክሳብ 26 ሓምለ ዝጸንሕ ዕጽዋ ኣብ ማእከላይ ዞባ እታ ሃገር ኣንቢሩ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፡ በቲ ንኮቪድ-ኦርጋኒክስ ዝገብሮ ዝነበረ ጎስጓስ ኣቓልቦ ዓለም ረኺቡ እዩ። እቲ ፈውሲ ካብ ኣርተሚዝያን ማላጋስን ዝበሃሉ ኣትክልቲ ዝተመስርሐ እዩ።

ኣርተሚዝያ፡ ፈውሲ ዓሶ ንምምስራሕ ዝጠቅም ተኽሊ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም ግና ኣንጻር ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣፋውስ ህዝቢ ክጥንቀቕ ኣብ ዝገበሮ ጻውዒት፡ ኣፍሪቃውያን፡ ወላ ባህላዊ’ውን እንተኾነ፡ ብግቡእ ዝተፈተነ መድሃኒት ክረኽቡ ኣለዎም ኢሉ።