እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውድብ መግቢ ዓለም፡ እኽሊ ዝጸዓና 500 መካይን ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ሓገዝ ምግቢ ዝጸዓና 500 መካይን ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ።
ሓገዝ መግቢ ዝጸዓና ኣስታት 500 መካይን ኣብታ ብሰንኪ ኲናት ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተቓለዐት ክልል ትግራይ ከምዝበጸሓ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ
ካልኦት ተወሰኽቲ 500 መካይን'ውን ነቶም በቲ ኲናት ንጸገም ዝተቓልዑ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ዝኸውን ሓገዝ ንምብጻሕ ኣብ ጉዕዞ ከምዘለዋ እቲ ትካል ገሊጹ፡፡
እተን መካይን፡ ካብታ ንልዕሊ 60 ሽሕ ካብ ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ሰባት ኣዕቊባ ዘላ ሱዳን እየን ናብቲ ክልል ኣትየን ዘለዋ፡፡
እተን መካይን ናብ ትግራይ ክኣተዋ ዘርኢ ምስሊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትዊተር ኣካፊሉ ኣሎ፡፡
ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገማት፡ ናብቲ ክልል ሓገዝ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ እዩ ዝግለጽ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት ረድኤት ዘይተገደበ ሓገዝ ክገብሩ ክፈቅድን መገዲ ከመቻችውን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብረሉ ጸኒሑ እዩ።
ብምኽንያት እቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ መንግስትን ዝተወለዐ ኲናት፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐተሉን ልዕሊ 60 ሽሕ ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ከምዝተሰደዱን ዓለም ለኻዊ ትካላት ይገልጹ፡፡
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም ከምዘለዉ ኣብ ቀረባ እዋን ኣፍሊጡ እዩ፡፡
ኣብታ ብወታሃደራት ጾታዊ ዓመጽ፣ ቅትለትን ዘረፋን ይፍጸመላ ከምዘሎ ዝግለጽ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ እንድሕር ዘይበጺሑ ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥም ከምዝኽእል ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክገልጻ ጸኒሐን እየን፡፡
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ብሰንኪ ጥምየት ሰባት ምሟቶም ጸብጻባት ከምዝበጸሖ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ንሓገዝ ረድኤት ዝከታተል ኣካል መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ግና ኣብቲ ክልል ብጥምየት ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ እዩ ዝገልጽ።