ምንጪ ኮቪድ: ኮሮናቫይረስ ካበይ ከም ዝመጽአ ክንፈልጥ ንደሊ'ዶ?

ኣብ ኢዱ መንካዕ ዝሓዘ ተመራማሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ተመራመርቲ ‘‘ግዚኡ ዝሓለወ፣ ግልጺ፣ ብበዓልሞያ ዝተመርሐን ኣብ ስነፍልጠት ዝተመርኮሰን’’ መጽናዕቲ ከምዘደልይ እዮም መራሕቲ እተን ብጉጅለ 7 ዝፍለጣ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዝገለጹ፡፡

ሓያላት ፖለቲከኛታት፡ እቲ ነዚ ለበዳ ዘስዓበ ቫይረስ ካበይ ከም ዝመጽአ ንምፍላጥ ዝግበር መጽናዕቲ ክድግፉ እዚ ናይ ሎሚ ፈላማይ ኣይኮነን፡፡

ኣብ ቀረባ እኳ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ምንጪ ቫይረስ ንምፍላጥ ዝግበር ጻዕሪ ብዕጽፊ ክውስኽ ንሓለፍቲ ድሕነት ኣመሪካ ብምግላጽ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልቲታት መልሲ ሒዞም ክቐርቡ ኣዚዙ እዩ፡፡

እቲ ቫይረስ ካብ ቤተ ፈተነ ቻይና መጺኡ ክኾነሉ ዝኽእል ዕድል እውን ብዕምቀት ክፍትሽዎ ዝጠልብ መምርሒ እዩ፡፡

እቲ ሓደ እዋን ናይ ሽርሒ ክልስ ሓሳብ እዩ ተባሂሉ ተነጺጉ ዝነበረ፡ እቲ ቫይረስ ካብ ቤተ ፈተነ ቻይና ኣምሊጡ ዝመጽአ እዩ ዝብል ሓሳብ፡ ሕዚ ተመሊሱ ሳዕሪሩ ነቲ ዓንተውኡ እውን ሓርፋፍ ዝነበረ ርክብ ቻይናን ምዕራባውያንን መሊሱ ይሓላልኾ ኣሎ፡፡

ቻይና፡ ነቲ ብምዕራባውያን ዝቐርብ ክሲታት ወፈሪ ጠቐነን ምልጋብን ብምባል ትነጽጎ፡፡

ንፈለማ እዋን ኣብ ዉሃን ካብ ዝረኣይ ዓመትን ፈረቓን ገይሩ ዘሎ ኮሮናቫይረስ፡ ካበይ መጺኡ ዝብል ሕቶ ሐዚ እውን ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ፡፡

ብድሕሪ እቲ ኣለሻ ዘሎ ሳይንስ እንታይ እዩ? ብዛዕባ እቲ መሰረቱ ንምፍላጥከ ንምንታይ ክንዮ ፖለቲካ ምኻድ ኣድልዩ?

ዛጊድ ዝፈለጥናዮን . . . ዘይፈለጥናዮን

ኣብ መወዳእታ 2019 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቻይና ዝተርኣየ ሳርስ-ኮቭ-2፡ ኣብ ሰነ 2021 ናብ ሙሉእ ዓለም ተስፋሕፊሑ ን178 ሚልዮን ሰባት ብምልካፍ ን 3.9 ሚልን ሰባት ቀቲሉ፡፡

ካብቶም ኣብ ፈለማ ዝተርኣዩ መልከፍቲታት ምስቲ ኣብ ዉሃን ዝነበረ ጠሊ ዝበዝሖ ዕጋዳ ዝተኣሳሰሩ እዮም ነይሮም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት ኣዋርሕ ድማ፡ ተመራመርቲ እቲ ቫይረስ ቅድሚ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ምትሕልላፉ ካብ እንስሳት ናብ ደቂሰባት ዝሰገረ እዩ ኣብ ዝብል ሓፈሻዊ ምርድዳእ በጺሖም፡፡

