ብከላ ኣየር፡ ብትኪ ዝተሸፈነት ከተማ ደልሂ ኣብያተ ትምህርቲ ዓጽያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብመዚ ርእሰ ከተማ ህንዲ ዝኾነት ደልሂ፡ ብሰንኪ ኣብታ ከተማ እናተጋደደ ዝኸደ ብኽለት ኣየር፡ ኣብያተ ትምህርትን ኮሌጃትን ንዘይተወሰነ እዋን ተዓጽዮም፡፡
ካብ ናይ ምስ መጓዓዝያን ምክልኻልን ዝተሓሓዙ ስራሕቲ ወጻኢ፡ ኩሎም ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ክሳብ 21 ሕዳር ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ከይሰርሑ ተኸልኪሎም ኣለዉ፡፡
ብተወሳኺ ካብቶም ኣብታ ከተማ ብሕመት (ከሰል) ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘመንጭዉ 11 ማእከላት እቶም ሓሙሽተ ጥራሕ እዮም ኣገልግሎት ክህቡ ተፈቒዱሎም ዘሎ፡፡
እታ ከተማ ካብቲ ጽምብል ዲዋሊ ዝተኸበረሉ እዋን ጀሚራ ብመርዛም ግመ ተሸፊና እያ ዘላ፡፡
መጠን ናይታ ከተማ ምስ ኣየር ንውሽጢ ዝተንፈሱ አካላት (ፒኤም) 2.5 እዩ፤ እዚ ድማ ንሳንቡእ ደቂ ሰባት ዝዓጹ ኮይኑ ካብቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘፍቅዶ መጠን ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ፡፡
ብሰኑይ ብዙሓት ከባቢታት እታ ከተማ ልዕሊ 400 ዘመዝገቡ ኮይኖም፡ እቲ ቑጽሪ ዝኸፈአ ዝበሃል ደረጃ ዘመልክት እዩ፡፡
ጽርየት ኣየር ዝገልጽ ሓባሪ ከምዘመልክቶ ካብ ዜሮ ክሳብ 50 ጽቡቕ፣ ካብ 51 ክሳብ 100 ድማ ደሓን ዝበሃል እዩ፡፡
ካብ መጓዓዝያን ፋብሪካታትን ዝወጽእ ትኪ፣ ዶሮናን ኩነታት ኣየርን ዝበሉ ባእታታት፡ ከተማ ደልሂ እታ ኣብ ዓለም ኣዝያ ዝተበከለት ከተማ ክተከውን ገይሮምዋ እዮም፡፡
ብፍላይ ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ ጎረባብቲ ግዝኣታት ዝነብሩ ሓረስቶት ተረፍ ምህርቲ ስለዘቃጽሉ እቲ ኣየር መርዛም እዩ ዝኸውን፡፡
ብዙሕ ርችታት ዝትኮሰሉ ኣብቲ ወቕቲ ዝኽበር ጽምብል ዲዋሊ እውን ነቲ ብኽለት የጋድዶ፡፡ ቅልጡፍ ዘይኮነ ንፋስ እታ ከተማ ብወገኑ እቶም በከልቲ ኣካላት ኣብ ታሕተዋይ ቀጸላ ከባቢ ኣየር ክጸንሑ ይሕግዝ፡፡
እቲ ኣብዚ ዓመት ዝተጋደደ ብኽለት ኣየር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ህጹጽ ስጉምቲ ክወስዱ ክእዘዝ ኣገዲድዎ እዩ፡፡
ክሳብ 21 ሕዳር ናብ ደልሂን ጎረባብቲ ግዝኣታትን መሰረታዊ ቀረባት ካብ ዝጽዕና ከበድቲ መካይን ወጻኢ ካልኦት ከይኣትዋ ዝተኸልከላ እንትኾን፡ 50 ምኢታዊት ሰራሕተኛታት ውልቀ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክዓዩ ተኣዚዞም ኣለዉ፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







