ጾታዊ ዓመጽ፡ 'ንዓሰርተ ዓመት ብሰበይተይ ተዓሚጸ'

ዝበዝሐ ጸብጻባት ዘቤታዊ ዓመጽ ካብ ደቂ-ኣንስትዮ እዩ ዝመጽእ። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰለስተ ርብዒ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዕድመ ህይወተን ኣካለውን ጾታውን ዓመጽ ከምዝበጽሐን ይሕብር።

እቲ ልሙድ ዘይኮነ ጸብጻብ ይኹን ሓበሬታ ዘይርከቦ ግን ኣብ ልዕሊ ደቂ-ተባዕትዮ ዝወርድ ኣካላውን ጾታውን ዓመጽ እዩ።

ኣብ ብዙሓት ባህልታት፡ ኣንጻር ደቂ-ተባዕትዮ ዝቐንዐ ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ዳርጋ ነውሪ እዩ። እንተኣጋጢሙ ግን፡ እቶም ግዳያት ንሓደ ከይነገሩ በይኖም ይሳቐዩ።

እዚ ዛንታ'ዚ ናይ ሓደ ዩኩረናዊ መንእሰይ እዩ። ንሱ ብዛዕባ ዝወረዶ ኣካለውን ስነ-ኣእምሮኣውን ከምኡ'ውን ጾታዊ ዓመጽ ንቢቢሲ ኣካፊሉ ኣሎ።

መሓዙተይ ብዙሕ ዝጠርጠርዎ ነገር ኣይነበሮም። ብደገ ክትርኢ እንከለኻ ኩሉ ጽቡቕ እዩ ነይሩ። ፍሽኽታ ዝመልኦ ገጽ፤ መሓዙት፤ ገንዘብ፤ ፍሰሃ፤ ከምኡ'ውን ርእሰ-ተኣማንነት ነይሩ።

ብሓንሳብ ንዳርጋ ዓለም ምሉእ ተዛዊርናዮ ኢና። ኣብ ጕዕዞ እንከለና ዝፈርሖ ነገር ኣይነበረንን። ኣብ ቅድሚ ሰባት ክትጎድኣኒ ኣይትኽእልን እያ። እቲ ዝፈርሖን ዝሃድመሉን ዝነበርኩ ግን ምስኣ በይነይ ክኸውን እንከለኹ እዩ።

እታ በዓልቲ በተይ ዝነበረት ንዓሰርተ ዓመት ተጋሲሳትኒ እያ።

ኢራ፡ ናይ መጀመርታ ኣፍቃሪተይ እያ ነይራ። ኣብ ዕድመ ዕስራታት እንከለና እና ተላሊና። ንሳ ድማ እያ ንደገ ሒዛትኒ ትወጽእ ዝነበረት።

ስድራይ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ነቲ ምሕዝነት ከቋርጾ ነጊሮምኒ። ምኽንያቱ፡ እኹል ገንዘብ ስለዘይነበረንን ከምኡ'ውን ንስድራይ ዝገብሮ ሓገዝ ስለዝጎደለን። ብመሰረቱ፡ ናይ ብሓቂ፡ ዘፍርሕ ዝምድና እዩ ነይሩ።

ነብሰ-ምትሓት

ወላደተይ፡ ብኣይ ብዙሕ እያ እትሓፍር ነይራ። ኣነ፡ ናይ ብሓቂ ትሑት ነፍሰ-ምትእምማንን ጭንቀትን ነይሩኒ።

ንመጀመርታ ምስ ኢራ እየ ጾታዊ ርከብ ገይረ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ጾታዊ ርክብ ካብ ንቡር ወጻኢ ኢዩ ነይሩ። ቃንዛን ቑጠዓን ዝመልኦ እዩ ነይሩ። እቲ ጾታዊ ርክብ ከባቢ ሓሙሽተ ሰዓት ወሲዱልና። ድሕሪኡ ዝነበረ ቃንዛ ክገልጾ ኣይክእልን እየ። ዘሰቅቕ እዩ።

ንሳ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ እንገብሮ ጾታዊ ርክብ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ክፈስስ ክትርኢ ህርፋን ነይሩዋ። ክሳዕ እቲ ዘርኢ ካብ ኣካላተይ ዝወጽእ ድማ ከም ሕሱም እየ ዝፍሕፋሕ ነይረ።

