ፕረዚደንት ኣልጀርያ ነበር ዓብደልኣዚዝ ቡተፍሊቃ ሞይቱ

ዓብደልኣዚዝ ቡተፍሊቃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቡተፍሊቃ ድሕሪ 2013 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞ ሕማም ወቕዒ ኣብ መራኸቢቲ ሓፋሽ ሒደት'ዩ ተራእዩ

ፕረዚደንት ኣልጀርያ ነበር ዓብደልኣዚዝ ቡተፍሊቃ ድሕሪ ብዙሕ ሕማም ኣብ መበል 84 ዓመቱ ከምዝሞተ ተገሊፁ።

መራሒ ኣልጀርያ ኮይኑ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝመርሐ ቡተፍሊቃ፡ ኣብ 2019 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ሓምሻይ እብረ ስልጣን ከናውሕ ኣብ ዝኣወጀሉ ግዜ፡ ልዑል ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ስለዘጋጠሞ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገዲዱ’ዩ።

ንሱ ኣልጀርያ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ክትወጽእ ኣብ ዝተገበረ ናይ 1950ታትን 60ታትን [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ቃልሲ ዓብይ እጃም ነይርዎ።

ሃገሩ ኣልጀርያ ኣብ 1999 ብሰንኪ ዘጋጠማ ሓድሕዳዊ ኵናት ኣስታት 200 ሚእቲ ሽሕ ዜጋታታ ዝሞቱ ኮይኖም ቡተፈሊቃ ብተምሕጽንታ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር መራሒ እታ ሃገር ክኸውን በቒዑ።

ቡተፍሊቃ ድሕሪ 2013 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞ ሕማም ኣብ መራኸቢቲ ሓፋሽ ሒደት’ዩ ተራእዩ።

ኣልጀርያ ኣብ 1962 ካብ መግዛእቲ ፈረንሳይ ሓራ ምስወጽአት ናብ ፖለቲካዊ ንጥፈት ከምዝኣተወ ዝንገረሉ ዓብደልኣዚዝ ቡተፍሊቃ፡ ኣብ ዒስራታት ዕድሚኡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኮይኑ ሰሪሑ።

ቡተፍሊቃ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንጡፍ ተሳትፎ ዝነበሮ ኮይኑ ኣብ 1974 ፕረዚደንት ናይቲ ሕብረት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን መራሒ ፍልስጤም ንዝነበረ ያሲር ዓረፋት ናብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ዓዲሙ ሓሳቡ ከቕርብ ብምግባሩ ይፍለጥ።

ኣንጻር ስርዓት ኣፓርታይድ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝተቓለሰ ዝግለጸሉ ቡተፈሊቃ፡ ንኔልሰን ማንዴላ ናይ መጀመርታ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከምዝሃቦ’ዩ ዝፍለጥ።

ንሱ ኣብ 1980ታት ኣብ ወጻኢ ይቕመጥ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ 1999 ናብ ሃገሩ ኣልጀርያ ተመሊሱ ፈላማይ ሲቪላዊ መራሒ ኮይኑ ተመዚዙ።

ኣብ ናይታ ሃገር ሕገ መንግስቲ ዝነበረ ሓደ መራሒ ንኽልተ እብረ ጥራይ ክምረጽ ዝግድብ ዓንቀጽ ቀይሩ ንኽልተ ተወሰኽቲ እብረ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ’ዩ። ቡተፍሊቃ ኣብ 2017 እዩ ነይሩ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ሚድያ ዝቐረበ።

ዓብደልኣዚዝ ቡተፈሊቃ ኣብ 2019 ሓሚሙ እንከሎ ንሓምሻይ ግዜ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ከምዝወዳደር ብወግዒ ምስተፈለጠ ግን ኣብ መላእ እታ ሃገር ህዝባዊ ተቓውሞታት ኣስዒቡ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝተገደደ ኮይኑ፡ ሎሚ ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድምኡ ሞይቱ።