ጁልየስ ኒረረ፡ ሓንቲ ሃገር ብሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ክትመሓደር ከምዝሓይሽ ተኣሚኑ ዝሞተ መራሒ

ጁልየስ ኒረረ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዘበነ ስልጣኑ፡ "ነብስኻ ብምኽኣል" ከፈጽሞም ዝሓሰቦ ነገራት ምሉእ-ብምሉእ ኣይሰመርሉን።

እንተኾነ እቶም ዝተለሞምን ዝሰርሓሎምን መምርሒታት ቅኑዕ ባህሪ ከም ዝነበሮ ስለ ዝመስከርሉ ኣብ ሃገሩን ኣፍሪቃን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዓለም እውን ስሙ ብጽቡቕ ይለዓል።

ጁልየስ ኒረረ ልክዕ በዛ ዕለት ኣብ 77 ዕድሜኡ ብ 14 ጥቅምቲ 1999 ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።

"ክቡር ህዝቢ ታንዛንያ፡ ሎሚ መምህር ካብ'ዛ ዓለም ብምፍላዩ ንከርድኣኩም ዝስምዓኒ ሓዘን መጠን የብሉን" ክብል ፕረሲደንት በንጃሚን ምካፓ (ናይ ሽዑ ፕረሲደንት ታንዛንያ ዝነበረ) ንህዝቡ ብተለቪዥን ዘስምዓሉ ህሞት ክሳብ ሎሚ ዝዝክርዎ ብዙሓት'ዮም።

ታንዛንያውያን ጥራይ ዘይኰኑስ ዓለም ምሉእ'ዩ ሓዚኑሉ። ሞቱ ድማ ዳርጋ ኣብ ኵሎም ዓበይቲ ሚድያታት ዓለም ብኡ-ንብኡ ተቓልሐ።

ቢቢሲ "ሕልና ኣፍሪቃ" ኢሉ ብምስማይ "ሎሚ እቲ ካብ'ቶም ኣብ ወለድኡ ዝነበሩ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ዝዓበየ ጽልዋ ዝነበሮ መራሒ ዓሪፉ" ክብል ነቲ መርድእ ኣቃሊሑ።

ኣብቲ ንሱ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን ኣፍሪቃ ከም በዓል ክዋመ ኑክሩማ (ጋና)፣ ጆሞ ኬንያታ (ኬንያ)፣ ኬነዝ ካዉንዳ (ዛምብያ)፣ ንጉስ ሃይለስላሰ (ኢትዮጵያ) ዝኣመሰሉ ነይሮም።

እዞም መራሕቲ እንኮላይ ኒረረ ኣብ ምምስራት ማሕበር ሕብረት ኣፍሪቃ (OAU) ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ መራሕቲ እዮም።

ሞዛምቢክን ኣንጎላን ጌና ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ደቡብ ሮደዥያ (ሕጂ ዙምባብወ) ድማ ኣብ ትሕቲ ኣፓርታይድ ነይረን።

ጁልየስ ኒረረ፡ እዘን ሃገራት ካብቲ መቑሕ ሓራ ንክወጽኣ ኣበርቲዑ ዝጸዓረ - ብባዕላውን ብማሕበር ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተቓለሰ መራሒ'ዩ።

ሬድዮ ዝሰምዑ ሰባት

'ዘ ጋርድያን' ዝበሃል ናይ ዓዲ እንግሊዝ ጋዜጣ ድማ "እቲ ብብልሽውና ዘይተበከለ እንኮ መራሕ-መንግስቲ ኣፍሪቃ፡ ኣንጻር ድኽነት ንነዊሕ እዋን ዝጸዓረ ተቓላሳይ ኒረረ ዓሪፉ" ክብል ጸሓፈ።

እቶም ምዋሊሙ ንዝሰዓቡ ትውልድታት ዝገደፎም ዉርሻታት ብዙሓት'ዮም።

ኣብ ትምህቲ ዓለምን ምሕባር ቀቢላታት ታንዛንያ ዓቢ እጃም ከም ዝነበሮ ይዝረበሉ።

ምቕሉልን ሕያዋይን፣ መስተውዓልን ፍሉይ ራእይ ዝነበሮን ኣንጻር ገዛእቲ-ባዕዳውያን ድንቍርናን ዝተቓለሰ፣ ትምህርቲ ኣብ መላእ ሃገሩ ዘባጽሐ፣ ብጌጋኡ ዝምሃር'ምበር ንጌጋኡ ክሸፋፍን ዘይፍትን ክልሰ-ሓሳብተኛ መራሒ እዩ ነይሩ ክብሉ ፈለጥቱ ይገልጹዎ።

ሓጺር ድሕረ ባይታ ኒሬረ

ሓደ እዋን ኒረረ፡ "ንምዝራእ ጊዜ'ሎዎ፣ ንዓጺድ'ውን ከምኡ" ድሕሪ ምባል፡ "ንሕና ግን ጌና ክሳብ ሕጂ ኣብ ምዝራእ ንርከብ ኣሎና" ክብል ተዛሪቡ።

ንምንታይ'ዩ ኒረረ በዚ ጥቕሲ'ዚ ዝዝከር?

