ብዘይ ንህቢ መዓር ብዘይ ላሕሚ ጸባ ይርከብ'?

ኣብ ብዙሓት ቤተ ፈተነ ዝተፈላለየ መግብታት ክፍሪ ርኢና ንኸውን ኢና።

ሓደ ካብኡ ኣብ ኣብያተ ፈተነ ዝፈሪ ስጋ እዩ፤ ሕጂ ኸኣ ጸባን መዓርን ሪግኡ ዝኣኸለ ክመስል ኣብ ኣብያተ ፈተነ ክፈሪ ጀሚሪ ኣሎ።

ዳርኮ ሚኒዲች ኣሕምልቲ ጥራይ እዩ ዝምገብ።

ዝኾነ ፍርያት ናይ እንስሳ ኣብዛ ኣፉ ኣየቕርባን'ዩ፤ ዋላ መዓር።

እቲ ብዘይ ንህቢ መዓር ከፍሪ ዝወጠነ ዳርኮ ሚኒዲች፡ ሜሊባዩ ዝተባህለ ትካል ከፊቱ ይርከብ።

እቶም ኣብ ኣብያተ ፈተነ ዓይነታት መግቢ ክሰርሑ ዝፍትኑ ትካላት ጣዕምን ቅርጽን ናይቲ ዝሰርሕዎ ነገር ልክዕ ከምቲ ተፈጥሮኣዊ ክገብርዎ'ዮም ዝጽዕሩ።

ዳርኮ ሚኒዲች ዝመስረቶ ትካል'ውን ብተመሳሳሊ ነቲ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝሰርሖ መዓር፡ ጣዕሙ፣ ቅርጹን ሎጎግትኡን ልክዕ ከምቲ ንህቢ ዝሰርሖ መዓር ንምግባር'ዩ ዝጽዕር።

ቅድሚ ሕጂ ስጋ፣ ጸባን ካልእን ኣብ ኣብያተ ፈተነ ተሰሪሖም ነይሮም እዮም።

ኣብ ለንደን ዝርከብ ነቤተር ዴሪ'ውን ኣብ ቤተ ፈተነ ጸባ፤ ርግኦን ኣጅቦን ሰሪሑ ንዕዳጋ ኣብ ምቅራብ ይርከብ።

ነቤተር "ልክዕ ከምቲ ቢራ ኣብ ፋብሪካ ዝስራሕ ጸባ ውጽኢቱን'ውን ኣብ ፋብሪካ ንሰርሖ ኣለና" እዩ ዝብል።

እንቋቁሖ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ቤተ ፈተነ ተሰሪሑ ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ'ዩ።

ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዝርከብ ክላራ ፉዱስ ዝተባህለ ትካል ኣብ ቤተ ፈተነ እንቋቁሖ የፍሪ ኣሎ።

ፍርያቱ ኣብ 2028 ናብ ዕዳጋ ብምቅራብ ኸኣ ቀዳማይ ትካል ንክኸውን ወጢኑ ይሰርሕ ኣሎ።

ላዕለዋይ ሓላፊ እዚ ትካል ኣርትሮ ኢሉዞዶ እቲ ኣብ ትካሎም ኣብ ቤተ ፈተነ ዘፍርይዎ እንቋቁሖ ቅርጹን ጣዕሙን ልክዕ ከምቲ ደርሆ ተፍርዩ እንቋቁሖ ከም ዝኾነ'ዩ ዝሕብር።

መግቢ ኣብ ቤተ ፈተነ ምፍራይ ኣብ ምዕቃብ ከባቢ ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ ዝሕብሩ'ውን ኣለዉ።

ሕቡራት ሃገራት ውጽኢት ጸባን ስጋን ኣብ ምብእኣስ ክሊማዊ ለውጢ 14.5 ሚኢታዊት ከም ዝሕዙ ይጠቅስ።

እቲ ኣብ ቤተ ፈተነ ማዓር ዘፍሪ ዘሎ ትካል ሜሊባዩ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ከም ዝዝርግሕ'ዩ ዝገልጽ።

እቲ ጸባ ዘፍሪ ትካል'ውን፡ እቲ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝፈሪ ርግኦ፣ ጸባን ኣጅቦን ካብ ኣሕምልቲ ስለ ዝስራሕ ነቶም ጸባን ውጽኢት ጸባን ዘይበልዑን ኣሕምልቲ ጥራይ ዝምገቡን ንክበልዕዎ ምቹእ ምዃኑ ይግለጽ።