ሰሜን ኮርያ ናብ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ሚሳይል ወንጪፋ

ኪም ጆንግ-ኡን

ምንጪ ስእሊ, KCNA

ሰሜን ኮርያ ብውሕድ ሓደ ተወንጫፊ ሚሳይል ናብ ማያዊ ገማግም ጃፖን ከምዝተኮሰት ሚኒስተራት ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ኣፍሊጦም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድሕነት ደቡብ ኮርያ፣ ጃፓንን ኣሜሪካን ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ንምዝርራብ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን'ዩ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት'ውን ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዙ ሚሳይላትን ጸረ-ኣየር ኣጽዋርን ፈተነታት ክተካይድ ምቕናያ ይዝከር።

ገለ ካብ ዘካየደቶም ፈተነታት ከኣ ንዝተገደቡ ዓለምለኸ ማዕቐባት ዝጠሓሱ ነይሮም።

ሰሜን ኮርያ፤ ፈተነታት ባላስቲክ ሚሳይላትን ኒኩሌራዊ ኣጽዋራትን ፈጺማ ከይተካይድ ካብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ከምዝተገበረላ ይፍለጥ።

መግለጺ ቪድዮ, ምሉእ ኣካላቶም ዝተሸፈኑ ተሃደራት ሰሜን ኮርያ ዘካየድዎ ወተሃደራዊ ምርኢት

ደቡብ ኮርያ ሎሚ ሰሉስ ከምዘፍለጠቶ ግን እታ ሃገር ካብ ወደብ ሲንፖ ሓደ ሚሳይል ኣወንጪፋ'ላ። ባሕሪ ጃፓን ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ድማ ዓሊቡ።

ነቲ ምውንጫፍ "ኣዝዩ ዘሕዝን" ክብል ዝገለጾ ቀዳማይ ሚኒስተርር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ፤ ክልተ ተወንጨፍቲ ሚሳይላት ከምዝተተኮሱ ሓቢሩ።

ሰሜን ኮርያ ነቲ ደቡብ ኮርያ እተማዕብሎ ዘላ ኣጽዋራት ስዒቡ ፈተነታት ሚሳይል ተጽዕቕ ከምዘላ ዝግለጽ ኮይኑ፤ በዚ ምኽንያት ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ውድድር ኣጽዋር ይካየድ ምህላዉ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣብዚ ሰሙን ዝኸፈተት ደቡብ ኮርያ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ባዕላ ሮኬት ናብ ህዋ ክተወንጭፍ ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ።

ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ኮርያ ኲናት ክውላዕ ድልየት ከምዘይብሉ ዝገለጸ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ሃገሩ ግን ካብ ጸላእታ ብፍላይ ካብ ኣሜሪካ ንምክልኻል ዘኽእላ ኣጽዋራት ምምዕባል ከምእትቕጽል ኣፍሊጡ።

ምምሕዳር ባይደን ምስ ሰሜን ኮርያ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ቅሉዕ ዝኾነ ዝርርብ ንምግባር ድልው ከምዝኾነ ብልኡኽ ኣሜሪካ ኣቢሉ ደጋጊሙ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ገሊጹ'ሎ።

ኣብ ሕሉፍ ዝተኻየዱ ዝርርባት ኣሜሪካን ሰሜን ኮሪያን ኣብ ምቁራጽ ምምዕባል ኒኩሌር ብዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ውጽኢታውያን ከይኮኑ ምትራፎም ይዝከር።

ኣሜሪካ እቶም ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተነበሩ ማዕቐባት ቅድሚ ምፍኳሶም እታ ሃገር ዘለውዋ ኒክሎሳዊ ኣጽዋር ክተዕንው ጻውዒት ተቕርብ፤ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ብወገኑ ነዚ ሓሳብ ይነጽጎ።

መግለጺ ቪድዮ, ዘስደምም ወተሃደራዊ ምርኢት ሰሜን ኮርያ