ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝእትዎ ልዑል ድምጺ ረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Handout
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ንኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንምዃን ኣብ ዝተወዳደረሉ ኣብ ክልል ኦሮምያ መድመጺ ክልል ጎማ 2 ብልዑል ድምጺ ከምዝተዓወተ ኮምሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣቦ ወንበር ሰልፊ ብልጽግናን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣብይ ኣሕመድ 76 ሽሕን 892 ድምጺ ብምርካብ እዩ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ክቅጽል ተመሪጹ ዘሎ።
ኣብቲ መድመጺ ክልል ካብ ሰልፊ እናት ዳጊም ዋሮሶን ካብ ሰልፊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ ካሊድ ጀማል'ዮም ተወዳዲሮም ነይሮም።
ኮምሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ናይ ዝተፈላላየ መድመጺ ክልላት ውጸኢት ኣብ ምንጋር ይርከብ።
በዚ መሰረት ፕረዚደንት ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ኣብን ዝነበረ ዶክተር ደሳለኝ ጫኔ'ውን ኣብ ዝተወዳደረሉ ክልል ኣምሓራ ኣብ ከተማ ባህርዳር ከምዝተዓወተ እቲ ቦርድ ገሊጹ።
ኣካያዲ ስራሕ ሰልፊ ኣብን ዶክተር ደሳለኝ ጫኔ ወኪል ሰልፊ ብልጽግና ዝርከቦ ሸሞንተ ሰልፍታት ኣብ ዝተወዳደርሉ 47 ሽሕን 483 ድመጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ እዩ ኮምሽን ቦርድ ምርጫ ገሊጹ።
ኣብ ባህርዳር ድምጾም ንኽህቡ ልዕሊ 137 ሸሕ ሰባት'ዮም ተመዝጊቦም ነይሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ንዝተኻየደ ሻዱሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ንዝተውሃቡ ድምጺ እናኣጻረየ ውጽኢት ኣብ ምንጋር ይርከብ።
ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር 21 ሰነ 2021 እቲ ምርጫ ክካየድ እነከሎ ኣብተን ብዝተፈላላየ ምኽንያት ምርጫ ዘይተካየደለን ነቁጣታት ኸኣ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ መስከረም 2021 ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ኣሎ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ብምኽንያት ኮቪድ 19 ናብ ሎሚ ዓመት ዝተሰጋገረ ሻዱሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ልዕሊ 37 ሚልዮን ሰባት ድምጾም ንኽህቡ ከምዝተመዝገቡ እዩ ጸብጻብ ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ዝሕብር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







