ኣውስትራልያ፡ ንዝሞቱ ዓማዊሉ ናይ ኣገልግሎት ባንክን ፋይናንስያዊ ማዕዳን ከኽፍል ዝጸንሐ ባንኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዝርከቡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ባንክታት ዝኾነ ዌስትፓክ፡ ብዝቐረበሉ ሽዱሽተ ክስታት ጌጋ ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ።
ባንኪ ዌስትፓክ ትሑት ኣተሓሕዛ ዓማዊልን ካልእን ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪብሉ፡ ሓደ ካብቲ ዝቐረበሉ ክሲ ንዝሞቱ ዓማዊሉ ብገንዘብ ይቐጽዕ ምንባሩ ግን ንብዙሓት ዘዘራርብ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ባንኪ ብቤት ፍርዲ 81 ሚልዮን ዶላር ክቅጻዕ ተበይንዎ ኣሎ፡ ብዘይካ እዚ ንዝበደሎም ዓማዊሉ መከሓሓሲ ዝኸውን 57 ሚልዮን ዶላር'ውን ክቕጻዕ'ዩ።
ምክትል ሓላፊት ክፍሊ ድሕነትን ወፍርን ባንክታት ኣውስትራልያ ሳራ ኮርት "እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት፡ ተገልገልቲ ኣብ ልዕሊ ባንክታቶም እምነት ከምዘይህልዎም ዝገብር ኮይኑ፡ ኣብ ዌስትፓክ ዘጋጠመ ኸኣ እዚ እዩ፡ ኣብ ባንኪ ዝህሉ ምጥርጣር ንናይ ኢንሹራንስ ትካላትን ካልእን ስለዝጸሉ ኸኣ ኣሉታዊ ጽልውኡ ቀሊል ኣይኮነን" ኢላ።
ምስ ካልኦት ብምዃን ነቲ መርመራ ዘካየደ ክፍሊ ድሕነትን ወፍርን ባንክታት ኣውስትራልያ ኣብ ባንኪ ዌስትፓክ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብ 11 ሽሕ ዝሞቱ ዓማዊሉ ናይ ኣገልግሎት ባንክን ፋይናንሳዊ ማዕዳን እናበለ ልዕሊ 7 ሚልዮን ዶላር ከምዝቆረጸ ገሊጹ "እዞም ዝሞቱ ዓማዊል እዚ ባንኪ ዝነበሩ ሰባት ስለዝሞቱ ዝረኸብዎ ኣገልግሎት ይኹን ፋይናንሳዊ ማዕዳ የለን፡ እዚ ባንኪ ግን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ሰልዲ ክቆርጸሎም ጸኒሑ" ይብል እቲ ጸብጻብ።
ብዘይካ እዚ ንልዕሊ 7000 ዓማዊሉ፡ ክልተን ልዕሊኡን ተመሳሳሊ ቅዳሓት ናይ ኢንሹራንስ እናኣርኣየ ክልተ ግዜ ወይ ልዕሊኡ ከምዝኸፍሉ ከምዝገበሮምን፡ ብውሕዱ ካብ 25 ሽሕ ዓማዊሉ ምኽንያቱ ከይገለጸ ብድምር ልዕሊ 5 ሚልዮን ዶላር ሰልዲ ከምዝቐረጸሎም ኣብቲ ዝቐረብ ጸበጻብ ናይ ቤት ፍርዲ ተገሊጹ ኣሎ።
ላዕለዋይ ኣካያዲ ስራሕ ዌስትፓክ ፔተር ኪንግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እዚ ተባሂሉ ዘሎ ኹሉ ክግበር ኣይነበሮን፡ ሕጂ ኣሰራርሓና ኣጻፊፍና እኹል ትሩፍ ምቁጽጻር ከምዝህሉ ገይርና ኣለና፤ ንኹሎም ዓማዊልና ኸኣ ይቕሬታ ንሓትት" ኢሉ።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







