ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ከምዝተረስዑ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, IOM
ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ የመን ተጸጊሞም ከምዘለው ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።
ዓለምለኻዊ ትካል ስደት [ኣይኦኤም]፡ ኣብ የመን መሰረታዊ ኣገልግሎት ጽሩይ ማይን ሕክምናን ንምርካብ ዝተነፍጎም ኣስታት 14,500 ኢትዮጵያውያን ኣለው ኢሉ።
ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኩሎም ዶባት እታ ሃገር ተዓጽዮም ብምህላዎም፡ ሕጂ ብዙሓት ጸገማት ይገጥሞም ናብ ዘሎ ኣብ ኤደን ናብ ዘለዋ ዞባታት ማሪብ፣ ላሂጅን ሳዓዳን ተገዲዶም ከም ዝኸዱ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ብምግባር፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ተቖጺሩ "መበጀዊ" መጥቃዕትን ተነጽሎን ኮይኖም ኣለው።
"ኣብታ ሃገር ንዝተርኣየ ለበዳ ኮቪድ-19 ምኽንያት ብምግባር፡ እዞም ኣብ የመን ዘለው ስደተኛታት ኣእምሮኣውን ኣካላውን መጥቃዕቲ በጺሑዎም፡ ኣብ መዳጎኒ ቦታታት ክዳጎኑ ብምግባር ናይ ምንቅስቓስ መሰል ተኸሊኦም ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣይክኣሉን" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, IOM
በብዓመቱ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያን ዝሓሸ ቑጠባዊ ዕድላት ንምርካብ ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ንምስጋር ናብ የመን ይጉዓዙ።
በዚ ምኽንያት ንዝተፈላለዩ ጸገማት ክቃልዑ'ኳ እንተጸንሑ፡ ኣብዚ ዓመት ዝተራእየ ለበዳ ኮቪድ-19 ግን ኩነታቶም ዝኸፍአ ይገብሮ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ 130 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ የመን ከም ዝኣተው ዓለምለኸ ትካል ስደት ይገልጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







