ስደተኛታት ሄይቲ፡ ‘ናብ ኣሜሪካ ንክበጽሕ ንኽልተ ኣዋርሕ ብእግረይ ተጓዒዘን ኣህጉር ኣቋሪጸን'

ምንጪ ስእሊ, Iván Reyes
ስደተኛታት ሄይቲ ብማዕበላዊ ዋሕዚ ናብ ዶብ ኣሜሪካ-ሜክሲኮ ይበጽሑ ኣለዉ።
ገሊኦም ንኣዋርሕ ብእግሮም ይጓዓዙ፤ ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ እንተተፈቒዱሎም ተስፋ ብምግባር ካብ ቺለ ዝጅምር ነዊሕ ናይ እግሪ ጉዕዞ ይገብሩ።
ሓደ መንእሰይ ስደተኛ ሄይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣሜሪካ ንኽኣትው ሕጋዊ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቡ ምስ ኣዲኡ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ዕላል “ኣደይ ነጻ ኮይነ ኣለኹ፤ ጽቡቕ ኣለኹ” ክብል ይዛረብ።
ኣብታ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ሃገረ ሄይቲ ዘዕለቕለቐት ምስ ሜክሲኮ እትዳበው ንኡሽቶ ከተማ ዴል ሪዮ መዕቖቢ እንተረኸበ ይጽበ ኣሎ።
ሰሉስ 21 መስከረም 2021 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ወጋሕታ ሰዓት 2፡30 ሰለስተ መኻይን ናብ ጥቓ መእተዊ እቲ መዕቆቢ ብምምጻእ ደው በላ።
ሓደ ካብ ኣባላት ሓለዋ ዶብ ካብ መኪና ብምውራድ ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈቶ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒታት እታ ከተማ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ስደተኛታት ሓደ ብሓደ ክወጽኡ ጀመሩ።
ደቂተባዕትዩ፣ ደቂኣንስትዮን ህጻናትን እዮም።
ሓደ ካብ ወለንተኛታት “እንቋዕ ብደሓን መጻእኹም፤ ንየማን ገጽ መስርዕ ሓዙ” ምስ በሎም ድማ መስርዖም ሒዞም።
በዚ ንነብሶም ከም ዕድለኛ ቆጸሩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ኣሜሪካ ዕቑባ ንምርካብ ዘኽእሎም መሰርሕ ክጅመረሎም’ዩ።
ኣብታ ሃገር ዝጸንሑሉ ፍቓድ እውን ኣለዎም።
ንሳቶም ካብቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝርከቡን ናብ ሃገሮም ዝተጠረዙን ዜጋታት ሄይቲ ዝሓሸ ዕድል ዝረኸቡ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Iván Reyes
ወግዓዊ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ወርሒ መስከረም ጥራይ ኣስታት 14,000 ሰባት ኣብታ ከተማ ዘዕቖቡ ኮይኖም መብዛሕቲኦም ድማ ዜጋታት ሃይቲ ከም ዝኾነ ይግለጽ።
እዚ ቁጽሪ ድማ ብመሰረት ኣብ 2020 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ ዝነበረ መረዳእታ 35,000 ዘይመልእ ብዝሒ ህዝቢ ካብ ዘለዋ ከተማ ዴል ሪዮ ነቲ 40 ሚኢታዊት ይሽፍን።
