ኮቪድ-19፡ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ክታበት ዘይጥቀማሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ?

ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እኹል ክታበት ኮቪድ-19 ምርካብ ኣብ ዝተጸገማሉ እዋን፡ ገሊአን ብሓገዝ ዝተላእከለን ብኣሽሓት ዝቑጸር ክታበት ኮሮናቫይረስ ክጥቀማሉ ብዘይምኽኣለን መዓልቱ ይሓልፎ ኣሎ።

ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ክታበት ክጉሕፍኦ ጀሚረን ኣለዋ። ውድብ ጥዕና ዓለም'ውን እዚ መዓልቱ ዝሓለፎ ክታበት ክጉሓፍ'ዩ ዝምዕድ።

ማላዊ፡ ኣስታት 20 ሽሕ ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ክትጉሕፍ እንከላ፡ ደቡብ ሱዳን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክኸውን ዘዳለወቶ 59 ሽሕ ክታበት ኣዳልያ ኣላ።

እቶም ክታበታት ብመገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዓዲሎም ዝነበሩ'ዮም።

እንተኾነ በቲ መዓልቲ ኣገልግሎቶም ኣብ 13 ሚያዚያ'ዩ ከብቅዕ ዝብል ኣይተመሓደሩን።

ውድብ ጥዕና ዓለም እቶም ክታበታ፡ ጥንቃቐ ብምግባር መዓልቲ ኣገልግሎቶም ምንዋሕ ዝክኣለሉ ዕድል ንምርኣይ ምጽራይ ክግበር ክዕቀቡ ሓቲቱ ነይሩ።

ይኹን'ምበር እቶም ክታበታት በቲ ኣፍራዪ ትካል ተዘርጊሖም ስለ ዝጸንሑ መዓልቲ ኣገልግሎቶም ስለ ዝሓለፈ ክጉሓፉ'ዮም።

"ኣብዚ ሕጂ እዋን ክታበታት ክውገዱ ምግባር ኣዝዩ ዘጣዕስ ነገር'ኳ እንተኾነ፡ ግቡእ ጥንቃቐ ተሓዊሱዎ ግን ክውገዱ ይምዕድ" ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ንድኻ ሃገራት ዝወሃብ ብመገዲ ምምርቓሕ ክታበት ኮቫክስ ካብ ዝረኸበቶ 1.7 ሚልዮን ክታበት ኣስትራዘኔካ እቲ ዝበዝሕ ክትጥቀመሉ ከም ዘይትኽእል ትገልጽ።

ሓደ ሽሕ ዝኾውን ክታበት ጥራሕ'ያ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዚያ ክትጥቀም ክኢላ።

ናይቲ ዝበዝሕ ክታበት መዓልቲ ኣገልግሎት 24 ሰነ ዘብቅዕ ኮይኑ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ክልኣኽ ብምግባር ድሮ ናብ ጋናን ማዳጋስካርን በጺሑ ኣሎ።

እዘን ሃገራት እቲ ክታበት ዘይተጠቐማሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?

ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ምስ ፈረየ፡ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ መዝሓሊ ክጸንሕ ይኽእል'ዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘብጽሖ ክታበት፡ ብ13 ሚያዚያ መዓልቲ ዕለቱ ኣብቂዑ።

መንግስቲ እታ ሃገር ከኣ እቲ ክታበት ኣብ ሃገሩ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ናይ ምክልኻል ተክእሎ ዘይክህልዎ ይኽእል'ዩ ብዝብል ኣብ ረብሓ ከይውዕል ወሲኑ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዘርግሖ ሓደ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ተሸይጥሉ።

እንተኾነ ከም ሱዳን ዝበላ ገለ ሃገራት ናይ ኣገልግሎት መዓልቱ መዓዝ ከም ዘብቅዕ ኣፍልጦ ኣይነበረናን ይብላ።

ኣብ ቀረባ ናይጄሪያ እቲ ዝበጽሓ ክታበት ብሙሉኡ ክትጥቀመሉ ከም ዘይትኽእል ኣፍሊጣ እያ።

ስለ ዝኾነ ገሊኡ ናብ ቶጎን ጋናን ክልኣኽ ተገይሩ። ገሊኡ ከኣ ናብ ጀማይካ ተሰዲዱ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቶጎን ካምቢያን ጥራሕ እቲ ክታበት መዓልቱ ከይኣኸሎ ከም ዝተጠቐማሉ ሓቢሩ።

