ኢኳዶር፡ “ናይ ወደይ ኣስከሬን ኣብ ኢንተርነት ርእየዮ”

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኢኳዶር ኣብ ሓንቲ ናይ ወደብ ከተማ ጉዋኪል፡ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ጉጅለታት ብዝተፈጥረ ባእሲ፡ ልዕሊ 100 እሱራት ከምዝተቐትሉ ይዝከር። እቶም ኣስከሬናት ንምፍላይ መዓልታት ዝወሰደ እንትኸውን፡ ብዙሓት ዘመድ ኣዝማድ ኣብ ሻቕሎት ይርከቡ።
ጋዜጠኛ ብላንካ ሞንዳዳ ፔሳንቴስ ገለ ካብቶም መርድእ ዝጽበዩ ኣባላት ስድራ አዘራሪባ ነይራ።
ኣብታ ጉዋኪል እትበሃል ከተማ፡ ኮሮናቫይረስ ልዑል ብርኪ ኣብ ዝነበረሉን ብዙሓት ኣብ ዝሞቱሉን ኣብ ወርሒ መጋቢት’ኳ፡ ክንድዚ ዘመድ ኣዝማድ ኣብ ኣፍ ደገ ሳጽን ኣስከሬናት ዝሽወጠሉ ኣይተርአየን።
ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ጊሊርሞ ላሶ፡ በቲ ክስተት ዝተልዓለ በዝሒ መወትቲ ከምዝወሰኸ ዝተረተዛረበ ኾይኑ፡ ብዙሓት ኣባላት ስድራ እሱራት ድማ፡ ናብቲ ናይ ኣስከሬን ላብራቶሪ መርመራ ዝካየደሉ ቦታ ክተሙ ተራእዮም።
መርድእ ምጽባይ ቀሊል ኣይኮነን። ዝፍትውዎም ኣባል ስድረኦም ኣበይ ከምዝርከቡ፡ ብህይወት እንተሃልዮም ድማ እቲ ዜና ንምስማዕ፡ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።
ዛጊድ መልሲ ኣይረኸቡን። እኳ ደኣስ፡ ካብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ነትጒ ምስማዕ ቀጺሉ ኣሎ። እዚ፡ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ዓለምለኸ ወረበላ ጉጅለታት ኣዘዋወርቲ ዕጸ ፋርስ፡ ዝተልዓለ ባእሲ ከምዘይዘሓለ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ልዕሊ 900 ፖሊስን ኣባላት ሰራዊትን ዝሓዘ ጉጅለ ነቲ ኩነታት ምቁጽጻሩን፡ በዝሒ መወትቲ ድማ 118 ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።
መርመራ ኣስከሬን ኣብ ዝግበረሉ ከባቢ ኮይኖም መርድእ ካብ መንጎ ዝጽበዩ፡ ጓል 66 ዓመት ኣደ ጉስታቮ ቪቭስ፡ ወዲ 24 ዓመት ወደን ኣብቲ ዕግርግር ከምዝተቐትለ ፈሊጠን ኣለዋ።
“ንሱ ካብቶም ዝተነግሩ መርድኣት ዝርዝር ውሽጢ የለን። ይኹን’ምበር ከምዝሞተ ተረዲኡኒ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኢንተርኔት ዝረአኽዎ ኣስከሬን ናይ ወደይ ምኳኑ ፈሊጠ እየ” ኢለን።
ንሰን’ውን ምስ ካልኦት ደቀንን ኣብቲ ዕግርግር ከምዝተቐተሉ ብስርዓት መርድእ በጺሕዎን ከይኮንስ፡ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተለቐቐ ቪድያ እየን ርእየነኦ።
ሓሙስ መርመራ ኣስከሬን ኣብ ዝግበረሉ ቦታ ብሰባት ተመሊኡ ይርኣ።
‘ናይቲ ሓደ መርገም ንካልእ ምርቓት’ ከምዝበሃል፡ ኣብ መንጎ እቶም ዝተጨነቑ ኣዝማድ ማእኸል፡ ገንዘብ ንምርካብ ዝጓየዩ ፈጸምቲ ቀብሪ ድማ ይረአዩ።
ኣብታ ከተማ፡ ዋሕዲ ናይ ሬሳ ሳጽን ስለተኸሰተ ሓደ ሓደ ሰባት ዝፈትውዎም ሰባት ንምቕባር ካርቶን ክጥቀሙ ተገዲዶም ተባሂሉ ካብ ዝተነግረሉ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኣንጻሩ እዩ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን በዝሒ ናይ ሬሳ ሳጽን ተደርዲሩ መሊኡ እዩ ዝረአ ።
ካልእ ናይ ወዲ 23 ዓመት ወዳ ዕጫ ክትፈልጥ ዝደለየት ወላዲት ዜናይዳ ሞሪራ፡ ንብዓታ ብመንዲል ትጸርግ ኣላ።
ተጠቃሚ ሓደገኛ ዕጸ ፋርስ ዝኾነ ወዳ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ወንበራት ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ሰሪቑ ተባሂሉ ተታሒዙ ኣብዚ ተኣሲሩ።
“ብስርቂ ዝተኣስረ እንተኾነ’ኳ፡ ብቐተልቲ፣ ብደፈርትን ኣዛወርቲ ዕጸ ፋርስን ተኸቢቡ እዩ ዝርከብ “ ኢላ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝበጽሐ ህልቂት ዘርኢ ቪድዮ ምስረአየት ናይ ወዳ ዕጫ እንታይ ከምዝኾነ ኣሻቒልዋ ኣሎ።
“ካብቶም ዝረእኽዎም ኣስከሬናት ናይ ወደይ ኣይረእኹን። ዝተቖረጸ ርእሲ ግን ሪኣ አለኹ። ገጹ ምስኡ ዝመሳሰል እዩ፤ ሰብ ስልጣን ግን ዛጊድ ዝኾነ ኣይበሉን” ክትብል ወሲኻ፤ ገጻ ብንብዓት ተሓጺቡ።
ምስተኣሰረ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብዝኣተወ ስልኪ ትረኽቦ ነይራ’፤ ሕዚ ግን ድምጹ ካብ እትሰምዕ መዓልታት ሓሊፎም።
ኣባላት ስድራ ኣብ ቤተ ፈተነ ኣስከሬን ምርመራ ጥራይ ኣይኮኑን ዝጽበዩ ዘለዉ።
ሰብ ስልጣን እታ ሃገር፡ እቲ በዝሒ ዘለዎ ሰብ፡ ናብ ስታድየም እታ ከተማ ክኸድ ሓቲቶምዎ ኣለዉ።
እቲ ዘሎ ብዜና ከምዘፍልጥዎምን፡ ናይ ስነ-ልቦና ድጋፍ ከምዝገብርሎምን ቃል ኣትዮምሎም እዮም።
ወዲ 20 ዓመት ወዱ ዝእልሽ ዘሎ፡ ፔድሮ ሙሪሎ፡ ዛጊድ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይረኸበ እዩ ዝዛረብ።
“ከምቲ ዝተብሃለ ናብ ስታድየም እንተመጻኹ’ኳ፡ ስሙ መን ከምዝኾነን ውቃጦ ከምዘለዎ ካብ ምሕታት ወጻኢ ዝተነገረኒ ነገር የለን” ኢሉ።
“ንኽልተ መዓልትን ንክልተ ለይትን ኣይደቀስኩን። ኣዝየ ስለዘተረበሽኩ ናብ ስራሕ ክኸይድ እውን ኣይከኣልኩን “ ኢሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







