ጀርመን ድሕሪ ኣንጌላ መርከል መን ከምዝመርሓ ዝውስን መረጻ ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንጀርመን ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐት መራሒተ መንግስቲ ቻንስለር ኣንጌላ ማርከል፡ ‘መን ይትከኣ ይኸውን?’ ዝብል ሕቶታት ብዙሓት ጀመርመናውያን ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ክምልሶ እዩ።
ጀርመናውያን ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዘካይድዎ ፓርሊያመንታዊ መረጻ ነታ ሰፊሕ ተቐባልነት ዝረኸበት መራሒቶም ኣንገላ መርከል፡ ዝትክእ ሰብ ከድምጹ እዮም።
ጎደናታት ርእሰ ከተማ ጀርመን በርሊን፡ ዓመታዊ ውድድር ማራቶን እናተኣናገዱ እንተኾኑ’ኳ፡ እቲ ዝዓበየ ውድድር ግን ብብርኪ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ መረጻ እዩ።
ኣብ ልዕሊ እዚ መረጻ፡ ጽልዋ ንምፍጣር ብዝመስል መልክዑ፡ እታ ትፋኖ ዘላ ቻንስለር፡ ንመራሒ ውድብ ዓቃባዊ፡ ኣርሚን ላስቼትን፡ ዓጂባ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ተራእያ ተባሂሉ።
ገለ ርእይቶታት ድምጺ ወሃብቲ ከምዝሕብርዎ፡ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ተወዳዳራይ ክስዕር ይኽእል እዩ።
ኣብ መረጻ ክሳተፉ ዝኽእሉ ዕድሚኦም ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ልዕሊ 60 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዉዋ ሓያል ኣውሮጳዊት ሃገር ጀርመን ብዝተወሰነ መልክዑ ቁጠባኣ ንሓደጋ ተሳጢሑ ከምዘሎ ይዝረብ።
እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝምረጽ መራሒ ነታ ሃገር ካብዚ ሓደጋ ከውጸኣ ትጽቢት ይግበረሉ።
ጣብያታት መረጻ፡ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ካብ ሰዓት ክልተ ናይ ንጎሆ ጀሚሩ ክፉታት ኮይነን፡ ህዝቢ ድምጹ ክህብ ጀሚሩ ኣሎ።
እቲ ድምጺ ዝወሃበሉ ሰዓት 12 ምስ ተዛዘመ ድማ፡ ንጀርመን ዝመርሕ ሰብ ኣፋፍኖት ክፍለጥ እዩ።
ንዓመታት ንጀርመን ዝመርሐት ኣንገላ መርኬል፡ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓቢ ስፍራ ዝነበራ ኾይና፡ ኣብዚ ናይ ሕዚ ሃገራዊ መረጻ ከምዘይትሳተፍ ዘፍለጠት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እዩ።
ናይ ስልጣን ዘበና ምስ ተዛዘመ ድማ፡ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ ነይራ።
“ርግጽ፤ ‘ናብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ መን እዩ?’ ዝብል ግን ዓቢ ትርጉም ዝወሃቦ እዩ” ክትብል፡ እቲ መረጻ 48 ሰዓታት መስተረፍዎ ኣጠንቂቓ ።
ንሳ ከምእትብሎ፡ መጻኢ መናእሰያት ጀርመን ብሩህ ዝገብርን ምርግጋዕ ዝፈጥርን ፖለቲከኛ ኣርሚን ላስቼት እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