ጾታዊ ርክብ ባህ ዘብል ክኸውን እዩ ዝግበኦ። ንዓይ ግን፡ ብፍጹም ዘሕጕስ ኣይነበረን። ዝኾነ ስምዒት ኣይነበረንን፡ ከምኡ ከኣ ይመስለኒ ነይሩ። ድሓር ግን፡ እምቢ ክብላ ጀሚረ። ብድሕሪ እዚ ድማ ናብ ጾታዊ ዓመጽ ተሰጋጊሩ።

ኣብ መፈንጠራ ኣትየ

ብተደጋጋሚ ብስራሕ እገይሽ ስለ ዝነበርኩ፡ ንኢራ ምሳይ ክትገይሽ ሓቲተያ። እቲ ዘገርም ሓደ እዋን ክምርዓወኪ'ዶ ኢለ ሓቲተያ፤ ንሳ ግን ኣቢያትኒ። ብኸምዚ ድማ እዩ እቲ ሽግር ተጀሚሩ።

ኣነ፡ ንነዊሕ ሰዓታት እሰርሕ ስለዝነበርኩ፡ ንገዛ ደኺመ እየ ዝኣቱ። ቀልጢፈ ንከዕርፍ ድማ ቀልጢፈ ናብ ዓራተይ እኸይድ።

ንሳ ግን፡ ስጋዊ-ርክብ ክትሓት ትጅምር። ሓደ ግዜ፤ ክልተ ግዜ ሕራይ እብላ፡ ንሳ ግን፡ ግድን ክትህበኒ ኣለካ፡ ምሉእ መዓልቲ ተጸቢየካ ትብለኒ። "ኖ፡ ኣይክእልን'የ ደኺመ ስለዘለኹ ከዕርፍ እብላ"

ብድሕርዚ ክትሃርመኒ ጀሚራ። ኣማራጺ ስለዘይነበረኒ ድማ ሕራይ እብል። ቆርበተይ ክሳዕ ደም ዝወጽእ ብጽፍራ ገይራ ትፍሕጥረኒን ተጉስጠንን ነይራ። ብዘይካ ገጸይ ዳርጋ ኩሉ ነብሰይ ሓናጢጣ ወዲኣቶ እያ።።

ኣብ ቅድሚኣ፡ ነብሰይ ከምዚ ንእሽቶይ፡ ድኹም ክሃድም ዘይክእል ገይረ ወሲደያ። ካባይ ዝደለየቶ ትርከብ ነይራ።

መብዛሕቱ ግዜ ናብቲ ዝድቅሰሉ ዝነበርኩ ሆተል ቀልጢፈ ኣይምለስን ነይረ። ኣብቲ ሱፕረማርከታት ኮለል እብል። ድሕሪኡ ኣብቲ ከተማ እዛወር።

ኣብቲ እዋን ቁሪ ብምንባሩ ድማ፡ ሓያል ቁሪ ወሲደ። ምስ ግዜ ድማ ናይ ሽንቲ ጸገም፡ ነድሪ ፕሮስተይት ከምኡ'ውን ሕማም ረስኒ ሒዙኒ። እዚ ግን ንሰበይተይ ኢራ ካብቲ ዝደለየቶ ጠጠው ከብላ ኣይከኣለን። ቀዳመ-ሰንበት ክኸውን እንከሎ ድማ፡ ብዝያዳ ኣሰቃቒ ነይሩ።

ክገድፋ ጀሚረ ግን ኣይከኣልኩን

ምስ ኢራ እትረፍ ክነብር ዝኾነ ይኹን ርክብ ከይገብር ምሒለ ናብ እንዳ ወለደይ ተመሊሰ ። እቲ ፈተነ ግን ንዓመታት ተጎቲቱ።

መዓልታዊ ክንበኣስ ጀሚርና፡ ሞባይለይ የጥፍኦ፡ ብሎክ እገብራ፡ ሓሓንሳብ እሕባእ፡ ንገዛና ትመጽእ። ተሌፎን ደዊላ ኩሉ ነገር ከምዝዕረ ትመባጽዓለይ።

ንበይነይ እናክኸውን ፍርሒ ስለዝስመዓኒ ተመሊሰ ይረኽባ።

ኣብቲ መጀመርታ ክገድፋ ዝከኣለኒ ጽዒረ፡ ድሕሪኡ ግን ኢደይ ሂበ። ክንምርዖ'ውን ደፋፊኣትኒ፡ ከይፈተኹ ድማ ተመርዒና።

ኢራ ንመሓዙተይ፡ ንስድራይ ንዝኾነ ዝቐርበኒ ሰብ እያ ብዓይኒ ቕንኢ ትርእዮ። ኣብ ዝኸድክዎ ቦታ ደዊለ ክነግራ ኣለኒ። ስለምንታይ ንመሓዙተይ ከምዝረኽቦም ብቴለፎን እገልጸላ። ኣብ ኣኼባ እንተኸይደ ዕላማ እታ ኣኼባ እነግራ።

