ክሊማዊ ለውጢ፡ 'ኮፕ25' እንታይ'ዩ፤ እንታይከ ከዐውት ይደሊ?

መራሕቲ ፖለቲካን ዲፕሎማት ክሌማን፡ ንዝቕጽሉ ክልተ ሳምንታት ኣብ ማድሪድ ብሓባር ክቕንዩ'ዮም።

እዞም ሰብ ውራይ፡ 'ኮፕ25' ተባሂሉ ናይ ዝጽዋዕ ዘተ ክሌማዊ ለውጢ ሕቡራት ሃገራት 2019 ኣኼባ ከቓንዑ'ዮም ተራኺቦም።

ኣኼባ ኮፕ25 2019፡ ብሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሚኒስትር ስጳኛ ትሬሳ ሪበራ፣ ፕሬዝደንት ሓለዋ ለውጢ ኩነታት ኣየር ካሮሊና ሸሚድትን ሓላፊት ክሌማ ሕቡራት ሃገራት ፓትሪሽያ ኢስፒኖዛ ዝተወደበ'ዩ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ"ናይ መሰጋገሪ ነጥቢ ዝብሃል ድሕሪ ሕጂ የለን" እንክብል፡ ሴቭ ዘችልድረን ድማ ክሌማዊ ለውጢ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንሚሊዮናት ግዳያት ጥምየት ገይሩ'ዩ ኢሉ።

እዚ ትካል ሰብኣዊ ሓገዛት ከም ዝበሎ፡ ብምኽንያት ሓደጋታት ድርቅን ህቦብላን 33 ሚሊዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ይደልዩ።

ኮፕ25 እንታይ'ዩ?

ብምኽንያት ንሰሙናት ዝቐጸለ ተቓውሞ፡ ኣአንጋዲት እዚ ኣኼባ ዝነበረት ቺሌ፡ እቲ ዕድል ንስጳኛ ኣሕሊፋ ክትህብ ተገዲዳ።

ኣብዚ ንኽልተ ሳምንቲ ዝቕጽል ኣኬባ እምበኣር፡ 29,000 ተሳተፍቲ ክርከቡ'ዮም። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ክሌማዊ ቅልውላው ኣብ ሓጺር እዋን ፍታሕ ክርከቦ ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ርኡይ ተራ ከበርክቱ ኣተሓሳሲቡ።

"ኣብዞም ዝመጽኡ ወሰንቲ 12 ኣዋርሕ መጠን ካርበን ንምንካይን ኣብ 2050 ዝተትሓዘ መደብ ካብ ካርበን ናጻ ዝኾነ ከባቢ ኣየርን ንክዕወት፡ ዚያዳ ተወፋይነትና ከነበርትዕ ኣለና" ኢሉ።

ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣብ 2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ፓሪስ ምክልኻል ክሌማዊ ለውጢ ፈሪመን'የን። ኩለን ነዚ ስምምዕ ዝፈረማ ሃገራት ድማ ቅድሚ መወዳእታ 2020፡ ሓድሽ ናይ ክሌማ መስርሕ ናብቲ ዘተ ከቕርባ ይጠልብ።

50 ዝኾኑ መራሕቲ ኣብቲ ኣኼባ ክርከቡ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ካብቶም ዘይሳተፉ መራሕቲ'ዩ።

እንተኾነ፡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናንሲ ፔሎሲ ምስ ልኡኽ እቲ ኮንግረስ ክትርከብ እያ።

ተሳትፎ ፔሎሲ ዝነኣደ በዓል ሞያ ስነ ኸባቢ ኣሜሪካ ጂን ሱ፡ "ኣሜሪካዊያን ነዚ ናይ ለውጢ ክሌማ ታሪኻውያን ኣበርከትቲ ክንስና፡ ፖለቲከኛታት ዲሞክራት ግን ነዚ ዘይፍትሓዊ ኣስተዋጽኦና ዝምጥን ሓላፍነት ኣይወሰዱን" ኢሉ።

ጸብጻብ ሴቭ ዘችልድረን ከም ዘመላኽቶ፡ ጸቕጢ ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከም ዘሎን፤ ህይወት ብዓሰርተታት ሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምኻኑን'ዩ።

ሓደጋታት ውሑጅ፣ ምህማም መሬት፣ ደርቅን ህቦብላን፡ 33 ሚሊዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹፍ ረድኤት ክኾኑ ከም ዝገበሩ ጸብጻብ ሴቭ ዘችልድረን ይጠቅስ። ካብዚ እቶም ልዕሊ ፍርቂ ህጻናት ምኻኖም ድማ ይሕብር።

ንኣፍሪቃ ዘጥቅዑዋ ክልተ ዓበይቲ ህቦብላታት [ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ሞዛምቢክ፣ ዙምባብወን ማላውን ዘጥቅዐ ህቦብላ ኢዳይን፡ ሞዛምቢክ ብውሑጅ ዘዕለቕለቐ ህቦብላ ኬኒዝን] እቲ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ዝኸፍአ ክኸውን ከም ዝገበሩዎ'ዩ ዝገልጽ።

ሰራሕተኛ ሴቭ ዘችልድረን ኢየን ቫሌ "ቅልውላው እቲ ክሊማ ኣብዚ'ዩ ዘጓንፍ ዘሎ፤ ብዙሓት ሰባት ድማ ይቐትል፣ ካብ ቤት ንብረቶም የዘናብል፣ ህጻናት መጻኢኦም የጸልምት ኣሎ"ኢሉ።

ሕጂ ኣንቶኒዮ ጉተሬስ፡ ንተጋባእቲ እዚ ኣኼባ ዝኾኑ መራሕቲ ኣብ ልቀት ካርበን መሰረታዊ ለውጥን ምንካይን ክገብራ ድማ ከተሓሳስቦም'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።