ማዳጋስካር፡ 'ብሰንኪ ጥምየት ሓሰኻ ክንበልዕ ተገዲድና'

ኣብ ማዳጋስካር፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዝሰዓበ ቀዳመይቲ ጥምየት ዘጋጠማ ሃገር ኮይና ከምዘላን ንኣርባዕተ ተኸታታሊ ዓመታት ዝናብ ብዘይምህራሙ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት፡ ሓደጋ ጥምየት ኣጋጢምዎም ምህላዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እዚ ሎሚ ዓመት ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ካብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከቡ ሓረስቶም ዝያዳ ንጥምየት ተቃሊዖም ምህላዎምን ህይቶም ንምድሓን ሓሰኻ ኣርዮም ክበልዑ ከምዝተገደዱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ካብ ውድብ መግቢ ዓለም ሼላ ታክራል፡ "እዚ ኣዝዩ ከቢድ ጥምየት እዩ፡ እዚ ኸኣ ብኵናት ወይ ዕግርግር ዝሰዓበ ዘይኮነስ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዝሰዓበ'ዩ" ኢላ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ እዋን ልዕሊ 30 ሽሕ ተወለድቲ ማዳጋስካር ደረጃ ሓሙሽተ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክቱር ጥምየት ኣጋጢምዎም ምህላዉ እዩ ዝገልጽ። እቲ ቁጽሪ ኣብዚ ዝመጽእ ናይ ቀውዒ ወቕቲ ኣዝዩ ክውስኽ ከምዝኽእል ከኣ ብኣግኡ ተገሚቱ ኣሎ።

ሼላ ታክራል "እዚ ከቢድን ትጽቢት ዘይተገበረሉን እዩ፡ እዞም ብጥምየት ዝሕለቡ ዘለዉ ሰባት ኣብ ምብካል ከባቢ ዋላ ሓንቲ ኣበርክቶ ዘይነበሮም እዮም፡ ካልኦት ብዘባለሸውዎ ግን ንሶም ብጥምየት ይሰሓጉ ኣለዉ" ኢላ።

ነበርቲ ኣብ ዞባ ኣምቦሳሪ እትርከብ ፋንዲቮ እንትብሃል ዓዲ፡ ነቶም ኩነታቶም ክርእይዎም ዝኸዱ ሰራሕተኛታት ውድብ መግቢ ዓለም፡ ነቶም ክበልዕዎም ኣብ ኢዶም ሒዘሞም ዝነበሩ ኣንበጣ ኣርእየሞም።

ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ታማርያ "ነዞም ሓሳኻ ቅድሚ ምብላዕና ብዝክኣለና መጠን ከነጽርዮም ንፍትን እና ማይ ሰለዘይብልና ግን ንሱ'ውን ዘይክኣል ይኸውን ኣሎ" ኢላ።

ብምስዓብ "ኣነን ደቀይን መዓልታዊ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ሓሳኹ ኢና ንብልዕ ዘለና፡ ፈቲና ኣይኮንና እንታይ ድኣ'ኸ ክንገብር? ሓሪስና ከይንበልዕ ማይ የለን" ትብል።

ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ቦለ ብወገና "ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ብጀካ ኣንበጣ ዋላ ሓንቲ ክንበልዖ ንክእል ነገር የለን" ድሕሪ ምባል፡ ብዓል ቤታ ብሰንኪ ጥምየት ኣብ ቀረባ መዓልታት ከምዝሞተ ገሊጻ።

ብምቅጻል "እንታይ ኢና'ሞ ክንብል? ነዛ ሩሕና ንምትራፍ ኣንባጣን ቆጽልን እናበለዕና ንሓልፎ ኣለና" ኢላ።

ምምሕያሽ ምሕደራ ማይ

ማዳካስካር ዋላ እኳ ኣቐዲማ'ውን ብደርቅ ትጥቃዕ ሓገር እንተነበረት፡ እዚ ናይ ሕጂ ግን ምስ ክሊማዊ ለውጢ ቀጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኬፕ ታውን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ወዲ ማዳጋስካር ዶክተር ሮንድሮ ቢርማላላ "እዚ ኣብ ማዳካስካር ኣጋጢሙ ዘሎ ዘሰቅቅ ድርቂ፡ ሰባት ኣብ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ ዘለዎም ዝንቡዕ ኣረኣእያ ከዐርዩ ዝድርኽ እዩ" ይብል።

ኣብ ዩኒቨረስቲ ካሊፎርንያ ዳይረክተር ማእከል 'ክላይመት ሃዛርድ' ዝኾነ ክሪስ ፉንክ ብወገኑ እቲ ኣብ ማዳጋስካር ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ምስ ክሊማዊ ለውጥን መጠን ወሰኽ ዋዒ ናይ ከባቢ ኣየር [ኣትሞስፌር] ብቐጥታ ከምዝተኣሳሰር ብምጥቃስ ሰብ መዚ ማዳጋስካር ኣብ ምሕደራ ማይ ኣቶኵሮም ክሰርሑ ከምዘለዎም ይምዕድ።

"ኣብ ቀረባ ግዜ ብዙሕ ክግብር ዝግበኦ ነገራት ኣሎ፡ መጠን ዝናብ ክውስኽ ከምዝኽእል ትንበያ እንተሃልዩ ሓረስቶት ዝያዳ ምህርቲ ከምዘፍርዩ ምግባር ሓደ ካብቲ ክግበር ዝክኣል እዩ" ይብል።

እቲ ኣብ ማዳጋስካር ኣጋጣሚ ዘሎ ደረቂ ኣብ ዝበዝሓ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከባ ከተማታት ጽልዋ ፈጢሩ'ዩ። ኣብዚ እዋን መጠን ናይቶም ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ዝልምኑ ህጻናት ብዕጽፍታት'ዩ ዛይድ ዘሎ።

ኣብ ሓደ ግብረ ሰናይ እትሰርሕ ትሺና ኢንዶር "ኣብ ዕዳጋ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ብሰለስተ ኣርባዕተ ዕጽፊ እዩ ከቢሩ ዘሎ፡ ሰባት ቁሩብ ሰልዲ ረኺቦም መግቢ ንምግዛእ መሬቶም ይሸጡ ኣለዉ" ትብል።