ኡጓንዳ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንኣስታት ክልተ ዓመት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ትምህርቲ ክኽፈት’ዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ኡጓንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ብንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመት ዝተዓጸወ ትምህርቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ክኸፍት ምዃኑ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ፡ እቲ ምኽፋት ናይ ትምህርቲ ክሳብ ወርሒ ጥሪ ክንደይ ሰብ ተኸቲቡ ብዘየገድስ ኣብቲ ተወጢንዎ ዘሎ እዋን ክኽፈት ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ትሕቲ 10 ሚኢታዊት ካብ ጠቅላላ ብዝሒ ህዝቢ ኡጋንዳ ከምዝተኸተበ ዝገለጸ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት እቲ ቀጽሪ ብ4 ዕጽፊ ናይ ምዕባይ መደብ ተወጢኑ ከምዘሎ ገሊጹ።
ትምህርቲ ምስ ተኸፈተ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልክፉ ሰባት ዘይንቡር ወሰኽ ንኸየርኢ፡ መላእ ሕብረተሰብ ሓላፍነት ክወስድ ከምዘለዎ’ውን እቲ ፕረዚደንት ኣጠንቂቑ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ትምህርቲ ብምዕጻዉ፡ ብዙሓት መምሃራን ድራር ዕለቶም ንምምእራር ካልእ ሞያ ከምዝቐየሩን ናብ መምህርነት ተመሊሶም ክሰርሑ ከምዘይደልዩ’ዮም ዝገልጹ።
ብመሰረት ካብ ጆን ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 125, 920 ክኸውን እንከሎ ቁጽሪ ምስ ኮቪድ ብዝተሓሐዝ ሕማማት ዝሞቱ ሰባት 3209 በጺሑ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ 28 መዓልታት 2348 መልከፍትን 53 ሞትን ተመዝጊቡ ኣሎ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