ኒረረ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብኵነታት ሃገሩ ተገዲሱ ተጊሁ ዝሰርሕ ዝነበረ ሃገራዊ እዩ።

ኣንጻር መግዛእቲ እንግሊዝ ድማ ብዕቱብ ሰሪሑን ተዓዊቱን።

ትምህርቱ ኣብ ማካረረ ዩኒቨርሲቲ፡ ሽዑ እቲ ዝበለጸ ኣብ ዩጋንዳ ዝርከብ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ፡ ድሕሪ ምጥንቓቕ ትምህርቱ ንኽቕጽል ንአዲንብራ (ስኮትላንድ) ተጓዕዘ።

ሽዑ'ዩ ንዓለሙን ዓለም-ካልኦትን ብቐረባ ከጽንዕ ዝጀመረ። ናቱ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢሉ ኸኣ ኣብ ገስጋስን ማሕበርነታዊ ሸነኻት ዓለሙ ከቕልብ ጀመረ።።

እምበኣርከስ ኒረረ በቶም ዘተኣታተዎም ኣካታዕቲ ማሕበርነታዊ ፕሮጀክትታት ኢዩ ዝዝከር።

ኣብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ ሕብረተሰብ ታንዛንያ ብርክት ዝብሉ ፖለቲካዊ ፈተነታት (experiments) ኣካዪዱ'ዩ።

ኣብ መጠረሽትኡ ግን ነቶም ዜተኣታታዎም ማሕበረሰባዊ ፈተነታት ንድሕሪት ተመሊሱ ብምምዛንን በቶም ዉጽኢታት ስለዘይተሓጐሰን "ንሕና ጌና ክሳብ ሕጂ ኣብ ምዝራእ ኢና ንርከብ" ዝበለ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ "ዘካየድናዮ ጻዕርታት ሽቶኡ ኣይወቕዐን" ኢሉ ዝተኣመነ መራሒ ነበረ።

ንምዃኑ እንታይ ዓይነት ማሕበርነት?

ኒረረ ብርክት ዝበሉ ጸጋማውያን ፕሮጀክትታት እዩ ኣተኣታትዩ። ሓደ ካብኡ ከኣ " ኣዋጅ ኣሩሻ" እዩ ።

ኒረረ ዕላማታቱ ኣብ ሽቶኦም ንምብጻሕ መስርሕ "ርእሰ-ምርኰሳ" ተጠቒሙ - ኣብ ማሕበርነታዊ ክልሰ-ሓሳብ ዝተመርኰሰ - ንታንዛንያ ብእግራ ደው ከብላ ፈተነ።

እዚ ዓብን ኣካታዕን ፈተነ ብክቱር ጸጋማዊ ኣተሓሳስባ ተነጊሑ "ኣፍሪቃዊ ማሕበርነት" እናበለ ክምጕትን ክደፍእን ጀመረ፣ እዚ ኣብ መፋርቕ ስሳታት ምዃኑ'ዩ።

ብ 1967 እቲ "ርእሰ-ምርኰሳዊ" ሕልና ኣብቲ ብ " ኣዋጅ ኣሩሻ" ዝፍለጥ ፖሊሱ ደብቲሩ ተበገሰ።

እቲ ተበግሶ ኣብቲ እዋን ዝዓበየ ኣፍሪቃዊ ንቕሎ ስራሕ ምንባሩ ይዝረበሉ።

" ኣዋጅ ኣሩሻ" ኣርባዕተ ዓበይቲ ክፋላት ነይሩዎ። እቲ ቀዳማይ ብ"እምነታት ታኑ" ይፍለጥ።

ታኑ እቲ ዝዓበየን እንኮን ፖለቲካዊ ሰልፊ ናይ ኒረረ እዩ።

"እምነታት ታኑ" ብዛዕባ መትከላት ማሕበርነት ኣቢሉ ሓላፍነት መንግስቲ ይዝርዝር።

እቲ ካልኣይ ክፋል ብልጫታት ማሕበርነት ብምጥቃስ ስልጣን "ብደርቢ-ሸቃላይ" ክእለ።

እቲ ሳልሳይ ክፋል ብኣድላይነት ርእሰ-ምርኰሳ ኰይኑ፡ እቲ ራብዓይ ድማ 'ሰልፊ ታኑ' ልዕሊ ኹሉ ምዃኑ ይጠቅስ - ሰልፊ ሓረስቶትን ሸቃሎን'ዩ።

