ኣውስትራልያ፡ ኣብ በረኻ ዝጠፍኡ መሓዙት ብዘይ ማይ ንመዓልታት ጸኒሖም

ኣሊስ ስፕሪንግ ኣብ ዝተነብሃለ ከባቢ ዝጠፍኡ ኣወዳት

ምንጪ ስእሊ, NT Police

ፖሊስ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ በረኻ ጠፊኦም ዝነበሩ መሓዙት ንመዓልታት ማይ ከይጠዓሙ'ኳ እንተጸንሑ፤ 'ብተኣምር ብህይወት ክተርፉ' ክኢሎም።

ወዲ 14 ማሂሽ ፓትሪክን ወዲ 21 ሻወን ኢሚዣን፤ ኣሊስ ስፕሪንግስ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብዓርብን ቐዳምን ተፈላለዮም እዮም ተረኺቦም።

ክልቲኦም ብጽምኢ ማይ ጎረረኦም ደሪቑን ደኺሞምን'ኳ እንተነበሩ፤ ንህይወቶም ኣስጋኢ ኣይኮነን ኢሉ- ፖሊስ።

ኣብ ጸምጸም በረኻ፡ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝኣክል ብመኪና ዝተጓዕዙ እቶም መሓዙት፤ መኪነኦም ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ'ያ ኣብ ጭቃ ተሸኺላ ተረኺባ።

እታ ኣብ ጭቃ ዝተሸኸለት መኪነኦም ከንቀሳቕስዋ ስለዘይከኣሉ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ ለይቲ ምስታ መኪና ሓዲሮም።

ኣብ ቀጻሊ መዓልቲ ግና፡ ኣንጊሆም ማይ ኣለሻ ወፊሮም።

ካብኡ ድማ፤ ሰብ ስልጣን ከምዝበልዎ፤ ብዝተጋጋየ መገዲ ን5 ኪሎሜትሮ ዝኣክል ተጓዒዞም።

ካብኡ ናብታ ዝነብሩላ ሄርመንስበርግ [ካብቲ ዝጠፍእሉ በረኻ 120 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ] ክምለሱ ብዘይምኽኣሎም፤ ጠፊኦም ተባሂሎም ተነጊሩ።

እቶም መሓዙት ንሓንቲ ለይቲ ግን ኣብ ሓደ ገደል ፍልፋሊ ማይ ከምዝረኸቡ ፖሊስ ተዛሪቡ።

ሰሜናዊ ግዝኣት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኮማንደር ኪሪስቲን ኢንጅልስ፤ "እቲ ማይ ዝረኸብሉ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ሰሉስ እዩ መስለኒ" ኢሉ።

ፖሊስ ከምዝበሎ፡ እቶም መሓዙት ስለምንታይ ከምዝተፈላለዩ ምኽንያቱ ዛጊድ ኣይተፈልጠን።

ማሂሽ ንበይኑ ኣስታት 35 ኪሎሜትሮ ምስተጉዓዘ ሓጹር ረኺቡ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኸኣ ብዓርቢ ተረኺቡ።

ደሓር ግን ነበርቲ እቲ ከባቢ ስለዘለለዩዎ፡ ናብ ናቱ ማሕበረሰብ ከምዝወሰድዎን ፖሊስ ተዛሪቡ።

ካብኡ ድማ፡ ምስ ፖሊስ ኮይኑ ነቲ ካልእ መሓዝኡ ዝኾነ ኢሚዣ ኣብ ምእላሽ ተሳቲፉ ተባሂሉ።

"ብህይወት ምጽነሖም ኣዝዮም ዕድለኛታት እዮም።ምኽንያቱ እቲ ከባቢ ከመይ ከቢድ ከምዝኾነ ኩላትና ንፈልጥ ኢና" ኢሉ ምክትል ኮማነደር፡ ፖሊስ ኢንግልሰ።

ሰብ ስልጣን፡ ከምዚ ኣብ በረኻ ዝኾነ ጸገም ከጋጥም እንተሎ፡ ሰባት ኣብ መኪነኦም ክጸንሑ ከምዝግባእ እዮም ዝምዕዱ።

ምክንያቱ ድማ፡ ብነፈርቲ ብዝግበር ኣለሻ ንምርካቦም ምቹእ ምዃኑን ካብ ዝኾኑ ሓደጋታት ኣራዊት ንምክልኻልን እዩ።

ከምኡ'ውን፡ ናብቲ ከባቢ ዝገሹ ሰባት ነፍሲወከፎም ብውሕዱ ንመዓልታት ዘጽነሖም መግቢ ክሕዙ ከምዝግባእ ይመኽሩ።