ኣውሮፓ፡ ሓድሽ ውጥን ስደተኛታት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ

ኣብ በርሊን ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ግሪክ ንክዕጾ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ፈላላዩ ዝነበረ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዝምልከት እቲ ሕብረት ግድነት ክግበር ኣለዎ ዝበሎ ዝርዝር ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ከውጽእ’ዩ።

ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ነተን ብብዝሒ ስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት ገንዘባዊ ድጎማ ክህባን ኩለን ንስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ወጻኢታት ማዕረ እጃም ክህልወን ዝብል እማመ ከጽድቓ ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ምርኩስ ብምግባር እቲ እማመ ካብ ብዙሓት ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ተቃውሞ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል’ዩ ዝግመት።

ኣብ 2015 ብመንገዲ ጣልያንን ግሪኽን ስደተኛታት ብብዝሒ ናብ ኣውሮጳ ምስ ኣተዉ፡ ብጉዳይ ኣተሓሕዛ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብተን 27 ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣፈላላይ ተራእዩ’ዩ።

ግሪኽን ጣልያንን ኣብ ሴሜናዊ ሸነኽ ኣውሮጳ ዝርከባ ሃገራት ኢደን ኣጣሚረን፡ ኣብ ማእከላይን ምብራቅ ኣውሮጳ ዝርከባ ሃገራት ድማ ነቲ ስደተኛታት ብኮታ ምቅባል ዝብል ሓሳብ ነጺገነኦ ብምባል ክኸሳ ጸኒሐን’የን።

እቲ ሓደሽ ውጥን እንታይ’ዩ?

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት: ነብሲ ወከፍ ኣባል ሃገራት ንሓደ በጽሒ ስደተኛ 10 ሽሕ ዩሮ፣ ንሓደ ቆልዓ ድማ 12 ሽሕ ብምውሳድ ስደተኛታት ክቕበላ ግድነት ኣለወን።

ነዚ ስምምዕ ዝጥሕሳ ሃገራት ድማ: ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርባን ክቕጽዓን'የን ተባሂሉ።

እዚ ሓዲሽ ውዕል ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል ክትጠልቦን ብተደጋጋሚ ክትሓተሉን ዝጸንሐት ኮይኑ ኣብ ግሪኽ ኣብቲ ልዕሊ 12 ሽሕ ስደተኛታት ዝነብርሉ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ባርዕ ሓዊ ምስ ኣጋጠመ እቲ ኣርእስቲ ዳግማይ ንኽበራበር ምኽንያት ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ባርዕ ሓዊ ምስ ኣጋጠመ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ነቶም ብዘይ መዕቆቢ ተሪፎም ዘለዉ ኣመልኪትን ገለ ስጉምቲ ክወስዳን ጻውዒት ክግብር ጸኒሑ።

‘ሴቭ ዘ ችልድረን’ ዝተሰመየ ገባሪ ሰናይ’ውን እቲ ኣብ መዓስከር ሞርያ ዘጋጠመ ቅልውላው ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ሕሉፍ ጌግአን ክምሃራ ስለ ዘይከኣላ ዘጋጠመ’ዩ ብምባል ነቲ ሕብረት ከሲሱ።

መግለጺ ቪድዮ, ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ከምዝተረስዑ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን 10 ሃገራት ኣውሮጳ 400 ካብቶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ክወስዳ ከም ዝሰተሰማማዓ ጀርመን ገሊጻ ነይራ።

ካብዞም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ክውሰዱ ዝተብሃሉ እቶም ዝበዝሑ ናብ ጀርመንን ፈረንሳን እዮም ክኸዱ።

እንተኾነ እዚ ሕዲሽ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን፡ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝኣተዉ ስደተኛታት እተን ሃገራት ብስሩዕ ብኸመይ ከም ዝማቐለኦም ከቐምጥ እዩ።

ስደተኛታት ናብ መሬት ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስ ረገጹ ቀልጢፎም ክመዳደቡን፡ እቶም ዕቑበኦም ዝተነጽገ ድማ ቀልጢፎም ክምለሱን ዝብል ነጥቢ’ውን ክሰፍር እዩ።