ቀዳማይ ሚኒስተር ለሴቶ ነበር ቶማስ ታባነ ብቅትለት በዓልቲ ቤቱ ተኸሲሱ

ቶማስ ታባነ ኣብ 2017 ድሕሪ ክልተ መዓልታት ቅትለት ብዓልቲ ቤቱ ምስ ማሳያህ ብምዃን እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን ቃለ መሓላ ንክፍጽም ናብ መድረኽ ደይቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቶማስ ታባነ ኣብ 2017 ድሕሪ ክልተ መዓልታት ቅትለት ብዓልቲ ቤቱ ምስ ማሳያህ ብምዃን እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን ቃለ መሓላ ንክፍጽም ናብ መድረኽ ደይቡ

ቀዳማይ ሚኒስተር ለሴቶ ነበር ቶማስ ታባነ፡ ብቕትለታት እታ ኣብ 2017 ዝተቐተለት ብዙሕ ዘግልላ ዝነበረ ሊፖሎሎ ታባነ ዝተብሃለት በዓልቲ ቤቱ ተኸሲሱ።

እታ ሕጂ በዓልቲ ቤቱ ዘላ ማሳያህ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ ገበን ተኸሲሳ ነይራ እያ።

ማሳያህ ኣብ እዋን ቅትላት ሊፖሎሎ ታባነ ምስ ቶማስ ታባነ እያ ትነብር ነይራ፡ ሓደ ቀታሊ ሰብ ሰዲዶም ንሊፖሎሎ ከምዘቕተልዋ'ኳ ክሲ እንተቐረበሎም ክልቲኦም ኣብቲ ቅትለት ኢድ ከምዘይብሎም'ዮም ንቤት ፍርዲ ሓቢሮም።

ቶማስ ታባነ፡ ድሕሪ ዘጋጠሞ ከቢድ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ግንቦት 2020 እዩ ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ቶማስ ታባነ ዝቐረበ ክሲ ኣብታ ምሉእ ንምሉእ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝተከበበት ንእሽተይ ሃገር ከቢድ ስንባደ እዩ ፈጢሩ።

እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ ክሲ ተኣሲራ ዝነበረት'ሞ ብዋሕስ ዝተፈተሐት ማሳያህ፡ ነቲ ወዲ 82 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ቶማስ ታባነ ኣሰንያቶ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ።

እቲ ክስ ኣብ ርእሰ ከተማ ማሱሩ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ መጋባእያ ኣብ ክፍሊ መአከቢ ፈራዶ፡ ንኽሱስ ክሱ ከምዝተነበበሉ ኤኤፍፒ ገሊጹ።

ሊፖሎሎ ታባነ ኣብ 14 ሰነ 2017 ሓደ ሰብ ብጥይት ቀቲልዋ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እቲ ቅትለት ኸኣ ቶማስ ታባነ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ጓል 58 ዓመት ዝነበረት ሊፖሎሎ ታባነ ናብ ገዝኣ እናተመለሰት እንከላ እያ ካብ ቀረባ ብዝተተኮሰ ጠያይት ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ኣካላ ተሃሪማ ሞያታ ተረኺባ።

ኣብቲ እዋን ሊፖሎሎ ምስ ቶማስ ታባነ ዝነበራ ሓዳር ብፍትሕ ንምውዳእ ኣብ ቤት ፍርዲ ትመላለስ ነይራ፡ ካብ 2012 ጀሚሮም'ውን ኣብ በበይኑ ገዛ እዮም ዝነብሩ ነይሮም።

ቶማስ ታባነ ድሕሪ ሞት ሊፖሎሎ ድሕሪ ክልተ ወርሒ'ዩ ንማሳያህ ተመርዕይዋ።