ኮይኑ ግና ምስዚ ዝወዳደር ካልእ ክልስ ሓሳብ፡ እቲ ቫይረስ ካብቲ ኣብ ጥቓ ዕዳጋ ዉሃን ዝርከብ፡ ንልዕሊ 10 ዓመት ኮሮናቫይረስ ኣብ መንካዕ መጽናዕቲ እናተገበረሉ ዝጸንሐ ማእከል ስነ ቫይረስ ዉሃን፡ ዘምለጠ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ፡፡

ኣብ ፈለማ እዋናት እቲ ለበዳ እዚ ሓሳብ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ተደጊፉ ዝነበረ ኮይኑ፡ ካልኦት እውን እቲ ቫይረስ ኮነ ተባሂሉ ከም ባዮሎጂካዊ ኣጽዋር ንምጥቃም ብሰባት ዝተሰርሐ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገመቱ ነይሮም፡፡

ላቦራቶሪ ውሃን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቻይና ነቲ ኣብ 2019 ሰለስተ ተመራመርቲ ላቦራቶሪ ውሃን በቲ ቫይረስ ተለኺፎም'ዮም ንዝብል ጸብጻብ ብትሪ ትነጽጎ

እንተኾነ ነቲ እቲ ቫይረስ ብሰብ ከምዝተሰረሐ ዝገልጽ ክልስ ሓሳብ ዘውድቑ ብዙሓት መረዳእታታት ቀሪቦም እዮም፡፡

እቲ ሓሳብ ብዝተኻየደ ዓሚዩቕ መጽናዕቲ ከምዝወደቐ ዝገልጽ ጽሑፍ ዘውጸአ ጉጅለ ተመራመርቲ ‘‘እቲ ቫይረስ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ካልእ ቫይረስ ከምዝመጸ ዘርእይ ቅደም ሰዓብ ሰረት ዘርኢ (ጂን)’’ የብሉን ኢሎም፡፡

ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ ኣንቶኒዮ ፋውቺ እውን ‘‘ ቻይናውያን ኮነ ኢሎም ንባዕሎም ክቐትሉ ቫይረስ ሰሪሖም (ዝብል ሓሳብ)…. ቁሩብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ይመስለኒ’’ ኢሉ፡፡

ኮይኑ ግና እቲ ቫይረስ ከይተሓሰበ ካብ ቤተ ፈተነ ሰሊኹ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ ቀረባ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ፡፡

መበቆሉ ዝምልከት ሕቶ

ገለ ተመራመርቲ ነቲ እቲ ቫይረስ ካብ ቤተ ፈተነ ዝሰሎኸ ክከውን ይኽእል ዝብልን፡ ካብ ከም መንካዕ ዝኣመሰሉ እንስሳታት ብቐጥታ ናብ ሰብ ተመሓላሊፉ ዝብልን ክልስ ሓሳባት ምትኳር የድግፉ፡፡

እቲ ቀዳማይ ክልስ ሓሳብ ‘‘ሐዚ እውን ክነዓቕ ዘይብሎ ተኽእሎ እዩ’’ ክብሉ ተመራመርቲ ኦውስትርያ ፣ ስፔን፣ ካናዳ፣ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ጽሒፎም ነይሮም፡፡

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት መበቆል እቲ ቫይረስ ንምጽናዕ ናብ ቻይና ተጓዒዙ ዝነበረ ጉጅለ ሰብሞያ ውድብ ጥዕና ዓለም እውን እቲ ዘምጸኦ ጸብጻብ እቲ ቫይረስ ካበይ መጺኡ ንዝብል መደምደምታ ኣይረኸበን፤ የግዳስ ካብ ዝረኸቦ መልሲ ዘልዓሎ ሕቶታት እዩ ዝበዝሕ፡፡

ኣብ ወርሒ ጉንበት: 18 ፍሉጣት ተመራመርቲ ኣብ መጽሄት ሳይንስ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ‘‘እኹል መረዳእታ ክሳብ ዝርከብ ብተፈጥሮን ካብ ቤተ ፈተነን ተሳጊሩ ዝብሉ ክልሰ ሓሳባት ብጽኑዕ ክንርእዮም ኣለና’’ ኢሎም፡፡

