ኣውስትራልያ፡ ብድምጺ ኣዕዋፍ ዝተሰርሐት ኣልበም፡ ሓንቲ ካብ ዝበለጻ ሓሙሽተ ኣልበማት ኮይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሙሉእ ብሙሉእ ብድምጺ ኣብ ሓደጋ ምጥፋእ ዝርከባ ኣዕዋፍ ኣወስትራልያ ዝተሰርሐት አልበም ሙዚቃ፡ ኣብ ደረጃ ሰደቓ ሓሙሽተ ብሉጻት ደርፊታት ኣወስትራልያ ኣትያ።
እታ ብ'ሶንግስ ኦፍ ዲስኣፒራንስ' እትፍለጥ አልበም ንሙዚቃታት ኣባን ጀስቲን ቢበርን ሓዊሱ ንደርፍታት ክሪስማስ ሚካኤል ባብልን ማርያ ኬሪን እውን በሊጻተን ኣላ።
እታ ብበርድላይፍ ኣወስትራልያ ዝተዳለወት ኣልበም፡ ኣብ ምጥፋእ ናይ ዝርከባ 53 ኣዕዋፍ ደምጺ ዝሓዘት እያ።
ናይ ገሊአን ኣዕዋፍ ሓጺር ድምጺ ንምቕዳሕ፡ እቶም ኣዳለውቲ ንሰዓታት ኣብ ጫካ ክጸንሑ ተገዲዶም እዮም።
ናይ እንስሳት ዘገዳምን ኣዕዋፍን ድምጺ ዝቐድሕ ደቪድ ስቲዋርት፡ ድምጸን ሓሓሊፉ ናይ ዝስማዕ እንስሳት ኣወስትራልያ ኣብ ምቕዳሕ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣሕሊፉ ። ኣብታ ኣልበም ዝተጠቓለሉ ድምጺታት ድማ ካብ ናቱ መዝገብ ዝተወሰዱ እዮም።
እታ ኣልበም ኣብ 3 ታሕሳስ ምስ ወጸአት፡ ናብ መሸጣ ሰደቓ ሙዚቃ ኣርያ ክትኣቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጎስጓስ ተጀሚሩ፤ ሰሚሩ ድማ።
ሶንግስ ኦፍ ዲስኣፒራንስ፡ ብተመሳሳሊ ቅዲ ካብ ዝተሰርሑ ሙዚቃታት ኣብቲ ሰደቓ ናብ ደረጃ ሓሙሽተ ቀዳሞት ዝኣተወት ፈላመይቲ ኣልበም እያ።
ኣታዊ እታ ኣልበም በርድላይፍ ኣወስትራልያ ንዘሳልጦ ናይ ዕቀባ መደብ ክውዕል እዩ ተባሂሉ።
"እታ ኣልበም ተሓባቢርና እንድሕር ዘይሓሊናየን፡ ክጠፍኣ ናይ ዝኽእላ ውሑዳት ኣዕዋፍ ድምጺ ዝሓዘት ፍልይቲ ቅዳሕ እያ" ኢሉ ኣካያዲ ስራሕ በርድላይፍ ኣወስትራልያ ፓወል ሱልያን።
መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ቻርለስ ዳርዊን ከምዘመልክቶ ሓንቲ ካብ ሽዱሽተ ኣዕዋፍ ኣወስትራልያ ኣብ ሓደጋ ምጽናት እያ እትርከብ። እዚ ማለት ካብ 1299 ዓሌታት እተን 216 ኣብ ምጥፋእ እየን ዝርከባ። ብተወሳኺ ክሊማዊ ለውጢ ምጽናት ኣዕዋፍ የቀላጥፍ ከምዘሎ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።
ኣብ 2019ን 2020ን ዝነበረ ሓያል ባርዕ መሮር እውን ኣብ መንበሪ እንስሳት ከቢድ ዕንወት ዘብጸሐ ኮይኑ፡ መጠን ንምጥፋእ ዝወተቓላዓ ዓሌት ኣዕዋፍ ብ 25 ምኢታዊት ክውስኽ ገይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







