እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ስነስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉ 44 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም
ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሕ ከይረሓቅካ እትርከብ ዱከም እትብሃል ከተማ፡ ኣብ ቀብሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ካብ ዝተሳተፉ 44 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ተሓቢሩ።
ካብቶም ልዕሊ ኣርብዓ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣባላት ስድራ መዋቲ ከምዝርከብዎም ምክትል ሓላፊ ቢቶ ጥዕና ክልል ኦሮምያ ኣቶ ደረጄ ኣብደና ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓደጋ መኪና ድሕሪ ምማቱ ኣብ ኣስክሬኑ መርመራ ድሕሪ ምግባሩ እዩ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ኣስክሬን ናይዚ ብሓደጋ መኪና ዝሞተ ውልቀሰብ፡ ቅምሶ ተወሲድሉ ውጽኢቱ ከይተፈለጠ እንከሎ እቲ ኣስክሬን ንስድራ መዋቲ ተዋሂቡ ስነ ስርዓት ቀብሩ ከምዝተፈጸመን እቲ ውዕኢት ድሒሩ ከም ዝምጽአን’ዩ ተገሊጹ።
ብድሕሪ እዚ ስድራ መዋቲ፡ ኣብቲ ስንስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉን ምስቲ ኣስክሬን ምትንኻፍ ዝንበሮምን ሰባት ናይ ምልላይ መስርሕ ክካየድ ከምዝጸንሐ ኣቶ ደረጄ ኣብደና ሓቢሩ።
በዚ መሰረት ካብቶም መርመራ ዝተገበረሎም 44 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ምጽንሖም ብምሕባር ሰባት ካብ ምትእኽኻብ ክቁጠቡ ማዕድኡ ለጊሱ።
ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጉጂ፡ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ወረዳ ሜታ ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ሽዋ ብሰንኪ ጥንቃቐ ዝጎደሎ ስንስርዓት ቀብሪ ሓያለ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ ክኡሎም እዮም።