ብሓጺሩ እቲ ናይ ሽዑ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ሃገራት ኣፍሪቃ ሰፊኑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው ብጸጋማዊ ምንቅስቓሳት ተደፊኡ ኣብ ዘይተሞከረን ብሃንቀውታ ዝተሓዝኡን ፈተነታት ኣዐጂቡ እዩ ተጓዒዙ።

እንተኾነ ሓደ-ብሓደ እናተዓንቀፉ ቍጠባኦም ዛሕተለ፡ ናይ ካልኦት ከኣ ዓንዩ።

ከም ድኽነት፣ ብልሽውና፣ ዓሌታውነት ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ኣፍሪቃ መሊሶም ሳዕረሩ'ምበር ኣይተሳዕሩን።

ኒረረ ድማ ሺሕ ጊዜ ይፈትን ንሃገሩ ካብ'ቲ ዓዘቕቲ'ቲ ከውጽኣ ኣይከኣለን።

ፍሽለት "ኡጃማ"

"ኡጃማ" ብቋንቋ ስዋሂሊ 'ቤተሰብነት' ማለት'ዩ።

ኩሉ ኣብ ክቢ ቤተሰብ ዝከናወን ኵይኑ፡ ነቲ መስርሕ ኣዕቢኻ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ምትእትታው ከም ማለት'ዩ።

እቲ ስነ-ሓሳብ'ቲ ብኒረረ ኣብ ሕብረተሰብ ታንዛንያ ዝተኣታተወ መስርሕ'ዩ - ከም ሃገራዊ ቍጥውባዊ ምዕባሌ ፖሊሲ።

"ኡጃማ" ኣብ ጸግዒ "ኣፍሪቃዊ ማሕበርነት" ዚበሃል ፍልስፍና ኰይኑ ኵሉ ቍጠባዊ ሃብቲ-ሃገር ሓቢርካ ንኽትማቐሎን ኣብ መዓላ-ሓፋሽ ክውዕልን ኣብ ዚብል ኢጦብያዊ እምነት 'ዩ ዝሰረተ'ዩ ።

ካብቲ ክላሲካዊ ማሕበርነት ሶቬት፡ ክዩባ ... ወዘተ ፍልይ ይብል ማለት'ዩ።

እቲ ፍልስፍና ብርቂ ይንበር'ምበር ምስ ደመነፍሲ ደቂ-ሰብ ዝተኣሳሰሩ መሰረታውያን ባህርያት ጕድለታት ነይሮሞ'ዮም።

ማዕርነታዊ ሕብረተሰብ፡ ይኹን ኢልካ ዝኸውን ከም ዘይኰነ፡ ብተደጋጋሚ ዝተራእየ ሓቂ'ዩ።

ንዜጋ ምስ ናቱ ጥቕሚ ኣተኣሳሲርካ ምስ እተስርሖ'ምበር ብግበርን ትእዛዝን ጥራሕ ኣይከውንን።

ሕብረተሰብ ታንዛንያ ንኒረረ የኽብሩዎ'ምበር ንዘተኣታተዎም "ኡጃማዊ" ለውጥታት እሺ ኢሉ ኣይተቐበሎን።

ኒረረ ኣፍትዩን ምሂሩን ንሕብረተሰብ ታንዛንያ ክልዉጦ ይፈትን'ምበር እቲ ስርዓት ብግዲ ብታህዋኽን ህዝቢ ኣተሓሳስብኡን ኣካይድኡን ንክልውጥ ይሰርሕ ነይሩ'ዩ።

ሓደ ካብ'ቶም ብእምቢታ ዝተገጥሙ ስርሓት ከም ኣስገዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተምሃሮ እዩ።

እቶም ቀንዲ ፊናንስያውን ኢንዱስትሪያውን ንግዳውን ዋኒናት ብመንግስቲ ስለእተሃገሩ ከይሰጎሙ ተሪፎም።

ኣብ ገጠራት ከኣ ንሕርሻ ብሓይለ-መንግስቲ ክከናወን ህዝቢ ኣይተዋሕጠሉን፣ ናቱ ብናቱ ክሰርሕ ስለ ዝደለየ።

ህዝቢ፡ ምናዳ ሓረስቶትን ገባሮን፡ ብርኡይ ተመዝመዙ'ምበር ህይወቶም ኣይተመሓየሸን። ስርዓተ ትምህርቲ ኸኣ ኣንቈልቈለ'ምበር ኣይማዕበለን።

