(ዶ/ር) ይልቃል ከፋለን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኮይኑ ተሸይሙ

ሓድሽ ካቢኔ ክልል ኣምሓራ

ምንጪ ስእሊ, FANA BROADCASTING CORPORATE

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዝተኻየደ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ፡ ካቢኔ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ሓድሽ ርእሰ ምምሕዳር ሸይሙ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ዝነበረ ኣባል ሰልፊ ብልጽግና (ዶክተር) ይልቃል ከፋለን ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምዃን ሎሚ ቃለ መሓላ ፈጺሙ ኣሎ።

ብተወሳኺ ወይዘሩ ፋንቱ ተስፋዬ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ እቲ ክልል ኮይና ክትምረጽ እንከላ ኣቶ ኣማረ ሰጤ ድማ ምኽትል ኣፈ ጉባኤ ኮይኑ ተሸይሙ ምህላው ማዕኸናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን።

ብምክትልነት መዓርግ፤ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኮይኑ ዝጸንሐ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ከም ዝተሾመ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ርእሰ ምምሕዳር ዝነበረ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ናብ ካልእ መንግስታዊ ሓላፍነት ስለ ዝተሰጋገረ ንባይቶ እቲ ክልል መልቀቒ ደብዳበ ኣእቲዩ ነይሩ።

ብ15 ሰነ 2011 ዓ.ም ኣብቲ ክልል ተፈጺሙ ብዝብሃል ፈተነ 'ዕልዋ መንግስቲ' ፕሬዝደንት እቲ ክልል ዝነበረ ዶክተር ኣምባቸው መኮን ሓዊሱ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ከም ዝተቐትሉ ይፍለጥ።

ድሕሪ እዚ ኣቶ ላቀ ኣያሌው ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ኮይኑ ነቲ ክልል ክመርሕ ጸኒሑ ነይሩ።