ካብቶም ነቲ ደብዳበ ዝጸሓፉ ተመራመርቲ ዝኾነ ፕሮፌሰር ደቪድ ሮበርትሰን ‘‘ዋላ እቲ ኣብ ዉሃን ዝርከብ ትካል መጽናዕቲ ኢድ እንተሃልይዎ፡ ሐዚ እውን ግን እቲ ቫይረስ ካበይ ከም ዘምጽእዎ ክንፈልጥ ኣለና፤ ኣበይ ረኺቦምዎ’? ካብኣቶም እዩ ነቒሉ ንምባል እቲ ዘጽንዕዎ ዝነበሩ ቫይረስ ምስ ሳርስ-ኮቭ-2 ዝመሳሰል ኣይኮነን’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ንሱ ‘‘ነቲ ካብ ቤተ ፈተነ ዝሰሎኸ እዩ ዝብልን ተፈጥሮኣዊ መበቆል ዘለዎን እዩ ዝብልን ሓሳብ ብማዕረ ምርኣይ’’ ኣይቅበሎን፡፡

ብተወሳኺ ዋላኳ ክልቲኦም ክኾኑ ዝኽእሉ ዕድላት እንተኾኑ፡ እቲ ተፈጥሮኣዊ መበቆል ግን ዝዓበየ ተኽእሎ እዩ ኢሉ፡፡

ሓደ ክኢላ ላቦራቶሪ ንቅምሶ ናይ ኮሮናቫይረስ እናረኣየ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ተፈጥሮኣዊ ክስተት'ዶ ሓደጋ ቤተ ፈተነ?

ብምስሏኽ ንዝኣምኑ፡ ታሪኽ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ጽቡቕ መርትዖ እዩ፡፡

መብዛሕተኦም ከም ኢንፍለወንዛ፣ ኤችኣይቪ፣ ኢቦላን መርስን ዝበሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓንቲ ተፈጥሮኣዊ ‘‘ምንጣር’’ ቫይረስ ዝተኸሰቱ እዮም፡፡

ኣብ መንካዓት ቻይና ዝነበረ ኮሮናቫይረስ ሰባት ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ቅድሚ እቲ ለበዳ፡ ኣብቲ ኣብ ውሃን ዝነበረ ቤተ ፈተነ ተሰኒዱ ነይሩ እዩ፡፡

ካብ ቤተ ፈተነ ሰሊኹ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ድማ፡ ኣብታ ዓብዪ ሓለዋ ዝግበረላን ብዙሓት ሓደገኛ ኮሮናቫይረሳት እተተኣንግድን ከተማ ምግጣሙ ብጥርጣረ እዮም ዝርእይዎ፡፡

እዞም ሰባት ከም መረዳእታ ዘቕርብዎ ድማ፡ እቲ ቫይረስ ቅድሚ ምግፍሑ ኣብ ቀውዒ 2019 ሰለስተ ተመራመርቲ እቲ ቻይናዊ ቤተ ፈተነ ሓሚሞም ነይሮም ዝብል ጸብጻብ ድሕነት ኣመሪካ እዩ፡፡ ቻይና ግን ነቲ ጸብጻብ ትነጽጎ፡፡

ቀጸልቲ ለበዳታት ደው ምባል

ሰብኣዊ ኪሳራታት እናዓበየ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ተመራመርቲ ቀጸልቲ ለበዳታት ደው ንምባል መበቆሎም ምፍላጥ ዝግበር ኣለሻ ይድግፉ፡፡

‘‘ብዙሓት ሕማም ከስዕቡ ዝኽእሉ ቫይረሳት ኣለዉ’’ ዝብል ኢዲተር ሳይንቲፊክ ኣመሪካንስ ጆሽ ፊችማን ‘‘ ስለዚ መልሲ ምርካብ ዓብዪ ነገር እዩ፡፡ ምኽንያቱ ቫይረስ ዘንቀሎ ለበዳ ከመይ ከምዝጅምር ምፍላጥ ኣቓልቦና ተመሳሰልቲ ኩነታት ኣብ ምክልኻል ከተኩር ዝገብር እዩ’’ ይብል፡፡