ዉጽኢት "ኡጃማ" ኣብ 13 ዓመቱ ዳግመ ግምት ምስ ተገብረሉ ከም ዝፈሸለ ተረጋገጸ።

ሽዑ'ዩ ኒረረ "ክሳዕ መዓስ ኢና ክንዘርእ" ብምባል እቲ ዘተኣታተዎ ስርዓት - ኣብ ገጠራት ኣብ ማሕበርነት ዝተመስረተ ናይ ሓባራዊ ስርዓት ምትካል - ከም ዝፈሸለ ባዕሉ ዝመስከረ።

ኣብ ገጠራት ታንዛንያ ከም ዝተራእየ፡ ሕርሻን ማሕበርነትን ኣይተሳነዩን።

ነዚ እምበኣር ስርዓት ኒረረ ብኣጋኡ ከስተብህለሉ ኣይከኣለን።

ኒረረ፡ ኣብ መጠረስታኡ ሓንቲ ሃገር ካብ ብእንኮ ሰልፊ እትካየድ ብሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ክትመሓደር ዝሓሸ ምዃኑ ተኣሚኑሉ ሞተ።

ጽቡቕ ሸነኻት "ኒረረነት"

መራሒ ታንዛኒያ ነበር ጁሊየስ ኒረረ

ስርዓት ኒረረ ይፍሸል'ምበር ጽቡቕ ሸነኻት ነይሮም'ዮም።

  • ንቋንቋ ስዋሂሉ ሃገራዊ ቋንቋ ብምግባሩ ኵሎም ታንዛናውያን ከም ዝረዳድኡ ገይሩ
  • ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ቅኑዕ ኰይኑ ስለ ዘይረኸቦ ድማ ብ 1985 ብፍቓዱ ካብ ስልጣን ተኣልዩ
  • ኣብ ፓን-ኣፍሪቃዊ ምንቅስቓስ መሪሕ ተራ ብምጽዋት፡ ምስ መዘናታቱ ብ 1963 ንማሕበር ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝቐውም ዝገበረ እዩ
  • ንመሬት ገጠራት ሃጊሩ ንቝሸተኛታት ብሓባር ንከስርሖም ኣይተዓወት'ምበር መሃይምነቶም ከም ዜጥፍኡ ገይሩ
  • ኣንጻር ብልሽውና ዝተቓለሰ፣ ብብልሽውና ኸኣ ከይተበከለ ዝሓለፈ መራሒ እዩ
  • ንህዝቡ ብዕላማታቱ ብዙሓት መሃርቲ መጻሕፍቲ ዉርሻ ዝገደፈ መራሒ እዩ
  • ዋላ'ኳ ኣብ ኣህጕራዊ ርክባትን ምትሕብባርን ድኹም'ይንበር፡ ኒረረ ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ቀጥታዊ ርክባት ኣብ ቅንዕና ዝተመርኰሰ ርክባት ምምስራቱ ይንኣድ
  • "ኡጃማ" ከም መደቡ ኣይስራሕ'ምበር ንታንዛንያ ሓደ ፍሉጥ ናይ ሓባራዊ መንነት ኣትሒዙዎ'ዩ
  • ኒረረ ኣቦ-መንበር ናይ ሓሙሽተ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብምዃን ንመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ሮደዥያ (ሕጂ ብዚምባብወ ዝፍለጥ)፡ ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ሕጂ ብናሚብያ ዝፍለጥ) ብልዕልነት-ጸዓዱ ንዝግዝኣ ዝነበራ ሃገራት ኣጥቢቑ ተቓሊሱ'ዩ
  • ኢዲ ኣሚን ናይ ዩጋንዳ ንጸዓዱን እስያውያንን ብሕማቕ ኣገባብ ክገፍዕን ክሰጕግን እንከሎ ደው ኢሉ ዝመከቶ ኒረረ ነበረ።

ጁሌስ ኒረረ፡ ህዱእ፡ ዝተራእዮ ዝዛረብ፡ ቍንጹብ ዝመዛርዑ፡ ሰሓቒ፡ ብክእለት ዘረባኡን ድማ ብዜደንቕ ሓይለ-መጐታኡን'ዩ ዝዝከር ኢሉ ኢንሳይክሎፒድያ ብሪታኒካ ይምስክረሉ።

ናይ ኒረረ ሓሳባትን ድርሰታትን ዲስኩራትን ብእኩብ መልክዕ ኣብ መጻሕፍቲ ሰፊሮም ይርከቡ - "ናጽነትን ሕብረትን" (1967)፣ "ናጽነትን ማሕበርነትን" (1968)፣ "ናጽነትን ምዕባሌን" (1973)።

ብተወሳኺ፡ ኒረረ "ጁልየስ ሲዛር" / "ነጋዳይ ቨኒስ" ክልተ ናይ ሸክስፒር ድራማታት ናብ ስዋሂሊ ተርጕሙ ንህዝቡ ኣቕሪቡሎም'ዩ።