ብኸመይ`ዩ እቲ ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ፕሬዚደንት ቡተፍሊቓ፡ ኣልጀርያ ዝመርሕ?

ፕሬዚደንት ቡተፍሊቓ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብዘጓናፎ ውቕዒ ብእግሩ ክኸይድን ክዛረብን ዘይክእል ወዲ 82 ዓመት መራሒ፡ ፕረዚደንት ዓብዱልዓዚዝ ቡተፍሊቓ፡ ንሓሙሻይ ግዜ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር እየ ምባሉ ንብዙሓት ኣልጀራውያን ኣስደሚምዎም።

ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ኣብቲ ኣብ ሚያዝያ ዝግበር ፕሬዚደንታዊ መርጫ፡ ንሓሙሻይ ግዜ ክወዳደር ምዃኑ ምስተገለጸ ንብዙሓት ኣስደሚሙ።

እቲ ዝያዳ ዘገረመ ድማ ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ብሰንበት ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ክካየድ ዝኾነ ምርጫ ተወዳዳራይ ምዃኑ ብኣካል ቀሪቡ ኣይተመዝገበን።

በቲ ናይ ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ንሓሙሻይ ግዜ ንፕሬዚደንትነት ምውድዳሩ ዝነደሩ ተማሃሮ መማህራን ጠበቓታትን ጋዜጠኛታትን፡ ናብ ጸርግያ ብምውጻእ ተቓውምኦም ኣንጻር`ቲ ዳርጋ ኣብ ኣደባባይ ተራእዩ ዝየፈልጥ መራሒኦም ገሊጾም።

ብዙሓት ነቲ ኣብ 1999 ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ክትክእ ዝኽእል መራሒ ብዘይምርካቡን ኣብ ስልጣን ከሎ እንተሞይቱ ድማ ነታ ሃገር ናብ ዘይርጉእነት ከይትኸይድ ይሻቐሉ ኣለው።

እቲ ጥዕና ዘይብሉን ድሕሪ 2016 ኣብ ናይ ስንኩላን ዓረብያ ተወጢሑ ከሎ ኣብ ቴሌቪዥን ዝተራእየ ወዲ 82 ዓመት ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ፡ ንሓሙሻይ ግዜ ንፕሬዚደንትነት ክወዳደር እየ ምባሉ ንብዙሓት ኣስደሚሙ።

ሞኣሙር ጋዳሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናይ ቴሌቪዥን መራሒ

ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ናይ መወዳእታ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ንህዝቢ መደረ ዘስምዓሉ ድሕሪ`ቲ ናይ 2014 ፕሬዚደንታዊ ምርጫ፡ ንራብዓይ ግዜ ተወዳዲሩ ድሕሪ ምዕዋቱ ንኣልጀራውያን ኣብ ዘመስገነሉ እዋን ኢዩ ነይሩ።

ብድሕሪኡ፡ ንመወዳእታ እዋን ብተፍሊቓ ኣብ ተሌቪዥን ዝተራኣየሉ ኣብ 2016 ኣብ ናይ ስንኩላን ዓረብያ ኮፍ ኢሉ ነቲ ሓድሽ ናይ መጋባእያ ኣዳራሽ ኣብ ዝመረቐሉ ግዜ ኢዩ።

ብዝኾነ እቲ ብዕደመ ዝደፍአን ጥዕና ዘይብሉን ፕሬዚደንት ቡትፍሊቓ፡ ኣብቲ ናይ 2014 ምርጫ ዝኾነ ጎስጓስ ከየካየደን ሓያል መወዳደርቲ ከየጓነፎን ንራብዓይ ግዜ ናብ ስልጣን ሰልል ኢሉ ኢዩ መጺኡ።

ስልፈኛታት ኣብ ጎደናታት

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ደንበ ተቓወምቲ ኣዝዩ ዝተኸፋፈለ ስለዝኾነን እቲ ፕሬዚደንት ብዕድመ እናደፍእ ምስ ከደን ጥዕና እናሰኣነ ምስከደ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣባላት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስትን ሰራዊትን ዝርአ ዝነበረ ቆይቂ ነቲ ክመጽእ ዝግብኦ ዝነበረ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣልሚስዎ።

እቲ ገዛኢ ሰልፊ ግንባር ሃገራዊ ተጋድሎ [National Liberation Front] ብ1962 ኣልጀርያ ካብ ፈረንሳ ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ ስጋብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ ኢዩ።

ብዝኾነ፡ ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ብሰንበት ቅድሚ`ቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኪግብር ዝብሃል ዘሎ ምርጫ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ቅዋማዊ ለውጢ ኪግበርን ድሕሪ`ቲ ናይ ሚያዝያ ምርጫ ድማ ብቕልጡፍ ንሱ ዘይሳተፈሉ ካልእ ምርጫ ከካይድ ቃል ኣትዩ።

እዚ ድማ ብብዙሓት እቲ ጥዕና ዘይብሉ መራሒኦም ኣብ ስልጣን ከሎ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ስግግር ኪግበር ባብ ዘርሑ ኢዩ ብምባል ትስፍውነቶም ገሊጾም።

ብኣገላልጻ ዞባውያን ተንተንቲ፡ ናይ ኣልጀርያ ሽግር ካብቲ ናይቲ ጥዕና ዘይብሉ መራሒ ይዓቢ ይብሉ።