ፕረዚደንት ታንዛኒያ ንልዕሊ 5 ሽሕ እሱራት ምሕረት ገይሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘጋጠመ ዘሎ ጻዕቒ ንምጉዳል ልዕሊ 5 ሽሕ እሱራት ብምሕረት ክፍትሑ ኣዚዙ።
እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ ኣብ ዝተኸበረ መበል 58 ዓመት ጽምብል መዓልቲ ናጽነት እታ ሃገር'ዩ።
ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ድማ 5533 እሱራት ክፍትሑ ኣዚዙ።
እዚ ንእሱራት ዝተውሃበ ምሕረት ብቑጽሪ ዝለዓለ ኮይኑ፡ እዚ 15 ሚእታዊት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ከም ዝግመት ይግለጽ።
እቲ ፕረዚደንት፡ "ገሊኦም እሱራት ከም በዓል ደርሆ ብምስራቕ፣ ንመሓዙቶም ብምጽራፍ፣ ምስ መጻምዶም ብዘይምስምምዖም ብዝብሉ ቀለልቲ ገበናት ዝተኣሰሩ'ዮም" ኢሉ።
"ገሊኦም ግን፡ ንጉዳዮም ብዝግባእ ዝጣበቐሎም ጠበቓ ብዘይምርካቦምን ዝተውሃቦም መቕጻዕቲ ክኸፍሉ ብዘይምኽኣሎምን ዝተኣሰሩ'ዮም" ክብል ገሊጹ።
ማእሰርቲ ሓደ ዓመት ዝተፈርዶምን መቕጻዕቶም ክውድኡ ሓደ ዓመት ዝተረፎምን እሱራት፡ ካበቶም ብምሕረት ክፍትሑ ዝተብሃሉ'ዮም።
ፕረዚደንት ማጉፉሊ፡ ኣብ ሃገሩ 35,083 እሱራት ከም ዘለው ብምግላጽ፡ ልዕሊ ፍርቂ እዞም እሱራት ሕጂ'ውን ፍርዲ ዝጽበዩ ዘለው ምኻኖም ሓቢሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







