ኮሮናቫይረስ፡ ትካላት ድሕነት ኣሜሪካ መበቆል ኮቪድ-19 ከይተፈለጠ ክተርፍ ከምዝኽእል ሓቢሮም

ማስክ ዝገበረ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ቫይረስ ንፈለማ እዋን ኣብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ብ2019 ከምዝተረኣየ ይግለጽ

ንኣበጋግሳ ለበዳ ኮቪድ-19 ክምርምሩ ዝፀንሑ ትካላት ድሕነት ኣሜሪካ መበቆል ኮቪድ-19 ከይተፈለጠ ክተርፍ ከምዝኽእል ገሊፆም፤ እንተኾነ እቲ ቫይረስ ንሰባት ንምጉዳእ ከምዘይተሰርሐ ኣፍሊጦም።

ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ብመሰረት ዘውፅኦ ሓበሬታ፡ እቲ ቫይረስ ካብ እንስሳት ናብ ሰብ ዝተመሓላለፈ ወይ ካብ ቤተ-ፈተነ ልሒኹ ዝወፀሉ ዕድል ክህሉ ይኽእል።

ካብ ክልቲኦም ሓሳባት ወፃኢ ግና፡ ኣብ መበቆል እቲ ቫይረስ ብዝምልከት ኣብ ፅኑዕ መደምደምታ ምብፃሕ ዘኽእል ሓበሬታ ከምዘየለ ተገሊፁ።

እዚ ፀብፃብ ትካላት ድሕንነት ኣሜሪካ ወግዓዊ ምስኮነ፡ ቻይና ነፂጋቶ ኣላ።

ኣብ ግዘ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ዝተኻየደ ምርመራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ወግዓዊ ምዃኑ ይዝከር። እቲ ሕዚ ወግዓዊ ኮይኑ ዘሎ ፀብፃብ መቐፀልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝወፅአ ፀብፃብ መቐፀልታ እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝወፅአ ፀብፃብ፡ ሰብሞያ ደሕንነት ኣብ መበቆል ኮሮናቫይረስ ዝተፈላለየ ቅዋም ከምዘለዎም ኣፍሊጡ ኔሩ።

ኣርባዕተ ትካላት ድሕንነት፡ እቲ ቫይረስ ካብ እንስሳት ከምዝተበገሰ “ብመጠኑ ከምዝግምቱ” እንትገልፁ፡ ሓደ ትካል ደሕንነት ግና በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ፈላማይ ሰብ፡ ካብ ቤተ-ፈተነ ብዝወፅአ ቫይረስ ከምዝኾነ “ርግፀኛ ከምዝኾነ” ገሊፁ።

ኣብ ቻይና ኣብ ከተማ ዉሃን ኣብ ዝርከብ ትካል መፅናዕቲ ቫይረስ ውሽጢ ምርምር ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ሃንደበት ነቲ ቫይረስ ዝተቓልዐ ሰብ ክህሉ ይኽእል ዝብል ግምት ተቐሚጡ።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ዉሃን ክሳብ ዝላባዕ መንግስቲ ቻይና በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ምህላዉ ከምዘይፈለጠ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።

እንተኾነ ቻይና፡ ዓለምለኻዊ ምርመራ ንምትዕንቃፍ ሓበሬታ ከምዝሓበአት እቲ ፀብፃብ ገሊፁ።

መንግስቲ ቻይና፡ መንቀሊ እቲ ቫይረስ ዓሳ ካብ ዝሽየጠሉ ዕዳጋ ከምዝኾነ እዩ ገሊፁ ኔሩ። እቲ ቫይረስ ካብ እንስሳት ናብ ሰባት ዝተመሓላለፈ እዩ ዝብል ግምት’ውን ነዚ ስዒቡ እዩ።

መራኸብቲ ሓፋሽ ኣሜሪካ፡ እቲ ቫይረስ ሃንደበት ካብ ቤተ-ፈተነ ልሒኹ ዝወፀ ክኾን ይኽእል’ዩ ዝብል ፀብፃብ ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ኣቃሊሐን ኔረን።

ቻይና ግና ካብ ቤተ-ፈተነ ዝለሓዀ ቫይረስ’ዩ ዝብል ኣይትቕበሎን።

ነቲ ወግዓዊ ዝኾነ ፀብፃብ ስዒቡ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣሜሪካ፡ “ኣሜሪካ መበቆል እቲ ቫይረስ ንምፍላጥ ኣብ ክንዲ ተመራመርቲ ንሰራሕተኛታት ደሕነት ኣዋፊራ። እዚ ድማ እቲ ምርመራ ፖለቲካዊ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። ቻይና ሳይንስ መሰረት ንዝገበረ ምርምር ግና ክትተሓባበር እያ” ክብል ንሮይተርስ ምላሽ ሂቡ።

ዛጊድ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 240 ሚልየን ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም፡ ልዕሊ 4 ነጥቢ 9 ሚልየን ሰባት ድማ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም እዮም።