እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ኣብ ካምፓላ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ

ዝባራዕ መኪና

ምንጪ ስእሊ, AFP

እስላማዊ መንግስቲ ኣይኤስ፡ ኣብ ኡጋንዳ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ትማሊ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ።

ኣይኤስ ሎሚ ኣብ ቴሌግሮም ገጹ ዕላዊ ከምዝገበሮ በቲ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 30 ሰባት ምውትን ቁስልን ከምገበረ ሓቢሩ።

ናይቲ ጉጅለ ወኪል ዜና ዝኾነ 'ዓማቅ' ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ማእከላዊ ኣፍሪቃ ምስ ኣይኤስ ኲናት ካብ ዝገጠማ ሃገራት ሓንቲ ኡጋንዳ እያ።

ብዚ ምኽንያት ድማ ነታ ሃገር ዒላማ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ንዝበጽሑ ግብረ ሽበራዊ መጥዋዕቲታት ሓላፍነት እንትወስድ ሎሚ ንሳልሳይ ግዜኡ እዩ።

ኣብቲ ትማሊ ንጉሆ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ዝተፈንጀረ ነትጒ ብውሕዱ 6 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ሓቢሮም።

ሰለስተ ካብቶም ዝተቐትሉ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ምዃኖም ኣፈኛ ፖሊስ ጠቒሱ።

ፍረድ ኢናንጋ ከምዝበሎ፡ ክሳብ ሕጂ ዝኣከብዎ ስለያዊ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ በቶም ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኪዳን (ADF) ዝተባህሉ ዕጡቓት እታ ሃገር ከምዝተፈጸመ እዮም ዝገልጹ።

እቲ ጉጅለ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ከተማ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ምውሳዱ ይፍለጥ።

ሓደ ካብቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 30 ሰባት ከምዝቖሰሉን፡ ገለ ካብኦም ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ምዃኖምን እቲ ኣፈኛ ፖሊስ ገሊጹ'ሎ።