ካብ 16 ክሳብ 18 መስከረም ኣብ ዝነበረ እዋን ብዝሒ ካብ ሄይቲ ናብታ ከተማ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ ዝነበረ ኮይኑ፤ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 12,000 ሰባት ከምዝተቐበለት መረዳእታታት የመልክቱ።
‘ቫል ቨርድ’ ዝተባህለ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝሰርሕ ማእኸል ንስደተኛታት መጽለሊ ብምሃብ ይፍለጥ።
ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን በብወርሑ ልዕሊ 100 ሰባት ይቕበል ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ግን መዓልታዊ ልዕሊ 300 ስደተኛታት ይቕበል ኣሎ።
ስደተኛታት ብሓለውቲ ዶብ ክተሓዙ ከለዉ ሰለስተ መምርሕታት ይወሃብዎም፤ ክዳውንቶም ከውጽኡ፣ መእሰሪ ጫምኦም ክፈትሑን ሞባይል ስልክታቶም ክድብርዩን።
ንመዓልታት ኣብቲ መዓስከር ኮይኖም እናተጸበዩ ብሰብመዚ ቃለ-መሕትት ምስተገበረሎም እቶም ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ተቐባልነት ዝረኸቡ ስደተኛታት ዕቑባ ክረኽቡ ዘኽእሎም ፍርም ክመልኡ ይጅምሩ።

ምንጪ ስእሊ, Iván Reyes
ናብ ማእኸል ስደተኛታት ቫል ቨርደ ተላኢኾም ድማ ኣብ ህይወቶም ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ክጅምሩ ይግበር።
እቶም ስደተኛታት ናብቲ መጽለሊ ምስ ኣተዉ ቀልጢፎም ክፍጽምዎ ዝደልይዎ ሓደ ተግባር እንተሃለወ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዘለዉ ቤተሰቦም ብስልኪ ምርኻብ’ዩ።
ምስ ረኸብዎም ድማ ናብቲ ዝደልይዎ ቦታ ንኽበጽሑ ዘኽእሎም ትኬት ክገዝኡሎም ይሓትዎም።
ህይወት ኣብ ትሕቲ ድልድል
ጓል 24 ዓመት ሄይቲያዊት ፋፋኔ በይን አይሜ ነብሰጾር እያ። ኣብ ትሕቲ ድልድል እትነብር እዛ ስደተኛ ስእሊ ወይ ቪድዮ ንክትሰኣል ፍቓደኛ ኣይኮነትን።
ምኽንያቱ ድማ እቲ ንነዊሕ እዋን ዘይተመሸጠ ጸጉሪ ርእሳ ክረኣይ ስለ ዘይትደልይ እዩ።
ፋፋኔ ናብ ዶብ ኣሜሪካ ክትበጽሕ ክልተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ናይ እግሪ ጉዕዞ ከም ዝገበረት ትዛረብ።
ናብቲ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዝርከብ ሪዮ ግራንዴ ዝበሃል ቦታ ምስበጽሐት ግን ተስፋ ዘቑርጽ ነገር’ዩ ተጸብይዋ።
ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ጥቓ ንዶብ ኣሜሪካ ዘመልክት ሩባን ሓጹርን ተዓጊቶም ጸንሕዋ።
ብ22 መስከረም ድማ ኣባላት ሓለዋ ዶብ ኣሜሪካ ናብቲ ግዚያዊ መጽለሊ ከምዝወሰድዋ ትዛረብ።
“ኣብ ትሕቲ ድልድል ምንባር ከቢድን ዘይምቹእን ነይሩ። ከምዚ ነብሰጾር ኮይነ ድማ ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ” ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።
ልክዕ ከምቲ ካልኦት ስደተኛታት ዝሓለፍዎ ንሳ’ውን ካልእ ሃገር ክትሰግር ተገዲዳ’ያ። ኣብ 2019 ናብ ቺለ ብምእታው ንኽልተ ዓመት ምስ ጸንሐት ናብ ስድርኣ ዳግም ክትምለስ’ኳ ሓሲባ እንተነበረት፤ ኣብ መወዳእታ ዝወሰነቶ ውሳነ ግን ናብ ቅድሚት ምግስጋስ ኮነ።