ኣብ ካልኦት እንታይ ኣጋጢሙ ዝብል ወግዓዊ ሓበሬታ ግን የለን።

ብዙሓት ሃገራት እቲ ክታበት ቅድሚ ምቕባለን እኹል ምድላው ከም ዘይገበራ ዝገልጽ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ገሊአን ከኣ ፋይናንሳዊ ጸገም ከም ዘጋጠመን ይሕብር።

ሓላፊ ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ጆን ንኬንጋሶንግ፡ እተን ሃገራት ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ ሞያ ጥዕናን ከም መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ዝበሉ ቐረባትን ከም ዘድልየን ይገልጽ።

"ኣፍሪቃ ክታበት ከመይ ከም ዝውሃብ ስለ እትፈልጥ ንካልኦት ሕማማት እናኸተበት መጺኣ እያ። እቲ ቁውም ነገር ቑጽሪ ክታበት ዝወስድ ከመይ ኣቢልካ ተዕብዮ . . . በየናይ ፍጥነትከ ትውግኖ ምፍላጥ'ዩ" ይብል።

ንዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ እቲ ጸገም ድኹም ኣገልግሎት ጥዕና ምህላው ጥራይ ዘይኮነ ድኹም ትሕተ ቕርጽ መጓዓዝያ ምህላው'ውን እዩ።

እዚ፡ ናብ ገጠር ቦታታት ዝልኣኽ ክታበት ኣብ ሰዓቱ ኣብ ምብጻሕ ጸገም ፈጢሩ ይርከብ።

ካብዚ ሓሊፉ እታ ሃገር፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ጉዳይ ድሕነት ብምልዓል ክታበት ኣስትራዘኔካ ጠጠው ከተብሎ እንከላ፡ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ከኣ ብ19 ሚያዚያ ክትህብ ጀሚራ።

ንምዃኑ ክታበት ኣብ ምውሳድ ዘሎ ሰጋእ መጋእ ካብ ምንታይ ዝምንጩ'ዩ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ'ዩ።

ገለ ሰብ ሞያን ፖለቲከኛታት ኣብ ድሕነትን ውጽኢታውነትን እቶም ክታበታት ዘሎ ጉዳይ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ምድንጓይ ክፍጠር ከም ዝገበረ ክገልጹ እንከለው፡ እዚ ዝፈጠሮ ጽልዋ ብቑጽሪ ምቕማጥ ከም ዘይክኣል ግን ይሕብሩ።

ሚኒስቴር ጥዕና ሴራሊዮን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ሰባት ንምእማን ነዊሕ ግዜ ወሲዱና'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ማላዊ፡ ክታበታት ዘይምእማን ጸገም ከም ዝፈጠረ ክግለጽ እንከሎ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ብዝፈጠሮ ምርጋእ ደም እቲ ክታበት ምሃብ ጠጠው ከተብል ከም ዝደፋፍኣ ይጥቀስ።

ማላዊ ክኢላ ቫይረስ ጋማ ባንዳዊ "መንግስቲ ህዝቢ ንከእምን ዝከኣሎ'ኳ እንተጽዓረ፡ እቲ ህዝቢ ግን ክንድቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ኮይኑ ኣይተረክበን" ኢሉ።

ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ኣብ ዙርያ ግንዛበ ክታበት ኣብ 15 ሃገራት ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ውሑድ ዘይብሃል ህዝቢ ኣብ ዙርያ ድሕነት እቶም ክታበታት ጥርጣረ ከም ዘለዎ የረድእ።

ኣብዚ መጽናዕቲ ካብ ዝተሓተቱ ኣስታት 20 ሚኢታዊት ክታበት ከም ዘይወስዱ ገሊጾም።

እዚ ብቑጽሪ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኒጀርን ቱኒዝያን 10 ሚኢታዊት፣ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ከኣ 41 ሚኢታዊት ከም ዝኾነ ይሕብር።