መበቆል እቲ ‘‘ቫይረስ ቻይና’’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ኮሮናቫይረስ ምፍላጥ መግለልትን ዘርኣዊ ኣረኣእያታትን ንምትራፍ ይሕግዝ እዩ፡፡

ካብ እንስሳት ከምዝሰገረ እንተተረጋጊጹ ድማ ኣብ መላእ እስያ ፍሉጣት ዝኾኑ ራሕሲ ዘለዎም ዕዳጋታት ቁጽጽር ንምግባር ዝሕግዝ እዩ፡፡

ብኻልእ ገጽ እቲ ካብ ቤተ ፈተነ ዝሰሎኸ እዩ ዝብል ሓሳብ እንተተረጋጊጹ ድማ ኣብ ቤተ ፈተነታት ቁጽጽር ሓድሽ ባዮሎጂካዊ ድሕነት ክህሉ ዝገብር እዩ፡፡

ቻይና ብካልእ ገጽ፡ እቲ ቫይረስ ምስ ዝዘሓለ ስጋ ናብታ ሃገር ካብ ወጻኢ ዝኣተወ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገልጽ ክልሰ ሓሳብ ተቕርብ ኣላ፡፡

ዕዳጋ ዓሳታት፡ ውሃን ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዕዳጋ ዓሳታት፡ ውሃን ቻይና

ቁርጽ ዝበለ መልሲ ንረክብ ዶ ንኸውን?

ሓድሽ መርትዖታት ብዝመጽአ ቑጽሪ፡ ሳይንስ ዝጸንሑ ክልሰ ሓሳባት ይክልስን ይቕይርን እዩ።

ስለዚ ናብ ናይ መደምደምታ መልሲ ዘይክንበጽሕ ንኽእል ኢና፡፡ እንተንበጽሕኳ ሓደሽቲ ሕማማት ካበይ እዮም ዝመጹ ዝብል ቅቡል ንምግባር ብዙሕ ዓመት እዩ ዝወስድ፡፡

ንኣብነት 800 ሰባት ዝቐተለ ለበዳ ሳርስ፡ ካብ መንካዕ ከምዝመጸ ክሳብ 2017 ን 15 ዓመታት ኣይተረጋገጸን ነይሩ፡፡

ኣብ 1980ታት ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለም ዝሰሓበ ሕማም ኤችኣይቪ ዛጊድ ን 76 ሚልዮን ሰባት ለኺፉ እዩ፡፡

ዋላ'ኳ ነዊሕ መጽናዕቲታት እንተተኻየደ ኣብ መፋርቕ 2000 እዩ መበቆል እቲ ቫይረስ ምስ ቺምፓንዚ ዝተባህለ ዓሌት እንስሳ ከም ዝተሓሓዝ ዝተፈለጠ፡፡

ኮይኑ ግና መበቆል እቲ ቫይረስ ንምፍላጥ ዝግበር ምርምር ውሑስ ከባቢ ምርምር ይፈጥርዶ? ዝብል ካልእ ሕቶ ኣሎ፡፡

ዋላ እቲ ቫይረስ ካብ ቤተ ፈተነ ዝሰሎኸ ምዃኑ እንተተረጋጊጹ፡ ድሕሪ ሕዚ ግን ኣየጋጥምን ማለት ኣይኮነን ይብሉ ሰብ ሞያ፡፡

ቅድሚ ሕዚ ብዙሓት ቫይረሳትን ተህዋስያንን ንኣቑሑት ቤተ ፈተነ ሓሊፎም ንደቂ ሰባት ኣጥቂዖም እዮም፡፡

እቲ ለበዳ ሰባት ምቕታሉ ይቕጽል ኣብ ዘለሉ እዋን ድማ መበቆል እቲ ቫይረስ ምፍላጥ ዋላ'ኳ ጠቓሚ እንተኾነ ቀዳምነት ዝወሃቦ ግን ኣይኮነን ኢሎም ዝከራኸሩ እውን ኣለዉ፡፡