ብዕድመ ‘ዝዓበየት’ ዑፍ ኣብ 70 ዓመታ ጫጪሓ

ምንጪ ስእሊ, JON BRACK/FRIENDS OF MIDWAY ATOLL NWR
ዊዝደም ዘ ኣልባትሮስ ዝተብሃለት፡ ብዕድመ ዝዓበየት ዑፍ ዘገዳም፡ ኣብ 70 ዓመታ ከምዝጫጨሐት ተፈሊጡ።
እታ ዑፍ፡ ኣብ ለካቲት ሓደ ኣብ ሰሜን ሰሜናዊ ውቅያኖስ ከም ዝጫጨሐት ናይ ኣመሪካ ኣገልግሎት ዓሳን ኣዕዋፍን ገሊጹ።
እንተኾነ ኣብዚ ሰሙን እዩ እቲ ዜና ወጺኡ ዘሎ።
ላይሶን ኣልባትሮስ ዝበሃላ ዓሌት ኣዕዋፍ ብዙሕ ግዜ ካብ 12 ክሳብ 40 ዓመት እየን ዝነብራ።
እዛ ዊዝደም ዝተብሃለት ዑፍ ግና፡ ተመራመርቲ ኣብ 1956 እዮም ተረኪቦምዋ።
አከኣካሚ ዝተብሃለ ተባዕታይ ዑፍ መሓዛኣ ኾይኑ፡ ካብ 2012 ጀሚሮም መጻምዲ እዮም።
እዘን ዓሌት ኣዕዋፍ እዚኣን፡ ኣብ ህይወተን ሓደ መሓዛ እየን ዝሕዛ።
እዛ ዊዝደም እትበሃል ዑፍ ግን፡ ቅድሚ ሕዚ ካልኦት መሓዙት ነይሮምዋ እዮም።
እቲ ኤጀንሲ ከምዝበሎ፡ ዊዝደም ኣብ መወዳእታ ሕዳር እያ እንቋቖሖ ኣውዲቓ።
ዊዝደም፡ ነቲ ጫጩት ኣብ ምጭጫሕን ምምጋብን ምስቲ ተባዕታይ መሓዛኣ ይተሓጋገዙ እዮም ተባሂሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







