ኡጋንዳ፡ ኣብ ካምፓላ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቡምባ ሓንቲ ሰብ ሞይታ ሰለስተ ቆሲሎም

ፖሊስ፡ እኹል መርመራ ንምግባር ነቲ መጥቃዕቲ ናይ ቦንባ ዝተኻየደሉ ቦታ ሓጺርዎ ኣሎ

ኣብ ርእሰ ከተማ ኡጋንዳ፡ ካምፓላ ብዝተፈጸመ ናይ ቦንባ መጥቃዕቲ ሓንቲ ሰብ ክትመውት እንከላ ሰለስተ ብኸቢድ ቆሲሎም።

እቲ ብቀዳም ምሸት ኣብ ሓደ ባር ዘጋጠመ ናይ ቡንባ መጥቃዕቲ ጓል 20 ዓመት ኣሳሳይት ክትመውት እንከላ እቲ ናይ ቦንባ መጥቃዕቲ ኣብ ብዙሓት ምስንባድ ፈጢሩ።

ፖሊስ ሰለስተ ጥርጡራት ናብቲ ባር ዓማዊል ተመሲሎም ብምእታው ነቲ ተባራዒ ቦንባ ኣብ ትሕቲ ጣውላ ከምዘጸዋድዎ ገሊጹ።

ነቲ መጥቃዕቲ እስላማዊ ዕጡቕ ኣይኤስ ባዕሉ ከምዘካየዶ ብምግላጽ ሓላፍነት ወሲድሉ ኣሎ።

ቅድሚ ሰሙን፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኡጋንዳ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቁ ነይሩ እዩ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝኾነ ግበረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ ስለዝኽእል ኣብ ህዝባውያን ቦታታት፡ ኣብ ኣብያት መግብን ባራትን ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቃሳት ጥንቁቓት ክኾኑ ተማሕጺኑ ነይሩ።

ፖሊስ፡ እኹል መርመራ ንምግባር ነቲ መጥቃዕቲ ናይ ቦንባ ዝተኻየደሉ ቦታ ሓጺርዎ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፖሊስ፡ እኹል መርመራ ንምግባር ነቲ መጥቃዕቲ ናይ ቦንባ ዝተኻየደሉ ቦታ ሓጺርዎ ኣሎ።

ውሃቢ ቃል ፖሊስ ኡጋንዳ ፍሬድ ኢናንጋ፡ እቶም ናይ ቦንባ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብቲ ባር ኣትዮም መግብን መስተን ኣዚዞም፡ ነቲ ቦንባ ኣብ ትሕቲ ጣውላ ኣጻዊዶም ከምዝኸዱን ምስ ወጽኡ ከምዝተፈንጀርን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ሎወሪ ሙሰቨኒ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እቲ ተግባር ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ብምግላጽ እቶም ፈጸምቱ ተታሒዞም ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡ ቃል ኣትዩ።

ንሱ " ህዝቢ ክርዕድ የብሉን፡ ነዚ ገበናዊ ተግባር እዚ ልክዕ ከምቲ በቶም ሓሸማታትን ኣብ ህይወት ክብሪ ዘይብሎምን ኣቐዲሙ ተፈጺሙ ዝሰዓርናዮ ክንስዕሮ ኢና" ኢሉ።

ነቲ ተግባር ከምዝሃንደስዎ ዝተገለጹ ኣባላት ኣልሸባብ ተታሒዞም ንሕልፍት ብጽኑዕ ክእሰሩ ከምዝተፈረዱ'ውን ይግለጽ።