ጽልዋ ክሊማዊ ለውጢ ንምርአይ ዝተዳለወ ምርኢት ቅብኣ

ቤተ መዘክር ፕራዶን ዓቃባዊ ጉጅለ ዳብሊው ዳብሊው ኤፍ ንጽልዋ ክሊማዊ ለውጢ ንምርአይ ናይ ቅብኣ ምርኢት ብምድላው ነቶም ንዓለማዊ ለውጢ ክሌማ ኣመልኪቶም ኣብ ከተማ ማድሪድ ዝጋብኡ ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ዲፕሎማሰኛታትን ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።

እዚ ዓለማዊ ዘተ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ቺለ ክካየድ እኳ ሓሳብ እንተነበረ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ እዚ ኣኼባ ኣብ ማድሪድ ንኽካየድ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ፈሊፕ ራብዓይ ኣብ ፈረስ ተወጢሑ፡ ብድያጎ ቫላንኵዝ

. . . . መጠን ምልኣት ባሕርታን ውቕያኖስትን ቀንዲ ጠንቁ ክሊማዊ ለውጢ ኣየር ኮይኑ፡ እታ ስእሊ ብኸምዚ ክትቀርብ ክኢላ ኣለ

ኢል ኳታሶል ብፍራንሲስኮ ዲ ጎያ ዝተሰኣለት

.... ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዝኽሰቱ ዘለዉ ብከላ ኣየር ንምንጽብራቕ፡ እታ ቅብኣ ብኸምዚ ክትቀርብ ክኢላ ኣላ።

ብችዋቺም ፓቲኒር ዝተሰኣለት ቅርጻ መሬት እተርኢ ቅብኣ

. . . . ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዝተኸሰተ ደርቂ ንምርኣይ ከኣ ብኸምዚ ክትቐርብ ክኢላ።

ኣብ ገምገም ባሕሪ ኮእኖም ዝጻወቱ ቆልዑ እተርኢ ብ ጃኵን ሶሮላ ዝተስኣለት ቅብኣ።

. . . ምጽናት ዓሌታት ተጸጥሮ ንምርኣይ ከኣ ብኸምዚ ተዳልያ ቐሪባ