ብኤርትራውያን ዝውነን ትካል ብጃክ ማ ፋውንዴሽን 10 ካብ ዝበለጹ ትካላት ኣፍሪቃ ተባሂሉ

ሶላር

ብክልተ ኤርትራውያን ኣሕዋት ዝውነን ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ትካል፡ ብቻይናዊ ቢልዮነር ኣብ ዝውሃብ ሽልማት ምስ ዝበለጹ ዓሰርተ ጸለውቲ ትካላት ኣፍሪቃ ተባሂሉ ተረቑሑ።

ጃክ ማ 'Africa's Business Heroes' ኢሉ ኣብ ዝሰመዮ፡ ንጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ትካላት ዝሽለመሉ መደብ፡ ኣብ ኡጓንዳ ዝመደበሩ ብኤርትራውያን ኣሕዋት ዝውነን ኣፕቴክ ኣፍሪቃ፡ ብኬንያዊት ዝውነን ኢንዳ ኣትለቲክ፡ ብናይጀርርያዊ ዝውነን ክሪክድ፡ ብርዋንዳዊት ዝውነን ኢሪባ ዋተር ግሩፕ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሓሙሽተ ደቂ ተባዕትዮን እዮም ዝበለጹ ኣውፈርቲ ኣፍሪቃ ተባሂሎም ተረቑሖም ዘለዉ።

እቶም 'Africa's Business Heroes 2021 ' ዝተብሃሉ 10 ኣውፈርቲ

ምንጪ ስእሊ, Africa Business heroes

መግለጺ ስእሊ, እቶም 'Africa's Business Heroes 2021 ' ዝተብሃሉ 10 ኣውፈርቲ

እቶም ዝበለጹ ዓሰርተ ትካላት ተባሂሎም ዘለዉ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃን ካብ 12,000 ተወዳደርቲ ብተሪር ምጽራይ ሓሊፎም ኣብዚ ደረጃ እዚ ከምዝበጽሑ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ቢዝነስ ሄሮስ ገሊጹ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ በጺሖሞ ዘለዉ ዓወታት እዞም ዓሰርተ ውልቀ ሰባት ኣብ ሞንጎኦም ዝመቃራሕ 1.5 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሽልማት፡ ናብ ቻይና ብምኻድ ብዛዕባ መሪሕነት ስልጠና ክውሃቡን ምስ ቢልዮነር ጃክ ማ ተራኺቦም ተመክሮ ክቀስሙሉ ዝኽእሉን ዕድላት ተጣጢሕሎም ኣሎ።

እዞም 10 ብጃ ክማ ፋውንዴሽን ተረቑሖም ዘለዉ ኣውፈርቲ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ብደያኑ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ክስርዑ እዮም፡ ካብቲ ተሰሊዑ ዘሎ ገንዘብ ኸኣ ንቀዳማይ 300 ሽሕ ዶላር ንካልኣይ 250 ሸሕ ዶላር ሳልሳይ 150 ሽሕ ዶላር ዝተረፉ ሸውዓተ ኸኣ ነብሲ ወከፎም 100 ሽሕ ዶላር ክሽለሙ እዮም።

ኢንጂነር ግርማይ ዘርኣይ ኣበርሃም

ምንጪ ስእሊ, Engineer Girmay zeray

ብኤርትራውያን ኣሕዋት ኢንጂነር ግርማይ ዘርኣይ ኣበርሃምን መትከል ዘርኣይ ኣብርሃምን ዝውነን ኣፕቴክ ኣፍሪቃ ኣብ ተተካኢ ጸዓት ኣቶኲሩ ዝሰርሕ ትካል ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2021'ውን ብኣፍሪካን ዲጂታል ቻምፕዮን ፡ ብዲጂታላዊ ስራሓትን ብተተካኢ ጸዓትን ለውጢ ዘምጽኡ ዘለዉ 50 ትካላት ተባሂሉ ተረቑሑ ምንባሩ ይዝከር።

መስራትን ላዕለዋይ ሓላፍን እቲ ትካል ኢንጂነር ግርማይ ዘርኣይ ኣብርሃም ቅድሚ ክልተ ወርሒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ንዓወት ዘብጽሖም ሮቛሒ እቲ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ዘተኣተትዎ 'ፐይ ኤንድ ፓምፕ' ዝብል ኣገባብ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ 2006 ኣብ ኤርትራ ዝተመስረተ ትካል ኣፕቴክ ኣፍሪካ ኣብዚ እዋን ማእካለይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ኡጋንዳ ካምፓላ ኮይኑ ብሓፈሻ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፣ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪካን ካልኦትን ዝርከብአን ኣብ ሸውዓት ሃገራት ኣፍሪቃ ጨናፍር ብምግባር ኣብ ምንጣፍ ይርከብ።