ኣብ ሓደ ዓቢ ገዛ እናነበርና፡ ኢራ ዝኾነ ስራሕ ኣይነበራን። መግቢ ዘምጽእ ኣነ፡ ዝሓጽብ፡ ዝኽሽን ኣነ እየ ነይረ።

እቲ ገዛ ክልተ ክፍሊ-መሕጸብ ሰብነት ነይርዎ። ነቲ ኣብ መደቀሲና ዝነበረ ባኞ ክይጥቀም ተኸልኪለ። ኣብቲ ናይ ኣጋይሽ እየ ዝጥቀም ነይረ።

ንጉሆ ንጉሆ ካብ ድቃሳ ከየተንስኣ ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ ወይ ዓሰርተ ኣብ ዓራት ይጸንሕ። ንሓንሳብ ከይተንስኣ ኢላ ኣብ ካልእ ክፍሊ ከምዝድቅስ ትገብረኒ። ገለ ነገር እንተኣጋጢሙ ትወቕዓኒ ነይራ።

ሓንቲ ግዜ ይዝከርኒ፡ ኩሉ ነገር ምስ ሓርበተኒ፡ ኣብ ወሽጢ መኪና ኮይነ ክበኪ እንከሎኹ ርእያትንስ፡ ሎሚስ ኣሕዚንካኒ ኢላትኒ። ግን፡ ነቲ ተግባራ ክትገድፎ ኣይከኣለትን።

ወላ ዝገበርኩ እንተገበርኩ፡ ዝኾነ ነገር ኣየተቐየረን። ኣነ'ውን ንኸይረኽባ ኢለ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 14 ሰዓታት እሰርሕ ነይረ፡ ወላ ቀዳመ-ሰንበት ከይተረፈ።

ነገራት ጠጠው ክብል ኣይከኣለን

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት እንተለኻ፡ እንታይ ትኸውን ከምዘለኻ ኣይረኣየካን እዩ። መውጽኢ ይኹን መእተዊ ኣይረኣየካን። ንማዕዳ ሰብ'ውን ክትሰምዕ ኣይትኽእልን ኢካ። ካብዚ ኩነታት ሃዲምካ ክትከይድ ከምእትኽል'ውን ኣይፈልጥን። ጥራሽ ተስፋ ዘይብሉ ሰብ ኢኻ ትኸውን።

ንነብሰይ ሓንቲ ኣይገበርኩላን። ንኹሉ ሰብ፡ ገለ ክገብረሉ ኣለኒ ኢለ እየ ዝሓስብ እምበር፡ ህይወተይ ፈጺማ ናተይ ኣይነበረትን። ህይወተይ ንስድራ ቤተይ ንማሓዙተይ፡ ንስለ ሓዳር ኢለ መስዋእቲ ከፈለ፡ ሃመይን ቀልበይን ደኣ ኣጥፊኡለይ እምበር ምንም ኣይረባሕኩን።

ካብ መጀመርታ ነቲ ስጋዊ ርክብ ኣይፈተኽዎን፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ግን፡ ራዕዲ ክሕዘኒ ጀሚሩ። ኢራ ክትሕዘንን ራዕድን ስንባደን ክዓስለኒ ሓደ ይኸውን። ካብ ገዛይ ሃዲመ ኣብ ካልእ ቦታ ዝኸድኩዎን ካብኣ ተሓቢኣ ዝሓደርክዎ መዓልታት ውሑድ ኣይነበረን።

ምስ ግዜ፡ ኢራ ናይ ጾታዊ ርክብ ሽግር ዘለኒ መሲልዋስ፡ ኣብ ክኢላ ስነ-ወሲብ ክትወስደኒ ጀሚራ። ስጋዊ ርክብ ክገብር ኣይደልን'የ ምስ በልክዋ፡ ጸገም ኣለካ ትብለኒ ነይራ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝወርደኒ ዝነበረ ጾታዊ መጥቃዕቲ ይኹን ዓመጽ ክዛረብ ኣይከኣልኩን። ኣፈይ ተለጕሙ።

ብኸመይ ካብቲ ዝምድና ወጺአ

እዋኑ ቀውዒ እዩ ነይሩ። ሕማም ብሮንካይትስ ሒዛትኒ ንኽልተ ሰሙን ዝኸውን ኣብ ዓራተይ ተረሚሰ ነይረ። ንኽልተ ሰሙን፡ ዝኾነ ሰብ ደሃየይ ዝገበረ ኣይነበረን።

