ብደቂተባዕትዮ ንዝተዓብለለ ስራሕቲ 'ድርሰት' ዝቕይራ ዘለዋ ሶማልያውያን ጸሓፍቲ

ሶማልያውያን ደቂኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, KATE STANWORTH

ኣብ ቀረባ እዋን ምስታ ሽልማት ዝወሰደት ጸሓፊት ኡባ ክሪስቲና ዓሊ ፋራህ ኣብ ደሴት ጣልያን ሲሲሊ ኣብ ዝተዳለወ ፌስቲቫል ቤተ-ንባብ ተራኺብና ኔርና።

ኣባል ናይቲ ንሶማሊያውያን ደቂኣንስትዮ ደሓፍቲ ዝሓቁፍ ማሕሕበር እያ። እዚ ማሕበር ነታ ኣብ ቀረባ ‘ዘ ፎርቹን ማን’ ብዝብል ድርሰታ ንሽልማት ‘ማን ቡከር’ ተሓጽያ ዝነበረት ናዲፋ ሞሓመድ እውን ብኣባልነት ይሓቁፍ።

ሶማሊያ ንነዊሕ ክፍለዘመናት “ናይ ገጠምቲ ሃገር” ብዝብል ትፍለጥ’ኳ እንተጸንሐት ነቲ ዓውዲ ብዋናነት ዝቆጻጸእዎ ግን ደቂተባዕትዮ ነይሮም። ሶማሊያዊት ጓልኣንስተይቲ ዛንታ ወይ ድርሰት ክትጽሕፍ ዝተለመደ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን ግን ኣብ ማሕበረሰብ ሶማሊያውያን ዳያስፖራ ክዕብልላ ጀሚረን ኣለዋ።

ክርስቲና ዓሊ ፋራህ ከምዝበለትኒ እዚ ካብ ሶማሊያ ወጺአን ዝርከባሉ ህይወት ነቲ ኣብ ውሽጠን ዘሎ ናይ ስነጽሑፍ ባህጊ ከውጽአ “ሰፊሕ ዕድል” ይፈጥረለን።

ዝተረስዑ ድምጽታት

ክርስቲን ዓሊ ፋራህ ብ1970ታት ካብ ሶማሊያዊ ኣቦን ጣሊያናዊት ኣዶን ኣብ ቬሮና ጥልያን ተወሊዳ። ኣቡኣ ዝሓሸ ዕድል ትምህርቲ ንምርካብ’ዩ ካብ ሶማሊያ ወጺኡ ነይሩ። ደሓር ድማ ሓዳሽ ነጻ ሃገር ንምምስራት ስድርኡ ሒዙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ኣብ ከተማ ሞቓዲሹ ዝዓበየት ክርስቲን ብቋንቋታት ሶማሊን ጥልያንን ተማሂራ። ምንባብ እትፈትውን መዓልታዊ ተጓንፎታት ኣብ ‘ዲያሪኣ’ [መዘክራ] ምስናድ እትፈትውን ነይራ።

ኣብ 1991 ከኣ ጓል 18 ዓመት ኮይና ኣብ ሶማሊያ ኲናት ሓድሕድ ብምውልዑ ስድርኣ ዳግም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ተገዲዶም። ብድሕሪኡ ናብ ጣልያን ተመሊሳ ምንባር ቀጸለት። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ቤልጂየም ትነብር።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማሊያውያን ካብ ሃገሮም ተሰዲቶም ወጺኦም። እቲ ዘሕለፍዎ ተሞክሮ ከኣ ንኽትጽሕፍ ኣለዓዒልዋ። ብፍላይ ድማ ናይ ደቂኣንስትዮ ዛንታታት።

እተን ደቂኣንስትዮ እቲ ጎንጺ ኣብ ቅድሚ ዓይነን ይካየድ ብምንባሩ እንታይ ከምዝተፈጸመ ዝተፈለየ “ተዘክሮ” ኣለወን ትብል።

እትጽሕፈሉ ምኽንያት ድማ ደቂኣንስትዮ ሶማሊያ “ንኸይርስዓ” ብዝብል ከምዝኸነ ተረድእ።

“ቀንዲ ሕቶታተይ ‘ኣብቲ ዝተወለድካሉ ቦታ ዘሎ ኩሉ ነገር እንተዓንዩ እንታይ እዩ ዝፍጠር? መቦቆልካ ንምፍላጥ እንታይ ኢኻ ክትገብር? ንምንባርከ እንታይ ትገብር?’ ዝብሉ ነይሮም” ትብል።

