ኔቶ ብስለላ ንዝጠርጠሮም ሸሞንተ ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ሰጒጉ

ኔቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ - ኔቶ- ብሕቡእ ኣብ ናይ ስለላ ስራሕቲ ይነጥፉ ነይሮም ዝበሎም ሸሞንተ ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ሰጕጉ።

እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ዝሰርሑ ንዝነበሩ ልኡኻት ሩስያ ብዝሖም ብፍርቂ ከም ዝነከዮም ተፈሊጡ።

ኔቶ ብድሕሪ’ቲ ኣብ 2018 ንሸውዓተ ሩስያውያን ብምኽንያት ሕቡእ ስራሕቲ ስለላ ካብ ስራሕ ዝኣገደሉ ውሳነ እዚ ናይ ሎሚ ንኻልኣይ ጊዜ ዘተግበሮ ተወሳኺ ውሳነ ኮይኑ’ሎ።

መራሕቲ ሩስያ ብወገኖም ምዕራባውያን ነታ ሃገር “ከም ሕንጉጉ” ከም ዝርእይዋ ብምግላጽ ይነቕፉ።

“ምዕራባውያን ምስ ሩስያ ዘለዎም ፖሊሲ ዲፕሎማሲያዊ ምፍጣጥ ቀጺሎምሉ ኣለዉ” ይብል ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣሌክሳንደር ግሩሽኮ።

እቲ ምስጓግ “ቅትለታትን ስለላን ዝርከብዎም ተንኮል ዝተመልኦም ንጥፈታት ሩስያ ብምጥርጣር” ከም ዝሰዓበ ጸብጻብ ስካይ ኒውስ የመልክት።

ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኔቶን ዘሎ ርክባት ክሕርፍፍ ዝጀመረ እታ ሃገር ኣብ 2014 ንክረምያ ካብ እትጎብጥ ንደሓር ምዃኑ ይግለጽ።

“ኣባላት ስለላ ሩስያ ምዃኖም ናይ ዝተረጋገጸ ሸሞንተ ኣባላት ልኡኽ ሩስያ ስራሕ ፍቓድ ከም ዝሰረዝናዮ ክነረጋግጽ ንደልይ” ኢሉ በዓል ስልጣን ኔቶ።

“ንዓመጻዊ ስጉምትታት ሩስያ ምላሽ ንምሃብ ናይ ምክልኻልን ንምግታእን ዓቕምታትና ኣጠንኪርና ኣለና” ዝበለ እቲ በዓል ስልጣን ሕዚ’ውን ግን ምስታ ሃገር ንምዝርራብ ድልዋት ከም ዝኾኑ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ሩስያ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ወጻኢ ጉዳያት ኢዮኒድ ስሉትስኪ፡ ሩስያ ነዚ ውሳነ ግብረመልሲ ከም እትህብ ኣአንፊቱ’ሎ።

እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ንዝብል ግን መብርሂ ኣይሃበን።