“ካብ ቺለ ክወጽእ ዝወሰንኩሉ ምኽንያት ምስ ኣደይ ንዓመታት ክራኸብ ብዘይምኽኣለይ እዩ። ካብ ሃገርካ ወጺእኻ እትስደደሉ ምኽንያት ዝሓሸ ናብራ ብምድላይ እዩ” ትብል።
ካብ ቺለ ክትብገስ ከላ ምስቶም ኣብ ካሊፎርኒያ ዝርከቡ ኣባላት ቤተሰባ ንምርኻብ ተስፋ ብምግባር ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣህጉር ኣቋሪጽካ ዝግበር ጉዕዞ
ካብ ሃይቲ ንዝብገሱ ስደተኛታት እቲ ጉዕዞ ኣዝዩ ነዊሕ’ዩ ዝኾኖም። መብዛሕቲኦም ጉዕዞኦም ካብ ቺለ ይብገስ።
ናብ ኣሜሪካ ንምብጻሕ ከኣ ሰለስተ ኣዋርሕ ይወስደሎም።
ካብ ቺለ ምስ ተበገሱ ናብ ማእኸላይ ኣሜሪካ ንምብጻሕ ብፔሩ፣ ኢኳዶርን ኮሎምቢያን ኣቢሎም ነቲ ኣብ ሞንጎ ኮሎምቢያን ፓናማን ዘሎ ጽዑቕ ጫካ ክሓልፉ ይግደዱ።
“ኣብ ፓናማ ዘለዉ ሰብ መዚ ርህራሀ ዝበሃል የብሎምን። እቶም ወሮ-በላታት ጉድኣት እናብጽሑልና ሪኦም ዋላ ሓደ ነገር ኣይገብሩን። ንደቂኣንስትዮ፣ ጎራዙን ደቂተባዕትዮን እንትደፍሩ ብዓይነይ ሪኤ” ዝብል ወዲ 28 ዓመት ፍራንዝ ሺበር ገንዘብ ሓቢኡ ከይኸውን ኣብ ዘይፈተሽዎ ክፍሊ ኣካሉ ከም ዘይነበረ ይገልጽ።
ነቲ መገዲ ክዛዝም ኣስታት ሓደ ወርሕን ፈረቓን ዝወሰደሉ ኮይኑ “ካብ ቺለ ተበጊሰ ብፔሩ፣ ኢኳዶር፣ ኮሎምቢያን ፓናማን ኣቢለ ብዙሓት ሃገራት ሰጊረ” ይብል።
ኣብ ትሕቲ ድልድለ እውን ነዊሕ ጊዜ ከሕልፍ ተገዲዱ።
ኣብ ቅድሚኡ ናብ ኣሜሪካ ክኣትወሉ ዝኽእል ዕድል ይህሉ’ዶ ይኸውን ወይስ ናይ ምጥራዝ ዕድል የጋጥሞ? ኣብ ዝብል ርግጸኛ ኣይነበረን።
ኣብቲ ድልድል ንሰለስተ መዓልታት ክጽንሕ ከሎ ንሱን ነብሰጾር በዓልቲ ገዝኡን ባኒ ጥራሕ ሒዞም ነይሮም።
“በዓልቲ ገዛይ ነብሰጾር ነይራ፤ ዝብላዕ ኣይነበረናን። ዝጥረዝ መሲሉ ይስምዓኒ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ እቲ ድልድል ዘሎ ኩሉ ነገር ረሳሕእን ሕማቕን እዩ። ሕዚ ግን ኣብ ደሓን ኣለኹ” ክብል ብፍሽኽታ ተዓጂቡ ይዛረብ።
ጉዕዞ እቶም መጻምዲ ናብ ፍሎሪዳ እዩ።
ጓል 35 ዓመት ዊድሊን ሰይንት ፍሊዩር ሸውዓተ ወርሒ ዝመልኦ ጥንሲ ተሰኪማ’ላ።
ንሳን በዓል ገዝኣን ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ብምሕሳብ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ካብ ቺለ ተበጊሶም።
ነቲ ኣብ ትሕቲ ድልድል ዘሕለፈቶ እዋን ክትዝክር ከላ “ሓደ መዓልቲ መረቕ ጥራሕ ተመጊበ፤ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዋላ ሓደ ነገር ኣይበላዕኹን። ካልእ መዓልቲ ከኣ ነዊሕ ርሕቐት ጉዕዞ እገብር። ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ” ክትብል ነቲ ኩነታት ተረድእ።
ዊድሊን ምስ በዓል ገዝኣ ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ክፍቀደሎም ከሎ ካልኦት ምስኦም ዝነበሩ ክልተ ስድራ ግን ናብ ሄይቲ ተጠሪዞም’ዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