‘ሊትል ማዘር’ ዝብል ርእሲ ዘለዎ ፈላሚ ድርሰታ ኣብ 2007 ዝተሓተመ ኮይኑ፤ ብኣጋጣሚ ኣብ ኣውሮጳ ንዝተራኸባ ክልተ ደቂሓትኖ መሰረት ዝገበረ ዛንታ የዘንቱ።

ሶማሊኛ ንክፍለዘመናት ንመዘራረቢ እምበር ንጽሑፍ ኣይወዓለን ጸኒሑ። ኣብ 1972 ድማ ብናይ ላቲንፊደላት ናብ ጽሑፍ በቒዑ።

እዚ ከኣ ኣብ ስነጽሑፍ እታ ሃገር ዓብዪ ትርጉም ዘምጽአ ኮይኑ።

ድርሰታት ናይ ምጽሓፍ ልምዲ ዝጠጥዐሉ ዕድል ኣብ ደገ ብዝርከቡ ተወለድቲ እታ ሃገር ክኸውን ከሎ፤ መሰረቶም ግን ካብቲ ካብ ወለዶታት እናተሰጋገረ ዝመጽአ ኣፋዊ ልምዲ እዩ።

ብወለዲ ዝመቻቾ መርዓ

እታ ጸሓፊት ‘ለ ስታዚዮኒ ዴላ ሉና’ (Phases of the Moon) ማለት ‘ገጻት ወርሒ’ ዝብል ርእሲ ዝሃበቶ ሓድሽ መጽሓፋ ንምልላይ ኣብ ዋና ከተማ ሲሲሊ - ፓሌርሞ ትርከብ።

እቲ ዛንታ ድማ ሶማሊያ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሕቡራት ሃገራት ንዝነበረትሉ እዋን መሰረት ዝገበረ ኮይኑ፤ ንናጽነት ንዝገብር ቃልሲ የዘንትው። እዚ መጽሓፍ ንምጽሓፍ ዘለዓዓላ ድማ ኣበነብሲ ድርሰት ሶማሊ ብዝብል ዝፍለጥ ኑረዲን ፋራህ ከምዝኾነ ትገልጽ።

‘ፍሮም ኤ ክሩክድ ሪብ’ ዝብል ርእሲ ኣብ 1970 ዝጸሓፎ መጽሓፍ ንሓንቲ ብጉስነት እትናበር ‘ኢልባ’ ዝብል ስም ዝሃባ ገጸ-ባህርይ መሰረት ይገብር። ንሳ ወለዳ ካብ ዘምጽኡላ ሓዳር ሃዲማ ናብ ከተማ ሞቓዲሹ ትኣትው። ናብኡ ከይዳ ድማ ካብ ደቂተባዕትዮ ብዝበጽሓ ብድሆታት ትፍተን።

ክርስቲና ዓሊ ፋራህ እውን ኣብ መጽሓፋ ንዘላ ገጸ-ባህርያ ልክዕ ከምታ ናይ ኑረዲን ‘ኢልባ’ ኢላታ’ላ። “ንዝኽሪ ኑረዲን እዩ” ክትብል ድማ ምኽንያታ ነጊራትኒ።

ኣብ ድርሰታ ዘላ ኢልባ ግን ናብቲ ንደቂኣንስትዮ ሶማሊያ ዘመናዊ ዕድላት ዝሓዘ ናጻ ዝኾነ ዓለም’ያ ትሃድም።

“ስነጽሑፍ ማለት ምስ ካልኦት ጽሑፋትን ድርሰታትን ምዝርራብ ማለት’ዩ” እትብል ክርስቲና እቲ ዝርርብ ድማ ኣብ ሞንጎ ሎምን ሕሉፍን ከምዝኾ ተረድእ።

ብጽሑፋታ ኣቢላ ድማ ኣብ ሞንጎ ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝርርብ ክካየድ ትገብር። እዚ ዕድል ኣብ ጋህዳዊ ዓለም ሶማሊያ ዝተለመደ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋን ንሳ ዝረኸበቶ ዓወትን ካልኦት ከምኣ ዝበላ ጸሓፍቲ ዝደርስኦም መጻሕፍትን፤ ድሕሪ ሕዚ ደቂኣንስትዮ ሶማሊያ ከይዛረባ ድምጸን ዝዕፈናሉ ኩነታት ከምዘይህልው ኣረጋጊጾም ኣለዉ።