ኮቪድ-19፡ ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ክታበት ዛሕቲለን ምህላወን ተገሊጹ

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ እተን 15 ሃገራት ጥራያ ልዕሊ 10 ሚኢታዊት ካብ ብዝሒ ህዝበን ከም ዝኸተባ ገሊጹ።

እቲ ብኮቫክስ ንድኻታት ሃገራት ክታበት ኮቪድ-19 ንምዕዳል ዝወጽአ ውጥን ከምቲ ዝተወጠኖ እኹል ክታበታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከከፋፍል ከም ዘይክኣለ እዩ ተሓቢሩ።

ሲሸልስ፣ ሞሮኮን ሞሪሽየስን ካብ ብዝሒ ህዝበን ንልዕሊ 40 ሚኢታዊት ብምኽታብ ካብ ኣፍሪቃ ብሚኢታዊት እተን ዝልዓለ ሰብ ከቲበን ዘለዋ ሰለስተ ሃገራት እየን።

ቱኒዝያ፣ ኢስዋቲኒ፣ ኬፕቨርዴ፣ ቦትስዋና፣ ኮሞሮስ፣ ዙምባብወ፣፡ ኢኳቶርያል ጒኑ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሞሪታንያ፣ ሌሴቶን ርዋንዳን ኸኣ ነቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝወጽእ ውጥን ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ክዐውታ ዝኸኣላ እየን።

ብሓፈሻ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ እቲ 4 ሚኢታዊት ጥራይ እዩ ተኸቲቡ ዘሎ።

እዚ ምስቲ ኣብ ኣውሮጳ ብዝሒ ዝተኸተቡ 60 ሚኢታዊት በጺሕዎ ዘሎ ብምንጽጻር ኸኣ እቲ ቁጽሪ ኣዝዩ ትሒቱ ከም ዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

ክሳብ ሎሚ 6722 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፍዋ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ክታበት ጠቅሊለን ዘይጀመራ እያ።

ኣብ ኤርትራ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ እቶም 6635 ሓውዮም፡ 42 ብሞት ክፍለዩ እንከለዉ 45 ኸኣ ሕክማናዊ ናብዮት ይግበረሎም ኣሎ።

ኮቫክስ ናብ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ 300 ሚልዮን ብልቃጥ ክታብት ኮሮናቫይረስ ንምብጻሕ ውጥን ነይርዎ።

እንተኾነ፡ ሃብታማት ሃገራት ነቲ ክታበታት ኣቐዲመን ስለ ዝዓደገኦ ክሳብ ሕጂ 72 ሚልዮን ብልቃጥ ጥራይ'ዩ ናብ ኣፍሪቃ ከብጽሕ ክኢሉ።