ክሊማዊ ለውጢ ንምርኣይ ዳግም ዝተዳለዉ ስእልታት

ፖለቲካዊ መራሕትን ዲፕሎማሰኛታትትን ኣብ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ርእሰ ከተማ ስፔን ማድሪድ ኣብ ዝዝትይሉ እዋን፡ ኣብ ዕቀባ ህይወታውያን ዝሰርሕ 'WWF'ን ቤተ መዘክር ፕራዶን፡ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ህይወት ወዲ ሰብ ዘለዎ ጽልዋ ንምርኣይ፡ ኣብቲ ዓውዲ ናብ ዝግበር ምንቅስቃስ ተሓዊሶም ኣለዉ።

ብሓባር ኣብ ፕራዶ ቤተ መዛግብቲ ካብ ዘለዉ ስራሕቲ፡ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ ከርእዩ ዝኽእሉ ኣርባዕተ ብሉጻት ቅብኣታት መሪጾም።

እቲ ዋዕላ ኣብ ቺለ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተፈጠረ ዘይምርግጋእ ናብ ስፔን ክዛወር ክኢሉ።

ስእሊ ዲያጎ ቫለዝኲዝ፡ ምውሳኽ መጠን ጸፍሒ ባሕሪ ከመላኽት ተገይሩ ቀሪቡ።

'ዘ ፓራሶል' (ፎኪስ ጽላል) ብ ፍራንሲስኮ ዲ ጎያ

ማሕበራዊ ህይወት ክሊማዊ ስደተኛታት ከንጸባርቕ ዝተዳለወ እዩ

ናይ ጆዋቺም ፓቲኒር 'ላንድሰኬፕ ዊዝ ቻሮን ክሮሲን ዘ ስታይክስ' ድማ

ሓያል ድርቂ ኣብ ሩባታትን ኣዝርእትን ዘብጸሖ ጉድኣት ከርእይ ተገይሩ።

ናይ ጆዋኲን ሶሮላ 'ቦይስ ኦን ዘ ቢች' እውን

ሂወታውያን እንትጸንቱ ዘርኢ ኮይኑ ተዳልዩ።