ሽዑ ህይወተይ ትርጉም ከምዘይብሉን፡ ዝኾነ ሰብ ከምዘይግደሰለይ ተረዲኡኒ። ምስ ነብሰይ ዝተመሓሰብኩሉ ግዜ ነይሩ ክብል ይኽእል። ኣብቲ እዋን ንሓደ ሰብ ዛንታይ ክነግር ደልየ፡ ግን ዝፈልጦ ሰብ ኣይነበረንን።

ካብቲ ዓራት ተንሲኣ ድማ ኣብ እንዳ ስድራይ ከይደ በቲ ዝወረደኒ መዓት ክሓስብ ጀሚረ። ኩሉ ኣብ ቅድመይ ተሳኢሉ ክረኣየኒ ጀሚሩ። ክሳብ ሽዑ፡ እቲ ዝወርደኒ ዝነበረ ግፍዒ፡ ብዝግባእ ዘስተውዓልኩዎ ኣይመስለንን። ካብኡ ንደሓር ግን በቃ "እምቢ" ድሕሪ ደጊም ክብል ጀሚረ።

ሓይሊ እናኽደሊ ነተን ኣብ ዓራት ዘሕለፍክወን ክልተ ሰሙን እዝክር።

ኣብ መወዳእታ፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ኪኢላ ረኺበ፡ ክሕግዘኒ'ውን ጀሚሩ። ኣነን ኢራን ተታሒዝና ናብቲ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ከድና። ኣነ ክዛረብ እንከለኹ ከይተኾልፈኒ ድማ ተኣጊዳ። ሽዑ ድማ እቲ ዝነበረኒ ጾር ከርግፍን፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሓንን ክዛረብ ጀሚረ።

ንሳ፡ ሓሪቓ፡ ነቲ ኣነ ዝብሎ ሓቂ ኣይኮነን ኢላ ክትጭርሕ ጀሚራ። ኣብቲ እዋን ድማ ንፍትሕ እማመ ኣቕሪባ። ኣነ'ውን ብኡ ንብኡ ተሰማሚዐ። ተፋቲሕና ድማ።

እቲ ናይ ፍትሕ ወረቃቕቲ ኣብ ኢደይ ምስ ሓዝኲ፡ ኣብ ህይወተይ ኣዝየ እተሓጐስኩላ መዓልቲ እያ ነይራ።

ሓንቲ መዓልቲ ድሕሪ እቲ ፍትሕ፡ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺምክለይ ኢኺ ኢለ ምስ ሓተትክዋ፡ እወ ዓሚጸካ፡ እንታይሞ ክትገብር ኢኻ ኢላ መሊሳትለይ።

እንታይ ኢለ ከምዝምልሰላ ጠፊኡኒ።

ኣነ፡ ስርሐይ ገዲፈ ምስ ስድራ-ቤተይ ንገለ ሰሙናት ተቐሚጠ። እቲ ራዕዲ ግን ኣይገደፈንን። ኣብ ደገ ኮይና ትጥምተኒን ትከታተለንን ዘላ ኮይኑ ይስምዓኒ።

እዚ ንሳ ዘስዓበትለይ ኣካለውን ስነ-ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ከቢድ እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ስራሕ ኣይወፍርን እየ። ንግሆ ካብ ዓራተይ ክትንስ'ውን ሓይሊ የብለይን። ነዚ ዝሓለፈ ዓመት ብኸመይ ኣሕሊፈዮ ኣይፈልጥን። ህይወተይ ዳርጋ ትርጕም የብሉን። ብሕጂ ኣብ ሓዲሽ ዝምድና ክኣቱ እየ ኢለ ኣይሓስብን። ውላድ'ውን ኣይደልን።

ምናልባት፡ ከምዚ ናተይ ሽግር ዘሕለፈ ውልቀ-ሰብ ክህሉ ይኽእል እዩ፡ ነዚ ዛንታይ'ውን ክንብቦ ይኽእል እዩ።

እዚ ሰብ ክርድኦ ዘለዎ፡ እዚ ነገር ዝዕረ ነገር ኣይኮነን። ናይ ብሓቂ ግዕዘይ እዩ። ካብ አእምሮኻ ዝጠፍእ ኣይኮነን ክቐትለካ'ውን ይኽእል እዩ። ዝርዳኣካ እንተኾይኑ ግን፡ እንተ ወሓደ ህይወትካ ክትቅይር ዕድል ኣለካ።