ሩስያ ንመስመር ጋዝ ከም ፖሎቲካዊ ረብሓ እንተተጠቒማትሉ እገዳ ክስዕባ ከምዝክእል ጀርመን ኣጠንቂቓ

ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል [ጸጋም] ምስ ፕረዚደንት ቮሎደምይር ዘለንስኪ 22 ነሓሰ 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል [ጸጋም] ምስ ፕረዚደንት ቮሎደምይር ዘለንስኪ 22 ነሓሰ 2021

ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከል፡ ሩስያ ነቲ ብዩክረይን ዝሓልፍ መስመር ናይ ጋዝ ክትዓጽዎ እንተፈቲና ኣብ ልዕሊኣ ተወሳኺ እገዳ ክግበር ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ።

ኣንገላ መርከል፡ ናብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ከተማ ከይቭ ኣብ ዝገበረቶ ምብጻሕ፡ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ቮሎደሚር ዘለንስኪ ብምርኻብ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ኖርድ ስትሪም 2 ዝብሃል መስመር ጋዝ ዘለዎ ሻቕሎት ከምዝርደኣ ገሊጻትሉ።

ኖርድ ስትሪም 2 ዝተሰመየ መስመር ጋዝ ብባሕሪ ባልቲክ ገይሩ ንዩክረይን ኣቋሪጹ ናብ ጀርመን ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ንሰደድ ጋዝ ሩስያ ብዕጽፊ ዘዕቢ እዩ።

እቲ መስመር ጋዝ ንዩክረይን ናይ ጸጥታ ጸገም የምጽኣላ ምህላው’ያ ዩክረይን ትገልጽ።

ብሰንበት መንግስቲ ጀርመንን ዩክረይን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ እቲ ፕሮጀክት “ክረምሊን[ሩስያ] ከም ጂኦፖሊቲካዊ መሳርሒ ትጥቀመሉ ኣላ፤ እዚ ኸኣ ንመላእ ኣውሮጳ ሓደጋ’ዩ” ኢሉ።

እታ ንሃገረ ጀርመን ከም መራሒት ኮይና ን16 ዓመት ዝሰረሐትን ኣብ ዝመጽእ ቀውዒ ካብ ስልጣና እትወርድን ኣንገላ መርከል ብወገና፡ ኖርድ ስትሪም 2 ኣንጻር ዩክረይን ንኸይውዕል ጀርመን ምስ ኣመሪካ ምስምማዓ ገሊጻ።

ንሳ ብምስዓብ፡ ሩስያ ነቲ ጋዝ ከም ማሕንቆ ክትጥቀመሉ እንተፈቲና፡ ብመሰረት ጀርመንን ኣመሪካን ዝበጽሐኦ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እግዳ ክንበር ከምዝኽእል ኣተንቢሃ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎደሚር ዘለንስኪ፡ እቲ ብኖርድ ስትሪም 2 ዝፍለጥ ፕሮጀክት ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ምስ ተዛዘመ፡ ዩክረይን ካብ ‘ትራንዚት’ ዓመታዊ ትረኽቦ ዝነበረት ቢልዮናት ዶላራት ስለዝንኪ ንቁጠባ ዩክረይን ብኸቢድ ክሃስዩ ከምዝኽእል እዩ ገሊጹ።

ብዓርቢ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቱን ዝተዘራረብት ኣንገላ መርከል ብወገና፡ ንትሕተ ቅርጺ ጽላት ተተካኢ ጸዓት ዝውዕል ንዩክረይን ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክውሃበ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብዚ እዋን ሩስያ 40 ሚኢታዊት ካብ ሃልኪ ጋዝ ናይ ኣውሮጳ ሕብረት እያ ተቕርብ ዘላ።

እቲ ንዩክረይ ኣቋሪጹ ዝሓልፍ ኖርድ ስትሪም 2 ዝተብሃለ ፕሮጀክት ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ምስተዛዘመ ኸኣ ሩስያ ዓመታዊ 55 ቢልዮን ኩቢክ ሜተር ጋዝ ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ከተቕርብ እያ።

ኣንጀላ መርከል፡ ብተደጋጋሚ እቲ ኖርድ ስትሪም 2 ዝተሰመየ ፕሮጀክት ቀርብ ዘደንፍዕ እምበር፡ ጀርመንን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ሩስያ ከምዝምርኮሳ ዝገብር ከምዘይኮነ እያ ትማጎት።

ካብ ሩስያ ናብ ኣውሮፓ ዝዝርጋሕ ኖርድ ስትሪም 2 መስመር ጋዝ
መግለጺ ስእሊ, ካብ ሩስያ ናብ ኣውሮፓ ዝዝርጋሕ ኖርድ ስትሪም 2 መስመር ጋዝ