ብኤርትራውያን ዝውነን ትካል ብጃክ ማ ፋውንዴሽን 10 ካብ ዝበለጹ ትካላት ኣፍሪቃ ተባሂሉ

ብክልተ ኤርትራውያን ኣሕዋት ዝውነን ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ትካል፡ ብቻይናዊ ቢልዮነር ኣብ ዝውሃብ ሽልማት ምስ ዝበለጹ ዓሰርተ ጸለውቲ ትካላት ኣፍሪቃ ተባሂሉ ተረቑሑ።
ጃክ ማ 'Africa's Business Heroes' ኢሉ ኣብ ዝሰመዮ፡ ንጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ትካላት ዝሽለመሉ መደብ፡ ኣብ ኡጓንዳ ዝመደበሩ ብኤርትራውያን ኣሕዋት ዝውነን ኣፕቴክ ኣፍሪቃ፡ ብኬንያዊት ዝውነን ኢንዳ ኣትለቲክ፡ ብናይጀርርያዊ ዝውነን ክሪክድ፡ ብርዋንዳዊት ዝውነን ኢሪባ ዋተር ግሩፕ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሓሙሽተ ደቂ ተባዕትዮን እዮም ዝበለጹ ኣውፈርቲ ኣፍሪቃ ተባሂሎም ተረቑሖም ዘለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Africa Business heroes
እቶም ዝበለጹ ዓሰርተ ትካላት ተባሂሎም ዘለዉ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃን ካብ 12,000 ተወዳደርቲ ብተሪር ምጽራይ ሓሊፎም ኣብዚ ደረጃ እዚ ከምዝበጽሑ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ቢዝነስ ሄሮስ ገሊጹ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ በጺሖሞ ዘለዉ ዓወታት እዞም ዓሰርተ ውልቀ ሰባት ኣብ ሞንጎኦም ዝመቃራሕ 1.5 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሽልማት፡ ናብ ቻይና ብምኻድ ብዛዕባ መሪሕነት ስልጠና ክውሃቡን ምስ ቢልዮነር ጃክ ማ ተራኺቦም ተመክሮ ክቀስሙሉ ዝኽእሉን ዕድላት ተጣጢሕሎም ኣሎ።
እዞም 10 ብጃ ክማ ፋውንዴሽን ተረቑሖም ዘለዉ ኣውፈርቲ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ብደያኑ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ክስርዑ እዮም፡ ካብቲ ተሰሊዑ ዘሎ ገንዘብ ኸኣ ንቀዳማይ 300 ሽሕ ዶላር ንካልኣይ 250 ሸሕ ዶላር ሳልሳይ 150 ሽሕ ዶላር ዝተረፉ ሸውዓተ ኸኣ ነብሲ ወከፎም 100 ሽሕ ዶላር ክሽለሙ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Engineer Girmay zeray
ብኤርትራውያን ኣሕዋት ኢንጂነር ግርማይ ዘርኣይ ኣበርሃምን መትከል ዘርኣይ ኣብርሃምን ዝውነን ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ኣብ ተተካኢ ጸዓት ኣቶኲሩ ዝሰርሕ ትካል ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2021'ውን ብኣፍሪካን ዲጂታል ቻምፕዮን ፡ ብዲጂታላዊ ስራሓትን ብተተካኢ ጸዓትን ለውጢ ዘምጽኡ ዘለዉ 50 ትካላት ተባሂሉ ተረቑሑ ምንባሩ ይዝከር።
መስራትን ላዕለዋይ ሓላፍን እቲ ትካል ኢንጂነር ግርማይ ዘርኣይ ኣብርሃም ቅድሚ ክልተ ወርሒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ንዓወት ዘብጽሖም ሮቛሒ እቲ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ዘተኣተትዎ 'ፐይ ኤንድ ፓምፕ' ዝብል ኣገባብ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ 2006 ኣብ ኤርትራ ዝተመስረተ ትካል ኣፕቴክ ኣፍሪካ ኣብዚ እዋን ማእካለይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ኡጋንዳ ካምፓላ ኮይኑ ብሓፈሻ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፣ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪካን ካልኦትን ዝርከብአን ኣብ ሸውዓት ሃገራት ኣፍሪቃ ጨናፍር ብምግባር ኣብ ምንጣፍ ይርከብ።




![ልቢ ዝሓዛ ኣእዳው [ገላጺ ስእሊ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/B85E/production/_109589174_kindnessgetty.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







