ብሪጣንያ፡ ቅትለት ኣባል ፓርላማ ግብረሽበራዊ ምዃኑ ፖሊስ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅትለት ዓቃባዊ ኣባል ፓርላማ ዝኾነ ሰር ዴቪድ ኣመስ ከም ግብረሽበራዊ ፍጻመ ተታሒዙ ከም ዘሎ ፖሊስ ሓቢሩ።
ሰር ዴቪድ ትማሊ ዓርቢ እዩ ኣብቲ ንሱ ዝውክሎ ከባቢ ኤሴክስ ብበሊሕ ነገር ብተደጋጋሚ ተወጊኡ።
እቲ ተግባር ምስ እስላማዊ ጥሩፍነት ዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ፖሊስ ሓቢሩ።
በቲ ቅትለት ዝተጠርጠረ ወዲ 25 ዓመት ብሪጣንያዊ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ፤ ኣብ ቦታ ቅትለት ካራ ከምዝረኸቡን፡ ምስቲ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ካልእ ሰብ ንምርካብ ድሌት ከምዘይብሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ልብና ስንባደን ጓህን መሊኡ'ሎ" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ኣባል ባይቶ "ካብቶም ኣዝዮም ለዋሃት" ፖለቲከኛታት ምንባሩ ተዛሪቡ።
እቲ ወዲ 69 ካብ 1983 ኣትሒዙ ኣባል ባይቶ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ቆልዑን እዩ።
'ሰር' ዴቪድ፡ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዘሕለፎ እዋን "ንውጹዓት ዝሕግዝ ብዙሕ ሕግታት ብምጽዳቕ ዝንኣድ" ታሪኽ ከምዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ መስኪሩ።

ምንጪ ስእሊ, ANTHONY FITCH
"ዴቪድ፡ ኣብዛ ሃገሪ እዚኣን መጻኢኣን ብምሉእ ስምዒት ዝኣምን'ዩ ነይሩ። ሎሚ ሓደ ብሉጽ ኣገልጋሊ ህዝቢ፡ ፍቱው መሓዛን መሳርሕትን ኢና ስኢንና" ድማ ኢሉ።
ጸሓፊ (ሚኒስተር) ክፍሊ ጉዳያት ጥዕና፡ ሳጂድ ጃቪድ ብወገኑ "ዓቢ ሰብ፡ ዓቢ መሓዛን ዓቢ ኣባል ባይቶን፡ ደሞክራስያዊ ሓላፍነቱ እናፈጸመ ተቐቲሉ'ሎ" ብምባል ሓዘኑ ገሊጹ።
ፖሊስ ኤሰክስ እቲ ኣባል ባይቶ ኣብ ሰዓታት ፋዱስ ብኻራ ተወጊኡ ቆሲሉ ከምዝጸንሖም ገሊጾም። ዋላ'ኳ ብኣባላት ህጹጽ ሕክምና ክንክን እንተ ተገብረሉ፡ ክድሕን ስለዘይክኣለ ኣብቲ ቦታ ከምዝሞተ ተረጋጊጹ።
ቅትለት ናይቲ ኣባል ባይቶ ኣብ መሰርሕቱን ኣብታ ሃገርን ዓቢ ስንባደ ፈጢሩ'ሎ።
ሓያሎ ሰበስልጣንን ፖለቲከኛታትን ድማ ሓዘኖም ብዝተፈላለየ መንገድታት ይገልጹ ኣለዉ።

ባንዴራ'ታ ሃገር ኣብ ህንጻ ፓርላማ (ዌስት ሚኒስተር ፓላስ)ን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር (10 ዳውኒን ስትሪ)ን ንኽብሪ እቲ ዝተቐትለ ኣባል ባይቶ ኣብ ፍርቂ ተሰቒላ ትርከብ።
ኣብ 2016 ሓንቲ ኣባል ሰልፊ ዕዮ ዝኾነ ኣባል ፓርላማ ጆ ኮክስ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ንጥፈታት እንከላ ብሓደ ውልቀሰብ ከምዝተቐትለት ይዝከር።
ኣባላት ባይቶ ዘለዎም ሓለዋ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ከዘራርብ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ካብ ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ዝወጽሉ እዋን ንሓደጋ ከምዝቃልዑ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







